skip to Main Content
Menu
“ዓርሲ”፡ ብልሓት ኢሳያስ ዶስ ዕንዛዘ ደገፍቱ?

“ዓርሲ”፡ ብልሓት ኢሳያስ ዶስ ዕንዛዘ ደገፍቱ?

“ዓርሲ”፡ ብልሓት ኢሳያስ ዶስ ዕንዛዘ ደገፍቱ?

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

መቸስ፡ ከምዝኸማይ እንተኾንኩም፡ እዚ ኣብ ኤርትራ እንዳማዕበለ ዝመጸ ኩነታት፡ ብትኽክል ንምግላጹን ትርጉም ንምሃቡን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለምና፡ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዓጋጢሙ ነይሩ ዶ ኾን ይኸውን ኢለ’ውን ናይ ታሪኽ መጻሓፍቲ ከገላብጥ ፈቲነ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወትኩን ዘለኹ። ገለ ኣጋጣሚ ዝተዓወትኩም እንተለኹም፡ ነቲ ታርኽ ከተካፍሉና ብትሕትና ኣብዚኣ እግረ-መንገደይ ዕድመ ከቕርበልኩም’ውን ይደሊ። ኣብ ታሪኽ ዓለም ብዙሓት ሕሱማት ገዛእትን ስርዓታትን ነይሮም እንድዮም፡ ብኡ መጠን ካኣ እቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ፡ ኣንጻር እቲ ዝወርዶ ዘሎ ዓመጽን በደልን፡ እንተኾነ ተቃሊሱ ነቲ ዓማጺ ገዛኢ ወይ ስርዓት ብምስዓር ሽግሩ ይፈትሕ፡ እንተ ዋሓደ ዋሓደ ካኣ፡ “ግዝኣትኩም ሓሲሙኒ ክጻወሮ ኣይካኣልኩን” ኢሉ ቃንዝኡ ዓው ኢሉ ይገልጽ። ሓለንጊ ሕሱም መግዛእትን ዓመጽን ክሃርሞ ከሎ፡ “ሃየይ ሃየይ …” ኢሉ ይቕንዞ። እዚ ናይ ኤርትራ ኩነታት ግን ፍሉይ ኢዩ። ትሕት ኢሉ ብዝርዝር ተገሊጹ ከምዘሎ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ማሓውራት ናይ’ታ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ቑልዒ ሓዊ ገድሊ ከይጠፍእ ደጒሉ ብምሕዳር፣ ሰውራ ብምዕቛብ፣ ተጋዳላይ ብምዕንጋል፣ ምስጢር ሰውራ ብምዕቃብ፣ ሂወት ደቁን ሂወቱን ንሰውራ ብምልጋስ፣ ንጸላኢ ብዘይዕጥቂ፡ ብጥበብን ብልቦናን ብምምካትን ብምስዓርን፣ ኮታ ብሓፈሽኡ፡ ንሰውራ ኣብ ማእገሩ ብምሕንጋር” ናጽነታ ክውን ዝገበራ ሃገሩ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት: ሓደ ብሓደ ስለዝቖርጠምዎ፡ ሕጂ ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን ደው ትብለሎም ማሓዉራት ዳርጋ ዘይብላ ተሪፋ ኣላ። ካብ ቀረባ ጊዜ ንዳሓር’ውን፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ኣዝማዶም ዓዲሞም ዝተረፈ ኣካላት ኤርትራ ንኸቃብጽዎ (ልዕላውነት ኤርትራ የሕሊፎም ንማሃብ) ፋሕጠርጠር ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እሞ ዳኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ’ዩ፡ እንተ ዋሓደ ዋሓደ፡ ዓው ኢሉ ቃንዝኡ ዘይገለጽ? ከምቲ፡ ክልተ ተጓዓዝቲ መሬት መስይዎም ኣብ በረኻ ምስደቀሱ፡ገይሮሞ ዝባሃል፡ ኢዩ ዶ ክባሃል ይካኣል ይኸውን? እቲ ታሪኽ ናይዞም ተጓዓዝቲ ከምዚ ይመስል፡ “ሓደ ካብቶም መሬት ምስ መሰዮም ኣብ በረኻ ዝደቀሱ ተጓዓዝቲ፡ ‘ቆርጠም-ቖርጠም’ ዝብል ድምጺ ይስምዕ’ሞ፡ ነቲ ካላኣዩ፡ ኣንታ እንታይ ኢየ ዝሰምዕ ዘለኹ ኢሉ ምስሓተቶ፡ ‘ስቕ በል፡ ስቕ በል፡ ከይሰምዓና፡ ዝብኢ ኢዩ እግረይ ዝበልዓኒ ዘሎ’ ኢሉ መለሰሉ ይባሃል። ልክዕ ከምዚ፡ እንዳ ተበልዐ ከሎስ፡ ስቕ ዳኣ በል ከይሰማዓና’ሞ፡ ከይበልዓና ዝበለ ተጓዓዛይ፡ ህብዚ ኤርትራ ከ እንዳጠፍአ ከሎስ፡ ከይጠፍእ ፈሪሑ ድዩ ስቕ ምባል መሪጹ? እዝስ እንታይ ዓይነት መግለጽን ትርጉምን ክዋሃቦ ይካኣል?

ብንቡር ኣተሓሳስባ፡ ምናልባት መደንዘዚ መድሃኒት ዝተዋህቦ እንተዘይኮይኑ፡ ኣካላቱ ክሕየኽ ከሎ ቃንዛ ተስሚዕዎ ‘ኣየይ ኣየይ ..” ዘይብል ፍጡር ኣሎ ኢልካ ክትግምት ዝካኣል ኣይኮነን። እሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከ መደንዝዚ መድሃኒት ዶ ኾን ወሲዱ ይኸውን ዳኣ? እንትኾኑ ከ እንታይ ዓይነት መደንዘዚ ኮን ይኸውን? ንኣብነት፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ንዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ማሓውራት ኤርትራ ክቑርጡሙ ከለው፡ “ህዝቢ ኤርትራ እንታይ በለን እንታይ ገበረን?” ኢልና ብምሕታት እስከ ፈታሻ ነካይድ። ኩላትና ከምርድኦ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብሓፈሻ “ዓው ኢሉ ሃየይ” ክብል ኣይካኣለን፤ እቶም ደገፊት ናይቲ ስርዓት ዝባሃሉ ካኣ፡ “ጭጉራፍ ሓለንጊ ያኢ ማይ ማጨሎት ተረኺቡለይ፡ ድገመና ዳኣ ቀጽሎ” ኢዩ ኾይኑ ጸኒሑ ግብረ-መልሶም። መቸስ፡ ብዙሓት ኣንበብቲ፡ ንሕና ዳኣ፡ ሃየይ ኢልናስ ኣንጻር እቲ ሰርዓት ክንቃለስ ጸኒሕና እንዲና ትብሉ ትኾኑ። ንሱ ይርዳኒ ኢዩ፡ ዝሰማማዓሉ ጉዳይ’ውን ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ቃልስኹም ክሳብ ሕጂ፡ ህዝባዊ ቃልሲ ወይ’ውን ህዝባዊ ማዕበል ኣንጻር ኢሳያስን ስርዓቱን ብምፍጣር፡ ንማሕውራት ኤርትራ ካብ ምቑርጣም ከድሕነን ኣይካኣለን ዘሎ። ነቶም ክሳብ ሕጂ ክትቃለሱ ዝጸናሕኹምን ዘለኹምን ዜጋታት፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ክትክተልዎ ዝጸናሕኩም ኣገባብ ቃልሲ ብምስትኽኻል፡ ህዝባዊ ማዕበል ከፍጥር ብዘክእል ኣገባብ ቃልሲ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ተኪእኹም፡ ንኤርትራን ህዝባን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ቃልስኹም ብዕቱብ ንኽትቕጽሉ እንዳ ኣማሕጸንኹ፡ ንሕጂ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ጉዳይ፡ ብዛዕባ’ቶም ክሳብ ሕጂ ንኢሳያስን ስርዓቱን ዝድግፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝምልከት ኢዩ።

ጉዳይ እዞም “ደገፍቲ ኢሳያስን ስርዓቱን” ተባሂሎም ዝግለጹ ኤርትራውያን፡ ጽብብ ብዝበለ መልክዑ ክንርእዮ እንተዘይኮይና፡ ኣዝዩ ሰፍሒን ዓሚቕን ኢዩ። እቱይ ምንታይሲ፡ እቶም ደገፍቲ ቡዙሕ ኢዩ ዓይነቶም። ነቲ ስርዓት ዝድግፍሉ ሓቀኛ ምኽንያታት’ውን፡ ብዓቕን፣ ብትሕዝቶን ብቕርጽን ዝተፈላለዩ ኢዮም። ብዙሓት ደገፍቲ፡ ከምቲ “ኣብታይሲ ካብ ጸጊበን ዝዕንድራ፡ ይዕንድራ ኣለዋ ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ” ዝባሃል፡ “ዓርከ-ማሓዛ፣ ኣባል ቤተ-ሰብ ኣዝማድ፣ ውዲ ዓዲ ወዲ ከባቢ፣ መሳርሕቲ፣ ኣብ ታሪክ ቃልሲ መጓዓዝቲ ዝነበረ/ዝነበረት፣ ወ.ዘ.ተ.” ይገብሩዎ ኣለዉ ኢሎም ኢዮም ዝድግፉ። እቶም ገለ ካኣ፡ ንውልቃዊ ረብሓታቶም (ካብ ወጻኢ ናይ ኤርትራ ንምምልላስ፣ ካብቲ ስርዓት ግንዖ ንምርካብ (መሬት፣ ዋኒን፣ ወ.ዘ.ተ.)) መታን ከረጋግጹ፡ ደገፍቲ መስሎም ክራኣዩ ዝደልዩ ኢዮም። እቶም ዝበዝሑ ካኣ፡ ፈሪሖም “እንታይ ገደሰኒ” ዝብሉ ተበለጽቲ ኮይኖም፡ ናይቲ ስርዓት መጋበሪያ ክኾኑ ዝመረጹ ኢዮም። ስለዝኾነ፡ እቶም ንኢሳያስን ስርዓቱን ብልቢ ዝድግፉ፡ ብጣዕሚ ውሑዳት ኢዮም። እቶም ዝበዝሑ ካብዚ’ቶም ካኣ፡ ልክዕ ከም ኢሳያስን ደቀ-መዛምርቱን፡ ብናይ “መንነት ቅልውላው” ዝሳቐዩ ኢዮም። ንኩልም ደገፍቲ ኢሳያስን ስርዓቱን ሓደ ዝገብሮም ጉዳይ ግን ኣሎ። ንሱ ካኣ፡ ኩሎም፡ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት መደገፊኦም ኣብ ውሽጦም ሒዞም፡ ንኤርትራን ህዝባን ዝድግፉ ዘለዉ መሲሎም ክራኣዩ ዝፍትኒ ምዃኖም ኢዩ። ብተወሳኪ፡ ሳዕቤናት ደገፎም፡ ኣብ ምድኻም ኤርትራን ኤርትራውነትን፡ ኩሉ ሓድ ዓይነት ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ንኢሳያስን ስርዓቱን፡ ደገፍ’ምበር ስለምንታይ ደገፍቶም ይድግፍዎም ኣይገድሶምን ስለዝኾነ። ስለዝኾነ፡ ንኹሎም ደገፍቲ ኣብ ሓደ ቑራዕ የእቲና ክንገልጾምን፡ ንሳዕቤናት ደገፎም ካኣ፡ ትርጉም ክንህቦን ንኽእል ኢና።

ሕራይ እስኪ፡ ነቲ ኩሎም ደገፍቲ ኢሳያስን ስርዓቱን ዝህብዎ፡ ‘ደገፍና ንኤርትራን ህዝባን’ ኢዩ ዝብል ምኽንያት፡ ዋል ሓቂ ኢዩ ኢልና ንቐበሎ’ሞ፡ ከምኡ ኢዮም ዝኣምኑ ንበል። ኮይኑ ግን፡ እቲ ብንቡር ኣታሓሳስባ፡ መእሰርን መለጋግቦን ትስእነሉ ጉዳይ፡ “እዞም ኢሳያስን ስርዓቱን ክገብሩዎም ዝጸንሑ ንኤርትራን ንህዝባን ብቐጻሊ ዘባደሙ ተግባራት፡ ብኸመይ መንገዲ ንረብሓን ቀጻልነት ኤርትራን ህዝባን ኢዮም ዘገልግሉ ክባሃል ከምዝካኣል” ኢዩ። ሓደ ሓያል፡ ዝባንካ ብሓለንጊ እንዳ መለጠካ ከሎ፡ ጠስሚ ኢዩ ዝለኽየኒ ዘሎ ዶ ይባሃል ኢዩ? እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ደገፍቲ እቲ ስርዓት፡ እዚ ኩሉ እንዳ ገበረ ከሎ’ስ ስለምንታይ ይድግፍዎ ንዝብል ሕቶ፡ ሕማም ስተክሆልም (Stockholm Syndrome) ዶ ኾን ሓሚሞም ይኾኑ ኢልካ ዝስገር ምኾነ። እቲ ክሳብ ሕጂ መግለጺ ዘይተረኽቦ፡ ናይ’ቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ጣቛ ኢዩ። እቶም ኩሎም ዝገብርዎም ተግባራትን ዘዘውትርዎም ባህርያትን፡ ብምንታይ ክግለጹ ይካኣሉ? ናይ ኣንበብቲ መልሲ እስከ ክሰምዕ። ክሳብ መልስኹም ተዳልዉ ግን፡ እስከ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ባህልና ዝውቱር ዝኾነ ናይ ስነ-ልቦና ጥበብ ከዕለኩም።

ክንደይ ትኾኑ ካብ ኣንበብቲ፡ “ዓርሲ” ዝብል ናይ ትግርኛ ቃል ትርጉም ከምትፈልጡ ብትኽክል ክግመት ስለዘይክእልን፡ መታን ኩሉኹም ኣንበብቲ ክትከታተሉኒ’ውን፡ እስከ “ዓርሲ” እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብምግላጽ ክጅምር። “ዓርሲ” ማለት፡ ሓርስ ላም ብተያ/ምራኻ እንድሕርዳኣ መይታታ(ትዋ)፡ ነቲ ቆርበት ናይታ ዝመተት ብተይ/ምራኽ ከም ለቖታ ገርካ ትጠብሖ’ሞ፡ ሓሰር ወይ’ውን ዝደረቐ ሳዕሪ ተመሊኡ፡ ኣርባዕተ ናይ ዕንጨቲ ማሓዉራት ተገርዎ ከምዝደርቕ ብምግባር፡ ነታ ዝሞተት ብተይ/ምራክ ብሂወታ ከምዘላ ኣምሲልካ ዝስራሕ ቅርጺ ኢዩ (ስእሊ ተመልከት)። ካልእ ዓይነት ኣሰራርሓ “ዓርሲ” ኣሎ’ውን ኢዩ። መሰረታዊ ባህርን ኣገልግሎትን “ዓርስታት” ሓደ ዓይነት ስለዝኾነ ግን፡ ነዛ ልዕል ኢላ ዝተገለጸት ዓይነት “ዓርሲ” ከም ኣብነት ወሲድና፡ “ዓርሲ” ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተ-ሰብ ከምዝውዕል እስከ ንርአ። እቲ “ዓርሲ” ነታ ሓራስ ላም፡ እታ ዝመተት ብተያ/ምራኻ ብሂወታ ዘላ መሲሉ ኢዩ ዝራኣያ። ስለዝኾነ፡ ነቲ “ዓርሲ” ኣብ ቅድሚ እታ ላም ተቐምጦ’ሞ፡ እታ ላም ካኣ ነታ “ዓርሲ” ልክዕ እታ ብተያ/ምራኻ ብሂወታ ከምዘላ ዓይነት ገይራ ኢያ ትልሕሳ። እዚ ካኣ፡ ነቲ ናይ ኣደን ምራኽን ስነ-ልቦናዊ ምትእስሳር ከምዘየቛርጽ ብምግባር፡ ነቶም ጸባ ዘፍርዩ ውሽጣዊ ህዋስት(Milk Glands) ናይታ ላም ትጉሃት ኮይኖም ከምዝቕጽሉን፡ እታ ሓራስ ላም ካኣ ከነጸፈት ንኣዋርሕ ወይ’ውን ንዓመታት ጸባ ከምትሕለብን የኽእል። ነቲ “ዓርሲ” ኣብ ቅድሚኣ ኣቐሚጥካላ ከትልሕሳ ምስጀመረት፡ ብተያ/ምራኻ ተጥቡ ዘላ ስለዝመስላ፡ ጸባ ተውርድ’ሞ፡ ሓላባይ ካኣ ጸብኡ ይሓልብ። ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ እታ ላም ልክዕ ከም’ተን ኣብታየን/ምራኹተን ዘይመተአን ካለኦት ሓራሳት፡ ንግሆን ምሸትን ትሕለብ። እዚ፡ ብቐዳሞት ወለድና ዝተማህዘ ኣገዳሲ ስነ-ልቦናዊ ጥበብ ኢዩ። ኣብዚ ጊዜ እዚ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ብስነ-ልቦና (Psychology)ናይ ዶክትሬት ዲግሪ (Ph.D.)ማዓርግ ዘውህብ ምህዞ ምኾነ። እዚ ካኣ፡ ኣብ ባህልና፡ ዝተሰገደ ዑቑር መበቖላዊ ፍልጠት (Endegeous Knowledge) ከምዘሎ ኢዩ ዝሕብረና’ሞ፡ ሃየ ዳኣ ሃሰስ ንበሎን ንዓቅቦን። ሕጂ፡ ናብቲ ነዚ ጉዳይ “ዓርሲ” ከልዕል ዘገደደኒ ዛዕባ ክምለስ እስኪ ኣፍቅዱለይ።

መቸስ፡ እዚ ኤርትራ ንዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ክትከዶ ዝጸንሐትን፡ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ኣዝዩ ኣሻቓልን ተኣፋፍን ኩነታት፡ ኣሻቒልዎስ፡ ምስ ናተይ ኢዮም ዝብሎም ሰባት ዘይዘራረብ ኤርትራዊ ዜጋ እንተሎ፡ ብጣዕሚ ውሑድ ኢዩ ዝኸውን። ዋላ’ቶም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት’ውን ከይተረፈ፡ ኣብ ገገዝኦምን፡ ምስ ከምኦም ዝኣመሰሉን፡ ጉጅም እንዳበሉ ነቲ ንድግፎ ኢና ዝብልዎ ስርዓት፡ ክሓምይዎ ኢዮም ዝውዕሉ። ብዝኾነ፡ ናይ’ዞም ደገፍቲ ንጊዚኡ ኣጽኒሐ፡ ናይ ሓንቲ ለባም፣ ባዓልቲ ቤት ለባምን ኣደ ለባማትን ዝኾና ክብርቲ ኣድ ዝብለኦ ጥበብ-ሓዘል ዘረባ ከዕልለኩም። እዘን ኣደ ኣብ ዝነበራሉ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ኣብ ኤርትራ ዘውረድዎ ብርሰት ዕላል ይላዓል’ሞ፡ ነቲ ኩሉ፡ ኢሳያስ ከመይ ገይሩ ንኤርትራን ንህዝባን ከምዘባደመ፡ ዝዋሃብ ዝነበረ መግለጺታት ብጹሞና ምስተኸታተላ፡ “እቶም ካለኦት (ሚኒስተራት፣ ዓበይቲ ስቪላውን ወታሃደራውን ሓለፍቲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ከ እንታይ ማይ ኢዶም? የለዉን ዲዮም?” ክብላ ሓተታ። “ንሳቶም ዳኣ መን ኣበይ’ለኹም ኢልዎም፡ ዝፈልጥዎ ነገር ዘይብሎም!” ዝብል ምላሽ ምስተዋህበን፡ “እሞ ዳኣ፡ እዚ’ቶምሲ “ዓርሲ” ኢዮም ዘይትብሉና” ብምባል ርኢቶአን/ሓሳበን ኣፈሰሳ። እዘን ለባም ኣደ፡ “እዚ’ቶምሲ “ዓርሲ” ኢዮም” ብትብል ሓንቲ ሓረግ፡ ነቲ ንምግላጹ ዘሸግር ኩነታት ኤርትራ፡ ጽቡቕ ገይረን ክገልጽኦ ኪኢለን። ኣማን ብኣማን ካኣ ሓቀን ኢየን። እቱይ ምንታይሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘለዉ መሲልዎ፡ ኢዚ’ቶም ኣለዉና’ዶ እንዳበለ፡ “ቅዋም ክትግበር፣ መሰል ህዝቢ ክሕሎ፣ ግዱድ ዕስክርና ከክትም፣ ሰብ ብናጻ ሰሪሑ ክነብር፣ ህዝቢ ብናጻ ኣብ ድላዩ ክንቀሳቐስ፣ ናይ ፖሊቲካ እሱራት ክፍትሑን ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ምእሳር ክቛረጽን፣ መሰረታዊ ህዝባውያን ኣቕርቦታት ክረጋገጹ፣ መሰል ኤርትራ ኣብ ዞባናን ኣብ ዓለምን ክረጋገጽ፣ ልዕላውነት ኤርትራ ክሕሎ፣ ወ.ዘ.ተ.”፡ ኢዩ እንዳበለ ንዝሓለፉ ካብ 20 ዓመታት ንላዕሊ ክጽበ ይጽናሕ ዳኣ’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓንቲ’ውን ትኹን ካብዚ’ተን ዝተተግበረት ስለዘየላ። ስለዝኾነ ካኣ፡ ብመንጽር ምርግጋጽ ረብሓታት ኤርትራን ህዝባን ከረአ ከሎ፡ ብዝነቐጹ ቆርቦታት ፖሊቲካውን መንግስታውን ስልጣንን ሓላፍነትን ዝተሸፈኑ “ዓርስታት” ኢዮም ዝብል ስያሜ ይውሕዶም’ምበር ኣይበዝሖምን ኢዩ።

ልዕል ኢሉ ከምዝተገለጸ፡ “ዓርሲ” ትርጉም ዝህልዎ፡ ነቲ “ዓርሲ” ሂወት ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን ባእታ ምስዝህሉ ጥራሕ ኢዩ። እታ ላም እቲ “ዓርሲ” ከም ብተያ/ምራኻ ብሂወታ ዘላ ኮይኑ ስለዝስማዓ ኢያ ጸባ ትሕለብ። ብተመሳሰሊ፡ ኣብ ፖሊቲካዊ ሂወት ሕብረተ-ሰብ’ውን፡“ዓርሲ” ትርጉም ዝለብስ፡ ዝመሽመሸ ስርዓትን ዝጠፈሹ መራሕትን ምህላውም ዘይኮነስ፡ ነዚ’ቶም ከምህሉዋት ቖጺሩ፡ ቁም-ነገር ክገብሩ ይክእሉ ኢዮም ብምባል፡ ደገፍ ዝህቦም ክፋል ሕብረተ-ሰብ ምስዝህሉ ጥራሕ ኢዩ። ከምቲ እተን ለባም ኣደ ዝበለኦ፡ ኢሳያስን ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝባሃሉ ተላኣኣኽቱን፡ ፖሊቲካዊ ሂወት ኣለዎም ክባሃል ኣይካኣልን ኢዩ። ጭራሽ በስቢሶም፡ ንኤርትራን ህዝባን ረብሓ ክሰርሑ ዓቅምን ድሌትን ኣለዎም ኢልካ ትጸበዮም ኣይኮኑን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንልዕላውነትን ንሃገራዊ መንነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሖሞ ዘለዉ’ውን ኢዮም። ይኹን’ምበር፡ ነዚ ሓቅታት እዚ ዘይተገንዘቡ ገለገለ ኤርትራውያን፡ ንኢሳያስን ስርዓቱን ብቐጻሊ ደገፎምን ሓገዞምን ክህቡ ጸኒሖምን ኣለዉን። እቲ ዝኸፍአ ካኣ፡ ሓገዝን ደገፍን ምሃቦም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራን ንህዝባን ዝሕግዙ ዘለዉ ኮይኑ ስለዝስመዖም’ውን ኢዩ። ብግደ ሓቂ እንተኾይኑ ግን፡ በ’ቶም ንሳቶም ዘቐብልዎም ኣባትር/ሓለንግታት ኢዮም፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ንኤርትራን ንህዝባን ክቕጥቕጡ ዝጸንሑን ዘለዉን። እቶም ደገፍቲ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ክእመንሉ ኣይደልዩን ኢዮም። እቱይ ምንታይሲ፡ ከምታ እታ ላም “ዓርሲ” ምስ ኣቕረብካላ፡ ብተያ/ምራኻ መሲልዋ ነቲ “ዓርሲ” እንዳ ላሓሰት ጸባ ትሕለብ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን “ዓርስታት” ምዃኖም ስለዘይርድእዎም፡ ብቐጻሊ ይድግፍዎምን ይሕግዝዎምን። እዚ ኢዩ ካኣ እቲ ጸገም። እዚ ካኣ ሳይንስ ኢዩ። ከምስይ ሲ፡ ብመንጽር ምርግጋጽ ሃገራዊ ረብሓታት ኤርትራን ህዝባን፡ ኢሳያስን ስርዓቱን “ዓርስታት” ከምዝኾኑ ክሳብ ዘይፈልጥዎም ጊዜ፡ ደገፎምን ሓገዞምን ካብ ማሃብ ከቛርጹ ኣይክእሉን ስለዝኾኑ። እሞ ዳኣ፡ እዞም ደገፍቲ ኢሳያስን ስርዓቱን ሲ ማዓስ ኢዮም እታ “ዓርሲ” “ዓርሲ” ምዃና ዝርድኡ? ብኸመይ?

ሕጂ’ውን መልሲ ናይቲ ብኸመይ ዝብል ሕቶ፡ ልቦና ቀዳሞት ወለድና፡ ሃሰስ እንድሕር ዳኣ ኢልና ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ቀዳሞት ወለድና፡ ነታ “ዓርሲ” እንዳ ላሓሰት ጸባ ክትሕለብ ዝጸንሐት ላም፡ ተሰሪራ ምልኦ ክትሕዝ እንተ ደኣ ደልዮማ፡ ነታ “ዓርሲ” ቀዲዶም ኢዮም ዘርኢዋ። በዚ ካኣ፡ እታ ብተያ/ምራኻ ከምዘየላ ትፈልጥ’ሞ፡ እቶም ጸባ ዘመንጭዉ ህዋሳት (Milk Glands) ይዳኸሙ፡ እታ ላም ካኣ ትነጽፍ። ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት፡ ስራ ተልዕል፡ ተሰሪራ ካኣ ምልኦ ትሕዝ’ሞ ድሕሪ ናይ 9 ኣዋርሕ ምልኦ፡ ጥዕይቲ ብተይ/ምራኽ ትወልድ። እዞም ደገፍቲ ኢሳያስን ስርዓቱን ካኣ፡ ነታ “ዓርሲ” ቀዲዱ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዝበስበሰን ዝጠፈሸን ፖሊቲካዊ ሂወት ኢሳያስን ተላኣኣኽቱ ላዕዎት መራሕትን ዘርእዮም ከድልዮም ኢዩ። ከምኡ እንተተገይሩ ካኣ፡ ከምታ እታ ላም ጥዕይቲ ብተይ/ምራኽ እንደገና ክትወልድ ዝኻኣለት፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ተቃልሲ፡ ጥዑይ ስርዓትን መራሕትን ክፈጥር ይኽእል ኢዩ።

እቲ ጽቡቕ ነገር ካኣ፡ ሕጂ እታ “ዓርሲ”፡ ኢሳያስ ባዕሉ ቀዲድዋ ኢዩ። እቶም፡ ድሕሪ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ገርና ብምባል፡ ኢሳያስ ብተደጋጋሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኻድ፡ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ዕዳጋ ዘውረዱ ዝበሎም ዘረባታትን ዝገበሮም ተግባራትን፡ ነቲ ተሸፊኑ ዝነበረ ዝመሽመሸን ዝጠፈሸን ፖሊቲካዊ ሂወቱን ፖሊቲካዊ ሂወት ተላኣኣኽቱን ኣብ ደገ ቅላዕ ብምውጻእ፡ ትኽክለኛ መንነቶም ከምዝጋለጹ ገይሮሞም ኢዮም። ከም ውጺኢቱ ካኣ፡ እቲ ኣብ ኢሳያስን ስርዓቱን ዝነበረ ታኣማምነት ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራዊ ሎም የለን ክባሃል ይካኣል ኢዩ። ኣዝዮም ውሑዳት ዝኾኑ ደገፍቲ፡ ዋላ ነታ ድሮ ተቐዲዳ ዘላ “ዓርሲ” ምልሓስ ዝቕጽሉ ኣይክሳኣኑን ኢዮም። እታ ሓርስ ላም፡ ዋላ እታ “ዓርሲ” ተቀዲዳ እንዳ ራኣየታ ከላ፡ ቀልጢፋ ዘይትቐብጸሉ ሳሕቲ ጊዜ የጋጥም’ውን ኢዩ። ዘይራ ዘይራ ግን ትቐብጽ ኢዩ። እዚ’ቶም እንትኾነ’ውን ናይ ጊዜ ሕቶ ኢዩ’ምበር፡ ይማሃሩ ግዲ ይኾኑ። ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ፡ ኩሎም ደገፍትን ሳዓብትን ኢሳያስን ስርዓቱን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ደገፎም ኣቛሪጾም ኣብ ጎድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፎም፡ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ንምድሓንን ንምዕቃብን ቃልሶም ከዕዝዙ ኢዩ ዝግባእ። እንተዘይኮይኑ ግን፡ መልሲ ናይቲ፡ ኣብ ኣርእስቲ ናይዚ ጽሕፍ እዚ፡ “ዓርሲ”፡ ብልሓት ኢሳያስ ዶስ ዕንዛዘ ደገፍቱ? ብዝብል ዝተላዕለ ሕቶ፡ ኣማን ብኣማን “ዕንዛዘ ደገፍቱ” ኢዩ ክኸውን። ካብ ዕንዛዘ ካኣ፡ ይሰውረና ማዓቱ ኢዩ ዘብል’ሞ፡ ምሕረት የውርደሎም። ከም ኣጋጣሚ፡ ከምዚ’ቶም ዓይነት ኤርራውያን፡ እንተ ዳኣ ኣጋጢሞሙኹም’ውን፡ “ምሕረት የውርደልኩም” ኢልኩም እቲ ጽቡቕ ድሌትኩም ካብ ምልጋስ ዓዲ ኣይትዋዕሉ ኢኹም። ተስፋ ብዘይምቑራጽ፡ እታ “ዓርሲ” “ዓርሲ” ምንባራን፡ ሕጂ ካኣ “ቀዳድ ዓርሲ” ከምዝኾነትን፡ ከተረድእዎምን ክትሕብርዎምን ፈትኑ። መይ ይፈልጥ፡ ኣሰርኩም ይስዕቡ ይኾኑ። ተቓላሳይ ተስፋ ኣይቖርጽን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ከም ተቓላሳይ ህዝቢ መጠን፡ ተስፋ ከይቖረጸ፡ ፍትሓዊ ቃልሱ ብዝናሃረ መልክዑ ከምዝቕጽሎ ባዓል ምሉእ ተስፋ ኢየ። ከምዝዕወት’ውን ምንም ጥርጥር የብለይን። ንቕልጽም ሓፋሽ ዝዓግቶ ሓይሊ የልቦን። ጥርናፈ ጥራሕ ኢዩ ዘድልዮ። ስለዝኾነ፡ ህዝባዊ ጥራናፈ፡ ጊዜ ዘይህብ ሃገራዊ ዕማም ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ’ሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተጠርኒፉ ቃልሱ ንኸዕዝዝ፡ ህዝባዊ ጸዋዒተይ ከቕርብ ይደሊ። “ዘይተጠምረ ማእዶ፡ ፋሕ ኢሉ ይስንዶ” ከምዝባሃል፡ ዘይተጠርነፈ ቃልሲ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ’ሞ፡ ሃይ ዳኣ ንጠርነፍ። ብኸመይን ኣብ ምንታይን ህዝቢ ይጠርነፍ ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top