skip to Main Content
Menu
ደሃይ  ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ይደንፍዕ፡

ደሃይ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ይደንፍዕ፡

 ደሃይ  ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ይደንፍዕ፡

     ተፈጥሮ  ወዲ-ሰብ  ብክልተ  ጾታ  ዝቆመ  ኢዩ። ኣብ  ኩሉ  መዳያዊ  ሂወት  ሓደ  ህዝቢ  ግደን ተራን ሓደ ካብዞም  ንተፈጥሮና  ዘቆሙ ጾታ  ዘለዎም  ባእታታት  እንተበዂሩ ፍርቂ  ናይቲ   ንሕብረተ- ሰብ  ዘድሊ ግደን  ተራን  በዂሩ  ኣሎ  ማለት  ኢዩ።

 ስለዚ  ኸኣ’ ያ ከኣ ጓል  ኣንስተይቲ  ከም  ፍርቂ  ኣካል  ሕብረተ-ሰብ  ተባሂላ ትፍለጥ። ብንእሽቶኣ ህጻን  ሓፍቲ  መርዓት….ወዘተ  እናተባህለት ክትግለጽ  ድሕሪ  ምጽናሕ ዓቅሚ  ኣዳም  በጺሓ መሲላ ሓላፍነት ስድራ ኣብ  ዝተሰከመትሉ  ግዜ እቲ  ዝዓዘዘን ዝኸበረን ወላዲት ኣደ ዝብል  ስም ትለብስ።ከም  ውጽኢቱ ነቶም  ካብ ከርሳ ዝወለዱ ህጻንንቶም  እዋን ኣትሒዛ ዘለዋ ከቢድ ሓላፍነት ድኻም : ስእነት: ንውላዳ ከጓንፍ  ዝኽእል  ሓደጋታት ክሳብ  ብዋጋ  ሂወታ:  እቲ ዝኸፈአ ኸኣ ነቲ ሞራላ ዝሃርም ብሰንኪ  ድሑር  ሕብረተ-ሰብኣዊ ባህልን  ልምድን ኣተሓሳስባን ኣብ ክብራ  ዝስንዘር  ስነ-ኣእምራዊ  ጸቅጥን  ግፍዕን በዲሃን  ተጻዊራን ሰለም  ኣቢላ  ከየዕረፈት ንውላዳ  ተኸናኺና እተዕቢ ርህርህቲ ፍጥረት’ያ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት  ጓል-ኣንስተይቲ ዝወረደ ግፍዕን፡ጭቆናን  ኣደራዕ  ዘርዚርካ  ዝውዳእ ኣይኮነን።ምኽንያቱ መለኽቲ  ስርዓታት  ጾታ  ከይፈለዩ  ኣብ  ልዕሊ ኩሉ  ዜጋ  ዝውርድዎ  በደልን  ግፍዕን  እውን ይውሰኻ  ስለዝኾነ ኢዩ።  

ስለዚ  ኸኣ  ኢያ  ድርብ  ወጽዓ  ኣለኒ ክትብል  እትስማዕ።  ብሓቂ  ድማ ድርብራብ ወጽዓ እዩ።  ኣደ ኣብ ስድራ ቤት ብፍላይ፡ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘለዎ ግደን ሓላፍነትን ኣብቲ ጸልማት እዋን መኸተ   ከም  ኣደ  በቲ  ንጉልበታ ኣዚዩ  ኣድካሚ ስርሓት፡ ድሑር ናውቲ ጥሒናን ግዒታን  ሰንኪታን ነቲ  ኣብ ኩሉ ኩርነዓት  ሜዳ  ኤርትራ ዝዋጋእ  ዝነበረ  ሰራዊት  ሓርነትን፡ ህዝባዊ  ሰራዊትን ብርህራሀ ንዑዞም  ደቀይ  እናበለት መጊባ እግሪ ዘትከለት፡ ኣብ ውሻጠ ምስጢር ዝዓቐበት፡ ካልእ ዓበይቲ ፖለቲካውን ወታሃደራውን ታሪኻዊ ስርሒታት ዕውት ክኸውን ዝኸፈለቶ ዋጋ፡ መስዋእቲ፡ ስንክልና፡ ማእሰርቲ ድምር’ዩ።  

 ከም  መንእሰይ  ድማ   ኣብ  ብረታዊ  ገድሊ  ህዝቢ  ኤርትራ  ኣብ  ጎኒ  ወዲ  ተባዕታይ  ተመዓራሪያ  ብረት  ዓጢቃ  ከም መሪሓን ተመሪሓን፡ ተዋጊኣ ኣዋጊኣ’ያ። ምእንቲ ነጻነት ብኣሸሓት ዝቁጸራ ጀጋኑ  ሓርበኛታት ክቡር መስዋእቲ  ከፊላ ኢያ። ድሕሪ  ነጻነት  ኤርትራ ኣብ ፖሊቲካዊ  ማሕበራዊ ኤኮኖምያዊ ኮታ  ኩሉ  መዳያዊ  ዳግመ-ህንጻ ሂወት ህዝቢ  ኤርትራ ነጻ ኮይና ግዲኣ  ከተበርክት ዝግብኣ’ኳ እንተነበረ፡ከም’ቲ ንኩሉ ኤርትራዊ ዝበጽሖ ዕጫ ንሳውን ዘይተጸበየቶ ሕማቅ  ኣጋጣሚ  ረኺብዋ  ብስርዓት  ህግደፍ ተጠሊማ ግዳይ  ኣዕናዊ ፖሊሲታት መላኺ ስርዓት  ኮይና  ትርከብ  ኣላ።  ብስም  ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ  ኣገልግሎት ካብ  ማሙቅ ሕቁፊ ስድራ ቤታ ተነጺላ፡ትምህርቲ  ነጻነት ኣብ  ዘይብሉ  መደበራት ተወሲዳ ሰብኣዊ መሰላን ጾታዊ  ክብራን  ተጋሂሱ  ኢዩ።ካብ ጨካን  ምሕደራ መላኺ  ስርዓት ከተምልጥ  ኣጻምእ ዘይስገር ሰሃራ  ቀለብ ጳሳን ባሕሪን ካልእ ሓደጋታትን ግዳይ  ኮይና  ኢያ።  ኣብቲ ናይ ስደት ጉዕዞ  ብሞትን  ካልእ ብናይ ክብራን መሰላን  ምግሃስ  ተረኽቦ  ሂወት  ኣሕዋታ  ከፊላ ኣብቲ ቁሩብ  ከተተንፍሰሉ  እትኽእል ሃገራት  ምስ በጸሐትውን እቲ  እትነብረሉ  ቦታ መተካእታ መሬት  ዓደቦኣን ዓዲ ኣዲኣን ክኾና ከቶ ኣይከኣለን።ኣብቲ ቦታ ስደት ብማሕበራዊ ተነጽሎን ናፍቆት ህዝባን ዓዳን  ሓላፍነት ስድራ ቤትን ካብ ስቓይ ኣይተገላገለትን።

 ኩሉ መዳያቱ ግፍዕን ጭቆናን፡ሰብኣዊ ክብሪ መሰል ኣልቦ  ብመላኺ  ስርዓት  ኣብ  ልዕሊኣን  ኣብ  ልዕሊ ህዝባን  ክወርድ  ዝርከብ  ጭቆና  ኣልጊሱ ኣብ  ኤርትራ ብሕጊ ዝግዛእ  ስርዓት ንምትካል ናብ  ዘቃልስ ባይታ ደምበ-ተቃውሞ  ክትዓስል ወይ ካልእ  ንመሰላ ዝከላኸል ማሕበራዊ  ቅርጺ ዘለዎ ኣወዳድባ ብምቛም  ደራኺ  ግደ ክህልዋ  ከምቲ  ሕሉፍ  ታሪኻዊ ግደኣ ከተድምዕ  ኣይከኣለትን ጸኒሓ ። ምኽንያት  ናይዚ  ግዜ ዝወስድ ደቂቅ ሓባራዊ ኤርትራዊ  መጽናዕቲ ዘድልዮ  ስለ ዝኾነ  ብሓፈኡ  ድኽመት ኤርትራውያንን  ኤርትራዊ ደምበ-ተቃውሞን ተባሂሉ  ክሕለፍ  ዝሓሸ ኢዩ።  ይኹን  እምበር  ሎሚ  ኤርትራዊት ጓል  ኣንስተይቲ  ደሃያ ክስማዕ ጀሚሩ  ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላልየ ክፍለ ዓለማት ዝለዓል ሕቶ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን፡ ዝብገስ ዘሎ ቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን፡ ብዕግበት ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ብምርድዳእ ብቀዳምነት መሰለን ከም ደቂ ኣንስትዮ ዝኽበረሉ መስመር ዝወከለ ሓደ ሸነኽ፡ መሰለን ተኸቢሩ ብነጻ ዝወሳኣሉ ሕብረተ ሰብ፡ ብቅዋም ዝግእዛእ ስርዓት ንምትካል ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ከኣ ግደን ተራን ብቀሊል ዘይግመት ኣገዳስነት ኣለዎ። መሰል መላእ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ክረጋገጽ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ጥርኑፍ ድምጺ፡ ንሓባራዊ ቃልሲ ደምበ ተቃውሞ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን መንጸብረቕታን ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ። ምጥርናፍ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ምጥርናፍ መንእሰይ፡ ተማሃራይ፡ ምጥርናፍ ደመብ ተቃውሞ’ውን ስለ ዝኾነ ምልኪ ብደሞክራሲ ንምትካእ ዝካየድ ምርብራብ ክተባባዕ ይግባእ።

 

ዓወት ንሓባርዊ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን፡

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top