skip to Main Content
Menu
ዘስደምም

ዘስደምም

ዘስደምም

ሕሰብ ኣስተው ዕል ተማራመር ተባራበር

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ እዚ ኣብዚ እዋን፣ እዚ እንነብሮ ዘለና ሓዲሽ ሃዋህው ኣብ ሞንጎ ክልተ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ብድልየት ክሊቲኦም መራሕቲ መንግስታት ዝተወስደ ተበግሶን ኣጋባብ መስርሕ ምቅርራብ፣ ብሽም ሰላም ዝኽተም ዉዑላት፣በጋባቡ ይኹን ኣማጻጽኡ ኣዋዓዕልኡ ዘስደምም ጥራይ ዘኮነስ ዘሕስብን ክትማራመር ዝዕድምን ብጥንቃቐን ህዱእን፣ ዘይጋራጨው ሓስብን፣ ፖለትካዊ ትንታነ ክትጥቐም እትግደደሉ ህሞት እዩ። ከም ቮልተር ዝበሎ፣ ንሕና ተፈጥራዊ ተውህቦ ኣሎና፡ ብብርዕና ይኹን ብቓልና/ብዘረባናን ብናትና ትኽእሎ፣ሓደጋ-ጉድኣት ህሰያ የምጽእ እኳ ይኹን እምበር፣ እንብሎን እንሓስቦን ክንጽሕፍ ይግባእ። ምስ ኩሉ ኣኽብሮት ንጻ ኮንካ ሓስብካ ምግላጽ፣ ን-ኣንጻር ድልየትን ትምኒትን-ባህግን ህዝብኻ ኮይኑ ብይዘስምዕ ርእይቶ/ሓሳብ ከተቕርብ ከልኻ፣ ብጣዕሚ ተጠንቂቕካ ክትጽሕፍ ትድረኸሉ፣እዋናት ክመጽእ ይኽእል፡ልክዕ ከምዚ እዋን እዞም ክልተ መራሕቲ ብስሚዕትን ባህግን ምንዮትን ህዝቢ ዝዋስኡ ዘለዉ ከራጋግጸልና ይኽእል።

ከምዚ ብማዕክናት ክንርእዮ ክንሰምዖ ዝቐነና overwhelm ኣዕለቕላቂ ክብሃል ዝካኣል፣ቀጺሉ ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ቅድም ብ-ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ዝሃቦ መግለጺ ውዑል-ኣልጀሪ ብይን ሀግ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክንትርጉሞ ቁሩባት ኢና፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኣወንታዊ መልሲ ክረክብ ምስ ተላበወ፤ ብወገን ውልቀ መላኺ ንቑሩብ እዋን ኣጽቂጡ ድሕሪ ምጽናሕ አብታ ረዛን ዕለት 20-ሰነ፣ ህዝብና ዘስትንትነላ መዓልቲ ነቲ ኣብ እትዮጱያ ተረኪቡ ዘሎ ለውጢን ንሰላም ዝጽውዕ ህሞት፣ ንምጽናዕን ንመጻኢ ምስ ኢትዮጵያ ዝህልወና ውጥን መንቲ ክሕግዘና ሉኡኻትና ክነበግስ ኢና ክብልን በቶ ዝላዓሉ ሰበስልጣኑ ከም ዝላኣኸን ዝነበረ ዓውደ ትያትር ዝተዓዘብናዮ ኩነት እዩ። እቲ ዝገርም ከነጽንዕን ውጥን ከነውጽእ ኢሉ ከብቅዕ ኣብ ሰሙኑ ቀዳማይ ምኒስተሪ ትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተሰኒዩ ኣብ ኣስመራ ደበኽ ክብል እዩ ተራእዩ። እዚ ንተንኮልን ሓሶትን ዝቕድመን ብታሕቲ-ታሕቲ ብስዉርን ከይተፈልጠ፣በቶም ንሱ ዝኣምኖም ዜጋታት፣ምስጢራዊ ኣጋባብ ብምጥቃም ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዝነበረ ጋሻ ጌርካ ንምርኣይ፣(ኣረጊት ሽጣራ)እዚ  ዘይባሃል ቲያትር፣ ፕሮቶኮል/ወግዒ ዘይሓለወ ሰናርዮ ንደቅሰብ  ዘስደምም ሪኢና።  እቲ አብዚ ክንግንዞቦ ዘሎና እቶም ልኡኻት ኤርትራ፣ ቅድሚ ን-ኢትዮጵያ ምንቃሎም፣፡ ኩለን ማዕክናት ኢትዮጵያ ኣቐዲመን ንህዝቢ ሓቢረን፡ ድ/ር ኣብይ ቅድም ንካቢነ ሚኒስትሪ ድሓር ንባይቶ ሓቢሩ ህዝቢ ከም ዝፈልጦ ተገይሩ። ኣብ ኤርትራ ግን ኩሉ ቢምስጢር ሒዝዎ ህዝብና ካብ ማዕክናት ናይ ደገ እዩ ፈሊጡ በዓል መን ምዃኖም ሉኡኻት ኤርትራን መዓስ ከም ዝነቕሉ ብ-ዘይካ ውሑዳት መሳርሕቱ ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረን።ብዛዕባ ኣጋይሽ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ፣ እዉን እንተኾነ ብታሕቲ ታሕቲን ትሒም-ቲሕም እምበር ብወገን ኢትዮጵያ ይኹን ኤርትራ ግሉጽነት ኣይነበረን። ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ፣ ገና ኣብ ምቅንቃን ዝነበራን፣ዘለዋን ሃገራት እሞ ክኣ፣ ንምስግጋሩ ዝጓዓዛ ዘለዋ ከምዚ ዝበለ ሁጹጽነትን መስርዑ ዘይሓዘ ኣጋባብን ክትሪኢ እንከለኻ ስለምንታይን ከመይን፣ ድልየት መን፣ ዝብሉ እዚኦምን ካልኦትን ሕቶታት ክመጹኻ ግደታ  እዩ። 

እቲ ሰናርዮ ካብ መዕረፍ-ነፈርቲ ኣስመራ ጀሚርና ክንርእዮ ንፈትን፤ ንመጀመርያ እዋን ውልቀ መላኺ ምስ ኩሎም ሚንስትራትን ሓለፍቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ከማዕርጋ ይኽእላ ዝተባህላ ደቂ ኣንስትዮ ፣ ዕንባባ ዝንስንሳ ዝነበራ፣ ክትሪኢ ከለኻ፣ ብፍላይ ግን ፕሮቶኮል/ወግዒ ምቕባል ንሓደ መራሒ  ንኢድ ተታሒሕዝካ ናብ ምልላይ ምስ ተቐበልቲ ኣጋይሽ እውን ምስዕዓም መን ንመን ይሰዕዓም ዘይፍለጥ ኣጋባብ፣ ነቶም ኣጋይሽ እዉን ከመይ ክገብሩ ከምዘለዎም ዝተዳናገሮም ዝመስል ነበረ። እዚ ኣብቲ መዕረፍ-ነፈርቲ ዝነበረ ትያትር (farce)ልግጫ ከይኣክል እቲ ኣብ ኣዳራሽ ናይ ክብሪ ግብጃ ዝተገብረ መድረ ፖለቲካ ኣልቦ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን፡ መልእኽትን ፖለቲካዊ ትሕዝቶን ዝሓዘለ ትንታነ ናይ ድ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሰሚዕና።   ውልቀ መላኺ፣ መደርኡ ክጅምር ከሎ፣ኣይተቐረብኩን ክብል ጀሚሩ፣ዘስምዖ መደር፣ ሕጽረተ ስነሓሳብ ዝመልኦ ኮይኑ፡ እንቛዕ ደሓን መጻእካ ድሕሪ ምባል፣ቀጺሉ ነዚ ዶ/ር ኣብይ ወሲድዎ ዘሎ ሕርያ ቀሊል ኣይኮነን። ን-25 ዓመት ካብ ምዕባለ ቀይዱ ዓጊትና ዝጸንሐ ሰይሩ ንኽሊቲኤን ሃገራት ዘቃራርብ ውሳኔ ምውሳዱ ብዙሓት ተጻባእቲ ክረክብ ምዃኑ ፉሉጥ ስለ ዝኾነ፡ ንሕና ነዞም ተቓናቐንቲ ንምስዓር ኩሉ እዋን ኣብ ጎኑኻ ኮይና ክንቃለሶምን ክንስዕሮምን ኢና። በዚ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን እንኳዕ ኣሓጎሰካ እናበልኩ ህዝቢ እርትራ በቲ ዝርኣኻዩ ኣቃባብላ ተቃባልነቱ ኣራጋጊጽልካ ወይ ምስክር እዩ፤ ክብል ሓጺርን ፖለቲካ አልቦ ናይ ኩሉ ባዕሉ ዝጥርሾን ወናን ምዃኑ ዘርኢ ሓስብን መደረን እዩ አቕሪቡ፣መልእኽቱ መፋራርሕን ንኹሉ ብሓይሊ ክፈትሖ ቁርብነቱን ባህርያቱን እዩ ገሊጹ።ብዝኮነ እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ይኹን ንዝመጽእ ዝተወስደ ውጥንፈጺሙ ፈጺሙ ኣይገለጸን።  መደረ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቅድም ብትግርኛ ደጊሙ በምሓሪኛ መደርኡ ብጣዕሚ ንጹሩን ሩጡቡን ፖለቲካዊ መልእክቲ ዝሓዘለ ሽሕጠት ዝተሓወሶ ክባሃል ይክኣል። 1)ሰምታን/ምስጋናን ንውልቀ  መላኺ ክህብ እንከሎ ተቐባልነት፣ ክረክ ስጋብ ወዲ ኣፎም ምስ በለ ኢሳያስ ዝተሰምዖ፣ዕሸላዊ ሓጎስ ብጣቒዑቱን ስሓቑን ትግንዘቦ።

2) ዝምድናታት ናይ ክልተ ህዝብታት ክገልጽ እንከሎ እቲ ን-ዕስራ ዓመት ዝጸንሐ ብሰንኪ ዘይድሊ ዝነበረ ውግእ ንሕና ዝፈጠርናዮ ናይ ጽልኢ መንደቕ፣ዘስዓቦ መስዋእቲ ፣ምስንካል፣ ህዝባዊ ምዝንባል፣ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ሰላም ዕርዲ ንሱ ዘምጽኦ ሕውነታዊ ምትሕግጋዝን ምሕዋይን ጋረ-ነብሲ ክረክብ እዩ፡እዞም ክልተ ህዝብታት ብሰላም ክነብሩን ጡጡሕ ሂወት ከሕልፉን ኣብ ነንሕድሕዶም ምብጽጻሕ ክገብሩ ፣ ዝነበረ ቁዱስ ጉርብትና ክምለስ እዩ ጻዕርና።ህዝቢ ኤርትራ እቲ ናይ ስራሕተኛን ህርኩት ባህርያቱ ዝናኣድ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዘረብኡ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ካብ ሚሳያል-ታንኪ-ክላንክሾቭ-ብረን ናይ ሰብ ክትቐትል ኣካልት-ሰባት ከተጉድል ደቂ ሰባት ክማርኽ ይኽእል እምበር ናይ ወድሰብ ልቢ ክማርኽ ኣይክእልን፣ ሰላም ግን ንደቅሰባት ልቦም-የእምርኦም ይማርኽ፣ ሂወቶም ጠጢሑ ብፍቕሪ ክነብሩ ይኽእሉ። ንሰላም ዝዳረጎ ኣጽዋር ይኹን ጥረ ነገር የለን። ዝመስል ዘረባ ናብ ህዝቢ ናይ ሰላምን ፍቕርን መልእክቱ የሕሊፉ።  መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኩሉኹም መራሕቲ እምነት መንፈሳዊ ህያብ ፈጣሪ-ዘለኩም፣ሃውርያት-ሰላም-ፍቕሪሕውነት- ምትሕግጋዝ ስለ ዝኾንኩም፣ብወገንኩም ንሰላም ናይዘን ክልተ ሃገራት ብጸሎትን በቲ ትህብዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ናብኡ ዝዓለመን ንዕኡ ዝሕይለሉን ክኸዉን ጸዊዑ።(አብዚ ንመራሕቲ ሓይማኖት ዝሃቦ ምሕጽንታ አብ ገለ ወገናቱ እቲ አብ ሞንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ክህሉ ዘለዎ ኢድ ዝይምትእትታው ዝጣሓሰ ዝመስል ዘረባ ነይርዎ ክብል ይኽእል)  ንዓበይቲ ዓዲ ዘርኢ፣ ኩቡርት ዓብይቲ ዓዲ እስኹም ዘፍረኽምዎ ናይ ሰላምን ፍቕርን  ምውህሃድን ናትና ውርሻ ኾይኑ ናብ ደቅና ከነውርሶም ስለ ዝግባእ በቲ ፍቕሪ ሰላምን ሕውነትን ዝማሃርኩሙና-ዝመዓድክሙና ምስጋና እና-ኣቕረብኩ፣ ስጋብ ሓይልን ጥዕናን ዘለኩም እቲ ቁዱስ ናይ ሰላም ማዕዳኹም ስጋብ ምግሳጽ፣ ነቲ  ንሕና ዝሃነጽናዮ መንደቕ ጽልኢ ከይድገም ምእንቲ ከይቛረጸና የማሕጽን፣ ዝመስል ዓይነት መለኽቲ ኣማሓላሊፉ።  ህዝቢ እሪትራ ዝጠመተ ጺዊዒት፣ እዚ ን-ዕስራ ዓመት ዘሕለፍካዮ ነቲ ዘይደለኽዮ ውግእ ተሃሲኻ ጥራይ ዘይኮነስ ወድሰብ ክረኽቦ ዘይክኣል ኣደዳ መስዋእቲ ስንክልና ምዝንባል -ማሕበረሰብ፣ ዘሕለፍካ ከማኻእዉን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዚከማኻ ዝተሳቐየን ዝተጎድአን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ነዚ ክኸዉን ዘይነበሮ ኲናት፣ ብሽም ህዝቢ ኢትዮጵያ ይቕሬታክባሃል ጥራይ፣ እኹል ኣይኮነን፤ ሰላም- ፍቕሪ ምኽእኣል ምጽውዋር  ምትሕጋግዝ የድልየና ኣሎ። ዝኸበርካ ህዝቢ ሰላም ይግባኣካ እዩ።ውግእ ወረ ውግእ የብቅዕ፤ ይኣክል እናበልኩ፣ ካብዛ እዋን እዚኣ ጀሚሩ ንመጻኢ ውግእ ከይህሉ ቃል ይኣቱ።እዞም ክልተ ህዝብታት ብሰንኪ ውግእ ወረ ውግእ ደቆም ኣብ ክንዲ ረጊኦም ኣብ ሃገሮም ሂወቶም ዘጣጥሑ ምስ እዚ ኩሉ ሃብትና ፈቐዶ ዓለም ከርተት ይብሉ፣ኣብ ክንዲ ብሕጋዊ መገዲ ከም ኩሉ ዜጋ ዓለም ካን ሃገሮም ናብ ካለ ሃገር ክኸዱን ክምለሱን ዝኽእሉ፣ ብጠንቂ ናይ ስጋብ እዛ እዋን እዚኣ ዝነበረ ሁሞት ካብ ሃገር ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብምህዳም  ፈቐዶ ምደረበዳ ዝኽብሉሉን ዝሞቱን ስጋብ ኣካላቶም ዝሽየጥ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ እዚ ኹሉ ጠጠው ክብልን ፣ እቶም አብ ወጻኢ ዘለዉ ዘጋታትና አብ ዓዶም ተመሊሾም ሃገሮም ከማዕብሉን ምስ ስድርኦም ክትሓቛቐፉ ምስበለ፡ትምኒትን ድልየት ህዝቢ ዝተንከፈ ስለ ዝኾነ ልባዊን ምዉቑን ጣቒዒት ረኺቡ።ቅጺሉ፣ ደጊመ ክብሎን ዝደሊን ዝምነዮን፣ ህዝብታና ብሰላም ክነብሩ ዑዙዝ ፍቕሪ ክህልዎም እዩ። ብተወሳኺ ከነጽሮ ዝደሊ እታ ተደመሮ ትብል ቃል ከብርሃ ፈቲኑ። ካብቲ ዝበሎ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተደሚርካ ብፍቕርን ሰላምን ክሰርሕ ዝጽበዩ ዘለዉ ሃገራት ብዙሓት ምዃኖም ሓቢሩ። (ተደመር ትብል ቅል ማተማትካዊ ቃል ብሓቂ ብጥንቃቐን፣ትሕዝቶኣ ዝተሓላለኸ ክኸዉን ስለ ዝኽእል ጉሩሃት ክንከዉን አይግባእን{[ ኣብ ዓለምና ብኑጹር ናይ ፖለትካ ቅል ሕብረት እትብል እያ ትጥቀም፣ንሕሰበሉ ደዲሕሪኡ ኣይንጉየ)። ቀጺሉ ዶ/ር ኣብይ ንፍቕርን ሰላምን ጸቒጡ ክዛረብ ከሎ ንህዝቢ-ዓፋርን ህዝቢ-ትግራይን  የሕዋትኩም ይብል፣ ከምዚ ንዓይ ዘርኣኹሙኒ፣ፍቕሪን ሰላምን ንዕኦም እዉን ልብኹሙን ኢድኩሙን ከፊትክም ክትቀርብዎም ክትቐበልዎምን ኢሂን ሚሂን ክትብሉ ሕውነታዊ ዝምድናታትኩም አብ ኑቡር ክምለስ ይላቦ፤ ብወገኖም ቁሩባት ምዃኖም ርግጸኛ ጥራይብ ዘይኮንኩስ ዋሕስ ናይ ሰላም እዉን እየ።ኣብ መደደምታ ዘርባኡ ኣነን ፕረሲደንት ኢሳያስ ናይ ሰላም ውዑላት ኸቲምና ኣለና ። ክልቲኤን ሃገራት ናብ ኑቡር  ናብራ ክምለሳን ናይ ተለኮሚንከሺን ናይ ኣየር ዝርጋሐ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ዶባትና ምጥቃምን ሓቢርካ ናይ ምክልኻልን ዝኣመሰሉ ሰናይ ፍቕርን  ሰላምን ዘምጽእ ውዕል ዝሓዘለ ኮይኑ ብፍላይ  ክኣ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናቱ ሉኡኽ/ወጻ-ጉዳይ ኮይነ ክሰርሕ ሸሙኒ ኣሎ፡፡ ንልኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ኣቶ ሳልሕ ቦታ ምወሳድ ዘይኮነስ ምስኡ ኮይነ ክሰርሕ እየ፡፡ (እዚኣ እታ ብሓቂ ተሳቕዩ ዓለምለኻዊ እገዳን ካብ መንቆራራቕሮ ተነጽሎ/ተግልሎ ከውጽኣኩም ዘስምዕ ዘርባ ትመስል)ከምዚ ኢሉ ዘረብኡ ምስ ደምደመ ጣቒዕት ካብቶም ተሳተፍቲ ብውልቀ መላኺ ክኣ ሓቊፍካ ምስዓም ንይ ተቓባልነት ምስክር ተራእዩ።

ክምዚ ዝርኣናዮ ናይ ውልቀ መላኺ ፖለቲካ አልቦ ክከዉን ከሎ ናይ ዶ/ር ኣብይ ግን መልእኽትን ፖለቲካዊ ትንታነ ዝሓዘ ምዃኑ ክንዕዘብ ንኽእል። እቲ ዝበዝሐ መደርኡ አብ ጽዊዒት ህዝቢ ምንባሩ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ሓባሪ ወይ ምምልካት እዩ፤ንለባም ሓብረሉ ክንደይ ከይስሕቶ ንዓሻ ደርጓሓሉ ክንደይ ከይርድኦ፤ ዝብል ምስላ አቦታትና እንተ ደኣ ዘኪርና ብሓቂ ቡዙሓት- ሕቶታት ህዝቢ ዝሓዘ እዩ።ከም ገለ ሰባት ዝሕብርዎ ዶ/ር ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ደሃይ ገሩን፣ ናይ መፍታሖም ተዛራሪቡ ናይ አጋባብ ምልቓቖም ተራዳዲዱ ዝብል

ኣዛራርባ ይስማዕ። ዘረደኣካ ጠቕሚ ህዝቡን ሃገሩን ከም ዝዓይን፣ እታ መሰል ደቅሰባት ነቶም ኤርትራውያን እሱራት ከምዘይተመልክት ዕሽሽ ኢሉ እዩ ሓሊፍዋ ዶ ክባሃል ይካኣል ?እዚ ክኣ ኣብ ፖለቲካ ነናትካ ጠቕሚ ምምላእ ዝብል ሱሱዕ መስርሕ  እዮም ተጻዊቶም። እታ ሰላምን ፍቕርን ትብል ነቶም ኡሱራት፣ፖለቲካውያን፣ መንፈሳውያን፣ንጹሃት ኤርትራውያን፣ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ዘለዉ ከምዘይተሪኢ እያ ኮይና። ንሕና ግን ብዘይ ምድካም፣ ን-ዶ/ር ኣብይ ንኩሎም መሰል ደቅሰባት ዝቃለሱ ከነቕርቦ ዘለና ሕቶ እዩ  ዝኸዉን፡

እተን እማመ ኢሎም ዘውጽእወን እሞ ንርኣየን ብወገና ከነቕርቦ ንኽእል እማመ ምእንቲ ክናጻጸር፡ከታ አብ ኩሉ ሚድያትት ዝተዘርግሐት ነቕርባ። 

ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓባራዊ ስስምምዕን ምሕዝነትን ዝፈርምኦ። 1) ኣብ ሞንጎ ክሊቲኤን ሃገራት ዘሎ ሃዋህው ኲናት ምባቃዕ ሓዱሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን ምምስራት 2) ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ፖለቲካ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ርክባት፣ባህልን ጸጥታን ሓቢርካ ምስራሕ 3) ምንቅስቃሳት ንግዲ፣ምጓዓዝያን ቲለኮሚኒኮሽንን ናብ ኑቡር ምምላስን ዲፕሎማዊ ርክባትን ንጥፍታትን ምሕዳስ 4) ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ምትግባር

      5)ዞዝዊ ሰላም፣ ልምዓትን ውህደትን ክራጋገጽ ስምምዕ ይርከብዎም 

እዘን ነብቑጣታት ዝነጽግ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ኮይኑ ግን ኣቃማምጠአን ይኹን ኣጋባብ ዝሓዘ ኣይኮናን። ስለምንንታይስ እቲ ክሊቲኦም መንግስታት ኣብ ውግእ ንኽሊቲኡ ህዝብታት ዘእተወ፣ ዋላ እኳ ድሕሪ ውግእ ጠጠው ምባሉ ብኽልቲኡ ወገን ንይ ዶብ ኣይነበርን እንተ-በሉ ሃገር ተወሪራ ብዝብል ምስምስ እዚ ዝባሃል መስዋእቲ ስንክልና ምዝንባል ህዝቢ ኣስዒቡ እዩ።ስለዚ እታ ጠንቂ ዘልዓለት ናይ ዶብ  ምስምስ ብዓለምላኻዊ ተሳትፎ ውዕል ኣልጀሪ ብይን ሀግ ከም ቀዳማይ ዛዕባ ኮይና ኣብ ግብሪ ክትርጉም ውሻላት ክተኽሎ ክጅመር ብዋንናት ናይ ኣህጉራዊ ዶብ ኮሚሽን ማእከልነት ክኸውን ኢዩ ጠለብና ክኸዉን ዝግባእ። 

እተን ካልኦት ነጥብታት ደምበ ፍትሒ እውን ዝቕበለን ኮይኑ፣ግን-ከ ኩሉ ውሕስነት ዝህቦ ሕጊ ደኣምበር ሰናይ ድልየት ናይ ክልቲኦም መንግስትታት ክኸዉን ኣይግባእን።ምኽንያቱ ኣብ ኢትዮጵያ ብባይቶ ዝጸደቐ ሰነድ፣ነቑጣታት ውዑል ሒዙ ክመጽእ ከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ግን ብጠቕምን ድልየትን ውልቀ መላኺ ስለ ዝኾነ ነባሪ/ዘላቂ መሰረታዊ ፍታሕ ክኸዉን ኣይኽእልን ። ብሕግን ብህዝቢ ትመሪጹ ዝመጸ ሓጋጊ-ኣካል፣ፈጻሚ-ኣካል፣ፈራዲ-ኣካል ምስ ነጻ ፕረስ ዝተሰነየ፣ ዘይተወሰነ ዝግበር ውዕል ኩሉ ግዜ ፈራስን ኣብ ጠቕሚ ናይ ፍሉያት ሰባት ኮይኑ ስለ ዝተርፍ።ከም ደምበ ፍትሒ፣ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ይኹን ንኹሎም ዲሞክራስያውያን ባእታትን ንኹሎም ባይቶታት፡ሕቡራት ሃገራት ዓልም፣ ሑቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሊግ ዓረብን፣ መንግስታት ዓለምን ጸቕጢ ክገብሩ ክንጽውዕ ይግባእ፤እዩ። ነዚ ዓይነት ከነስምዕ ብሓደ ድምጺ ምስ ንዛረብ እዩ።ስለዚ መዕጸው ጹሑፈይ ክንሓስብ ከነስተውዕል ክንማራመር ይዕድም።ከም መንቀሊ ክህብትም ዘለዎ ዝብል ሓሳባት ከኣ የቕርብ፡፡   1) ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ሃዋህው ኲናት ምብቃዕ ሓዲሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን ምኽፋት፡ 2) ውዑል ኣልጀሪ ብይን-ሀግ ብማእከልነት ኮሚሽን-ዶብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ናይ ውሻል ምትካል ክጅመርን ምስኡ እቲ ንህዝቢ ዝጠቅም ዲፕሎማስያዊ ጉዕዞ ክጅመር፡ 3) ነዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ነቑጣታት ክትርጎማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ምሕደራ ቀጻልን ሓድነቱ ኣጠንኪሩ ክጓዓዝ ዘሎና ምንዮት-ድልየትን ብምርጋጋጽ፣ኣብ ኤርትራ ክኣ ስርዓተ ውልቀ መላኽነት ኣብቂዑ፣ስርዓተ ዲሞክራሲ፣ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ናብ ህዝቢ፣ብቕዋም ዝማሓደር ክህሉ፡ 4) ነዛ ሳላሳይቲ ነቑጣ ክትማላእ መንቲ፣ ብመጀመርያ ኩሎም ፖለቲካውያን፣ መንፈሳውያን፣ ብጠርጠራ ተቐይዶም ዘለዉ ንጹሃት ዜጋታትን እሱራት ይፈጥሑ፡ጉሉጽነት ክህሉ ናጻ ፕረስ ክህሉ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣጎልጉሎት የብቅዕ። 5) ሓድነት ህዝብን ልእላውነት ሃገርን ማእክልነት ዝገበረ፣ ቅዋማዊ ሃገር ንምምጻእ ክንቃለስ፣ ብሓባር እንዋሳኣሉ ባይታ ክህሉ፣ ሓድነት ውድባት ምንቅሳቃሳት ህዝባውያን ማሕበራት ተሳፍነት ህዝቢ፣ ሙሁራት ኣካላት ዝሳተፍሉ፣ ብሓደ ድምጺ ዝዛረብሉ፣ ክሁሉን እዚ ናይ ኩላትና ባይቶ ዘውጽኦ ማስተር-ፕላን ፕሮግራም ቅዋም ተመርኲሶም ዝሰርሑ፣ መሪሕነትን ዝተፋላለዩ ሓይሊ ዕማማትን ኣብ ስራሕ ክዋስኡ።

ኩቡራት የሕዋት እዘን ኣብ ላዕሊ ዘልዋ ነጥብታት ከም መንቀሊን ክማሓይሽን ክህብትምን ኣብ ግብሪ ዝትርጎመሎ ባይታ ከነናድን ሁጹጽነት ግዜ ይሓተና ከም ዘሎ እናሓበርኩ፣ ከምቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝበሎ ናይ ሰላም ጽዊዒት/ሕልሚ፣ ኣብ ማዕርነት ደቂ ሰባት ዝተሞርኮሰ እና ዘከርና ንማዕርዊ ስምምዕ/ውዕል ንህዝብታት ዘራኽብን ተሳንዮም ክነብሩ፣ ግዝኣተ

ሕግን ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝተሞርኮሰ ውሕስነት ዝረኽበሉ ንሰላም -ፍቕሪ-ይቕረታ-፣ናትና ቃላትን ሓሳብን ዕላማን ራኢን ምዃኑ ንምምስካር ብሓባርን ብኣምረ ፖለቲካ ንግጠሞም፡፡ ብሓባር ክንዝቲ ምእንቲ፣ ፖለቲካዊ ርእሰ-ተኣማምነት ክንውንን ይግባእ።

ኣብ ዝመጽእ የራኽበና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top