Main Menu

ዕድል ሰበ ስልጣን ኤርትራ

                                                         ዕድል ሰበ ስልጣን ኤርትራ

     ብሽፋ መ/ኑር

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ነባር ተጋዳላይ፡ መከላኸሊ ሚኒስተር፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ወዘተ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላልየ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሰጋገርን ግዜያዊ መንግስቲን ህግዲፍ ኮይኑ ከገልገለ ዝጸንሐ ዘጋጠመ ሓደጋ ቅትለት ኣቶ ስብሓት ኤፍሬም ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ክዝረብን ክጻሓፍን ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝተፈጸመ ሓደጋ ቅትለት የለን ወይ ኣይነበረን ወይ ከኣ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ሓደጋ ንምባል’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ምስ’ቲ ምልካዊ ስርዓት ዘቃልሖ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ኤርትራ ህልዉ ኮይኑ ዘይፈልጥ ሰላም ሃንደብታዊ ክዝረግ ኣብ ሓደጋ ቅትለ ላዕለዎት ሰብ መዚ ንመጀመርያ ዝረአ ዘሎ ዘይምኳኑ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከቡ ኣሕዛብ፡ ኣብ ዝተፈላልየ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝጸንሑ መራሕቲ፡ ዜጋታት ኣካላት ሕብረተ ሰብ፡ ወለዶታት፡ እምነታት፡ መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክፍጽሞ ዝጸንሐ በደላትን ግፍዕን ምስ መስዋእቲ ንሓርነት ብምንጽጻር ዝፍጸም በደላት ብቀሊሉ ክዝረበሉ ዝኽእል ኣይኮነን።

ኤርትራ ሰብ ከም ሰብ፡ ከም መራሒ፡ ከም ሽማግለ፡ ከም ወላድን ውሉድን፡ ከም መንፈሳዊ መራሒ ብፍጹም ዘይክበረላ ሃገር ኮይና ምጽንሓ ብዙሕ ዓመታት ዘቁጸረ ጉዳይ’ዩ። ሰባት ከም ሰባት ብሂወቶም ከለውስ ይትረፍ ዓለማዊ ሂወቶም ፈጺሞም ብዝተፈላየ ምኽንያት ግፍዕታት ዝሞቱ’ኳ እንተኾነስ ግቡእ ፈነወ ሓመድ ኣዳም ዝለብስሉ ስነ ስርዓት ቀብርን ስድራ ቤቶምን ፈተውቶም ከይረኽቡ ዝገብርን ዝኽልክልን ዝጻባእን ምስ ኣብ ሳንዱቅ ዝኣተወ ሬሳታት ዝማጓት ሕሉፍ ጉዳመኛ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ጥራሕ’ዩ። ሕልና ዘለዎ ዘበለ ሰብ በዚ ጉዳይ ክሓስብ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ማዕረ ክንደይ ፍጥረት ሰብ ዘይብሉ፡ ከሓዲ ኣረሜን ኣራዊት ምዃኑ’ዩ ክፈልጥ ዝኽእል።

ኣብ ሃገርና ካብ ነዊሕ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ላግጽን ኣሽካዕላላትን ሎሚ’ውን ኣይተቀየረን ዘሎ። ምስ’ዚ ከኣ ስዒቡ ከኣ ሚዛን ዞባዊ ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብናህሪ ክውንጨፍ ዝረኣየሉ ግዜ ምስ’ቲ ዝጸንሐ ዘቤታዊ ኣረሜናዊ ምሕደራ ህግዲፍ ኣበይ ገጹ ይኸይድ ምህላዉ ነቶም ብቀረባ ክዕዘብዎ ዝጸንሑ’ኳ ንምግምጋሙ ዘሸግር ኮይኑ ኣሎ።

እሞ እቶም ኣብ ሓያልን ጽንኩርን ኵነታት ከም ኣብ ሓዊ ዝተፈተን ወርቅን፡ ከም ዓረ ዝተረረ ሓጺን ተሞክሮም ዝሓለፉ ላዕለዎ ሓለፍቲ ሰበ ስልጣናትን ጀነራላትን ሎሚ ብዛዕባ ህዝቦምን ሃገሮም እንታይ ይሓስቡ? እወ እቲ ዝሓስብዎ ኩሉ ምስ’ቲ መስመር መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ዝተመዓራረየ እንተኾይኑ ቀስ ብቀስ ካብ’ቶም ኣብ ማእሰርትን ብምስምስ ዝጠፍኡን ዝተኣሰሩን ዝተቅተሉን መራሕቲ ዕድል ወጻኢ ዝጽበዮም ዘይምህላዉ ዝከሓድ ዘይምኳኑ’ዩ ዘረድእ።

ልክዕ ረብሓ ኣሎ፡ ጠቅሚ ኣሎ፡ ሓለፋታት’ውን ኣሎ። እዚ ኩሉ ግን ምስ ኽብርን ታሪኽ ሃገር፡ሕድሪ ስውኣትን፡ ማሕላን፡ ምስ መጻኢ ዕድል ወለዶታት ክሰምር ክኸይድን ዘይክእል ምዃኑ፡ ምስትውዓል ዝጎደሎ፡ ብሓሶት ሰላም ክብሉ ጸኒሖም ብጋህዲ ሰላምን ቅሳነት ዘየለ፡ ውሕስነት ምርግጋእ ጸጥታ ወይ ድሕነት ሃገር ኣሎ ክብሉ ጸኒሖም መንፈሳዊ መራሒ፡ ሽማግለ ኣቦ፡ ምስ’ቶም ኣብ ቃልሲ ምስኦም ዝነበሩ ደገፍቲ ይኹን ተቃወምቲ ተጋደልቲ ዘጓንፎም ዘሎ ሕሰም ክርእይዎ ዘዕውሮም፡ ክሰምዕዎ ዘጸምሞምን ዘሎ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ስቕታ ከይዱ ከይዱ ኣበይ ክበጽሕ ከርድእ ዝኽእል ሓንቲ የልቦን።

ኣብ ዘንቀለኒ ጉዳይ ዶ ክምለስ! ግርም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ብስም ሰላም ዝካየድ ዘሎ ክሳብ ሎሚ እፈልጦ’የ፡ ወይ ሰሚዔዮ’የ ዝብል ዘይብሉ፡ ዝካየድ ዘሎ ዘይተኣወጀ ምስጢራዊ ስምምዓት ስርሓት ከይዱ ከይዱ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰበ ስልጣናትን ጀነራላትን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሙሉ ህዝብን ሃገርን ጠቕሊሉ ንሓደጋታት ዘምርሕ ዘሎ መስርሕ ምኳኑ ብኸመይ ክኽወሎም ይኽእል። ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ስምምዓት ሰላም ብድሕሪኡ እንሆ 5 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ሓንቲ’ኳ ለውጢ ዘይብሉ፡ ብኣንጻሩ ሰርቢ ሓደጋታት ጸሎም ደበና ዘንጻላልወሉ ዘሎ ሃገር ክሳብ ብኢዶም ተጠውዮም፡ ካብ መደቀሲኦም ተገዲዶም ተጨውዮም ንማእሰርቲ ክኸዱ ዝግደድሉ ስዓት ዘጸብዮም ምኽንያት እንታይ’ዩ ዘየብል ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰላም ዝጸልወና እንተኾይኑ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይርጉእ ፖለቲካ ክጸልወና ምዃኑ ምርዳእ ዘሸግር ኣይኮነን።

ብድሕሪ’ቲ ሰቲ ዝተነስነስ ዳሳት መቀበል መራሕቲ ክልተ ሃገራት ተጻዊዱ ግዜ ዝቆጽር ዘሎ ሓደገኛ ተተኳሲ ምረት ህዝቢ ክዝረበሉ ዘይድለ እንተኾነስ፡ ካብ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ወጻኢ ዝኾና ዓይኒ፡ እዝኒ ዝርይኣኦን ዝሰምዕኦን ዘለዋ ይዛረባሉ ኣለዋ፡ ኣይከም’ቶም ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን እዝን ዓይንን ከስተብሃላ ጀሚረንስ ንህዝበን ከማሕጽና ጀሚረን ኣለዋ።

እቶም ካብ ኤርትራ ረብሓን ጠቕም ኣሎና እንዳበሉ ክዛረቡ ዝጸንሑ፡ ሎሚ እቲ ዝደልይዎ ረብሓን ጠቅም ገገለ ዘይሕጋዊ፡ ገገለ ኣገባብ ዘይብሉ፡ ገገለ ከኣ እዚ ዝከይድ ዘሎ ዝምድናታት ካብ ዝምድና ክልተ መራሕቲ ንላዕሊ ዝኸይድ ኣይኮነን ክብሉ ብትሪ እንዳነቐፉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ዘጋለጽዎ ብዙሕ ምስጢራት ካብ ግዜ ንግዜ እንዳተገልጸን እንበርሀን መጺኡ። ብማዕርኡ ከኣ ፍሽለት ምስጢራዊ ስምምዓት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ሓንቲ ትሕዝቶ ከም ዘይብሉ የጋልጽ።

ሰበ ስልጣን ኤርትራ ደጊም ካብ’ቶም ስግር መረብ ዘለዉ መዘናታቶም ኣዝዮም ድሒሮም ምህላዎ ጥራሕ ዘይኮን፡ ብቀረባ ንህዝቦምን ሃገሮምን ብሓፈሻ ንልዕሊ 27 ዓመት ብፍላይ ድሕሪ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ዶብና እንዳበሉ ህዝብን ሰራዊትን ድቃስ ከሊኦሞ ንሳዋ መንገዲ ማይ ዘውጽእሉ መሕከሊ ገይሮማ ዝጸንሑ ጀነራላት ህግዲፍ ዘይምዝራቦም ደኣ ሎሚ ኣበይ ኣበሉ። እንታይ ደኣሉ ጽሩራቶታምን ስብእነቶም ኣብ ሳው ጥራሕ ድዩ ዘየብል ከ እንታይ ኣሎ።

ሎሚ ዶብ ኣይተሓንጸጸ፡ ዘይተጋህደ ሚስጥራዊ ስምምዓት ልዕሊ ኩሉ ዋሕስ ሂወቶም ዝኾነ ሃገራዊ ቅዋም ዘይጸደቀን ዝይተተኽለን ምንባሮም ልዕሊ ህዝብና ዝፈልጥዎ ጉዳይ ኣለዎም ክበሃል ዘይከኣል’ኳ እንተኾነስ ብዘለዎም ሓንቲ ስልጣን ህዝቢ እንዳጋፋዕና እንዳኣሰርና ምንባር’ዩ ዝብል ምርጫ ኣብ ማሕቡስ ዘይኣተዉ ዕድላቶም ዝረመሱ እሱራት ስርዓት ህግዲፍ ክበሃል ዘይከኣል ኣይኮነን።

ሰላም ቅንያት።

      






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *