skip to Main Content
Menu
ዘሐጉስ ዜና

ዘሐጉስ ዜና

ዘሐጉስ ዜና

ኣብ ኣትላንታ ካብ ነሓሰ 3-5, 2018 ዝተገብረ ፈስቲቫል፡ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዝተጻጣሓሉ ኩነታት እዩ ተገይሩ። ኣብዚ ዓሚቕ ክትዓትን፥ ድሙቕ ትልሂታትን ዝተገብረሉ ፈስቲቫል ናይ ዝተፈላለያ ፖለቲካውን ሲቪካውን ህዝባውን ማሕበራት ሰሚናራት እውን ተኻይዱ። ኣብ ዝተገብረ ሰሚናር፥ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብህዝቢ ብዝቐረበለን ተሪር ለበዋ ንምትግባር፡ እዘን ኣብ ታሕቲ ኣስማተን ተዘርዚረን ዘለዋ ውድባት ነዚ ኣንጻር ህግደፍ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ ብድሆ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፈን ክቃለሳ ተሰማሚዐን። እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ 9 ውድባት ከኣ ነቶም ዘይተረኽቡ ኩሎም ውድባት ብምዕዳም እቲ ኣትዮሞ ዘለዉ መብጽዓ ከስፍሕዎ ተሰማሚዖም። እዞም ነዚ ዝተሰማማዕና ውድባት ከኣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝግበር ምጥርናፍ ደለይቲ ፍትሒ ምስቶም ሲቪክ ትካላትን፡ ህዝባዊ ማሕበራትን፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ሓቢሮም ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

 1. ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2. ሰልፊ ደሚክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

3. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር

4. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

5. ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

6. እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ምዕባለን

7. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

8. ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ

9. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top