skip to Main Content
Menu
ድራማታት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መስርሕ ሰላም

ድራማታት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መስርሕ ሰላም

ድራማታት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ መስርሕ ሰላም

 

ምቅሉል መራሒና

ንሕና ሓደ ህዝቢ ኢና

ንስኻ ምርሓና

ኣብ ኤርትራ ክትኣቱ ክትወጽእ ፍቃድ ኣየድልየካን ንሕና’ውን ከምኡ

ክልተ ህዝብ’ና ዝብል ዓሻ’ዩ

ኣይከሰርናን

 

ምቕሉል መራሒና፡

 26 ሰነ 2018፡

ሓደ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒተር ወኪል ሓንቲ ሃገር ኣብ ኣፈናዊ ርክቡ ብስም ህዝቡን ሃገሩን ኩሉ ዝግባእ ክብርን ሰላምታን ከቅርብ ይኽእል። ብዛዕባ ዘለዎ ኣረኣእያን ትዕዝብትን ከኣ ከመስግን ከሞግስ ግቡእ እዩ። ካብ’ቲ ብኣሰገዳድ ክውክለካ ዝበሎ ህዝብን ሃገርን፡ ዝለኣኾ መላኺ ሰልፊ ህግዲፍን መራሒ መንግስትን እንዳሃለወ ክነሱ ምቅሉል መራሒና ኢኻ፡ ንሕና ሓደ ህዝቢ’ና ክብል ብከመይ ኣግባብን ኣቅዋምን’ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራ ሓደ ክግበሮ ዝኽእል መስመሩ ዝሓዘ ከም ኣፍሪቃዊ ህዝቢ፡ ኣብ ጭቆናን ኵናትን ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ገገለ ሸነኻቱ ብባህልን እምነትን ዝራኽብ ህዝቢ ምኳኑ ካብ ግዜ ገድሊ ንነጻነት ኣትሒዙ ዝተቀመጠ ውዕልን ስምምዕን መላኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ እንዳሃለወ፡ ፍሽለት ፖለቲካን ዲምፕሎማስያዊ ህግዲፍ ንምሽፋን፡ ኣብዛ ቀውጢ እዋን ሓድሽ ዝምድና በየን ተረኽበ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ቀዳማይ ድራም ህግዲፍ ምቅሉል መራሒናን ሓደ ህዝብን’ና ክብል ዝተዛረበ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ካበይ ዝነቀለ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጦ ንጓኖት ግን ዘሰምበደ’ዩ። መላኺ ስርዓት ህግዲፍን ካድራቱን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብዛዕባ ጉርብትና ምስ ኢትዮጵያ ዘይበልዎን ዘይገበርዎን ኣይነበረን፡ እዚ በሰላ ኣብ ኣእምሮ መንእሰይ እንዳሃለወ ከኣ ዝተገብረ ድራማ ንዕኡ ንምድንጋር’ዩ።

ንስኻ ምርሓና

14 ሓምለ 2018

ህዝቢ ኤርትራ መን ከም ዝመርሖ ካብ ጥንቲ ኣጸቢቝ ዝፈልጥን ምልኪ ህግዲፍ መብጽዓታት ጠሊሙ እንተዘየታልሎስ ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ጸረ ምሕደርኡን ባይቶ ደቀ’ባት ኤርትራ ዝኾኑ ሕሉፋት ባዕዳውያን ሂወቱ ዝኸፈለሉ’ዩ። ፋሽሽታዊ ጣልያን፡ ምምሕዳር ዓባይ ብርጣኒያ፡ ሃጸይነት ሃይለስላሰ፡ደርግን እኳ ባይትኣዊ ምምሕዳር ኣውራጃ ከየፍረሱ ንህዝቢ ኤርትራ ከፍትዉ ማእከል ባህልን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ተሓፊሩን ተኸቢሩን ከም ዝጸንሐ ምግባሮም ምስክርነት ታሪኽና’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ መን ከም ዝመርሖ ይፈልጥ፡ ብምንታይ ከም ዝመሓደር ይፈልጥ፡ እንታይ ከም ዝቐድዎን ከም ዝምምእምኦን ከኣ ይፈልጥ። ጃንዳ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊኡ ዘውርዶ ዘሎ ስቓይን መከራን ከይኣክል ደጊም ብኮንትሮባንዳ መራሒ ከምጽኣሉ ከቶ ኣይክእልን’ዩ። ባዕሉ ቆጽሊ ህዝቢ ዘይትቀበለ፡ ብዓበይቲ ጳዲ ዘይተመረቐ መራሒ’የ ዝብል ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝወፈሮ ዓዲ ከይዱ መራሒ ክሰምየሉ ኣይክኣልን።

ኣብ ኤርትራ ክትወጽእ ክትኣቱ ፍቃድ ኣየድለየካን’ዩ

ኣብ ኤርትራ ክትወጽእ ክትኣቱ ፍቃድ ኣየድለየካን’ዩ፡ ከመይ ዘየድሊ፡ ኢትዮጵያውያን ሕግን ስርዓትን እንተዘይብሎም ኮይኑ፡ ንሓንቲ ልዕላውነት ቅዋም ዶባት ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ከም ድላዮም ብዘይፍቃድ ህዝቢ ወይ ሕጊ ኤርትራ ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ ክኣትዉ ክወጹ ኣይክእሉን። እዚ ሕቶ ብዝለዓለ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምልከት ይመስለና። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ብክልተኣዊ ስምምዕም ውዕላትን ተቀይዱ ዝኸይድ ናይ ክልተ ሃገራት ዝምድናታት’ምበር ተረካብ ኣፍን ድርኽት ስምዒት ሓደ ውልቀ መላኺ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ባጫ ዝጅምርን ዝውዳእን ኣይኮነን።

ክልተ ህዝቢ’ና ዝብል ዓሻ’ዩ !

ሓደ ህዝብ’ና ዝብል’ምበር ዓሻ’ዩ ንብል፡ ክንዲ ክልተ ጌርና ንቲ ሓደ ህዝቢና ዝብል ዓሻ ንብሎ ንሕና! እዚ ጉዳይ ዓሌትን ዘርእን ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ጉዳይ ሃገርን ልዕላውነት ነጻነት ባንዴራን መንግስታትን ዝምልከት’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እዚ ክልተ ህዝብታት ዶባቱ፡ ባንዴርኡ መንስግቱ፡ ክልተ ዝተፈላልየ መንነትን ነናቱ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ዘለዎ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ 50ታት ኣትሒዙ እዝግን ዓለምን ዝፈልጦ ንነጻነቱ ዝተቃለሰ፡ ካብ 60ታት ከኣ ብረት ኣልዒሉ ዘካየዶ ቃልሲ መጠን ዘይብሉ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሊ ነጻነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ’ዩ። እዚ ከኣ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ኤርትራ ዘፍለጦ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝተጠቕሰ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደ ህዝቢ’ና ዝብል መግለጺ ህግዲፍ የፍርሶ። ብምንታይ’ና ሓደ ህዝቢ፡ ስለምንታይ ሃገረ ኤርትራን ሃገረ ኢትዮጵያን ተጸዊዕና፡ስለምንታይ ክልተ ባንዴራን መንግስትን፡ ስለምንታይ ደሚና ተሰዊእና ክምለስ ዘለዎ ቀንዲ ሕቶ’ዩ። ህግዲፍ ግን ኩሉ ብመዐቐኒ ስልጣኑ ስለ ዝርእዮ ንሓቕነትን ክውንነትን ታሪኽን ገዲፉ ክዛረብ ዘገርም ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ዘራኽብዎ ብዙሕ ረቋሒታት’ኳ እንተሃለወ ከም ህዝብን ሃገርን ግን ነናቱ ባንዴርኡ መንግስቱ ዶባት ዘለዎ ክልተ ህዝቢ እዩ። በዚ ዝጠራጠር ሰብ ከኣ ክህሉ ኣይክእልን። ካብ’ዚ ብዝተረፈ ካልእ ዝበሃል ተሳኢኑ ኣይኮነን፡ መስርሕ ሰላም ፈታዊ ህዝቢ፡ መሓዛ ህዝቢ፡ ሓው ዝኾነ ህዝቢ ጎረቤት ህዝቢ ተባሂሉ ክዝረብ ዘይከኣል ኣይነበረን። ህግዲፍ ግን ኣብ መንገዲ ቅንዕናን ሰላምን ሰኒት ስለ ዘየለ ህዝቢ ንምትላል ዝገብሮ፡ ብመደብ ዝሓዞ፡ ዕዮ ገዝኡ ከይገበረ ብምስምስ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ወግሐ ጸብሐ ዓድታት እንዳዞረ ብዘይገለ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ኮለል ዝነብር ስርዓት’ዩ።

ኣይከሰርናን

8 ሓምለ 2018

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብሰንኪ ዶባዊ ኵናት ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣይሰላም ኣይኵናት ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ወፈራ ጸለመ ፡ ብኡ ገይሩ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዘካየዶ ጭቆናን ግፍዕን መዘና ዘይብሉ ኣብ’ዚ ጓይላን ዳንኬራን ሰላም ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት’ኳ ክንደይ ደቂ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት እንዳሃለወ ርሑቕ ከይከድና ንዝቀረበሉ ጸዋዒት ሰላም’ኳ ብሕጋውነቱ ክንደይ ፍሽለትን ክሳራታትን ዘለዎ’ዩ። ከም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ’ቲ ንሰላሳ ዓመት ዝተኻየደ ዘረብርብ ኵናት ዝኸፈለ መስዋእቲ ስንክልና፡ ንድየት ብርሰት ንብረት ስደት ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኵናት ቀዳማይ ገጽ ክሳራ’ዩ።

ብሰንኪም ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝተወልዐ ዶባዊ ኵናት ድሕሪ ነጻነት ብዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ ዝተኸፈሎ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ክሳራታት፡ ኣብ ንብረትን ህዝብን ዝተራእየ ምዝንባላት ጠጠው ዘይብል ቀጻሊ ኩነታት ስደት ዝፈጠረ ምስ’ቲ ኣይከሰርናን ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ዝተኣሳሰረ ካልኣይ ገጽ እቲ ክሳራ’ዩ። ብዓብይኡ ከኣ ብሰንኪ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ መዳይ’ዩ ዘይከሰረ ክትሓስብ ረብሪብካ ዓዲ ዘውዕል ጸብጻባት’ዩ። ኣብ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዘይከሰረ ሰብ ኣበዋት ኣደታትን ወለዶ፡ ምሁራት፡ ኣውፈርቲ ርእሰ ማል፡ ምምሕዳራት፡ ትካላት፡ ኮታስ ኣብ ኤርትራ ዝኣተወ ዘይከሰረ ፈታውን የለን ክበሃል ይከኣል። እሞ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ኣይከሰርናን ክብል ከሎስ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ፈጺሙ መልሲ ክትረኽበሉ ዝሕርበተካ ጉዳይ’ዩ። ሓደ ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ዝኾነ ባእታ ንኽሳራታት ወጊኑ ብዕርቒ ክድብሶ እንተኾይኑ፡ ሕድገታት ክግበር እንተደለየ’ውን መንገድን ኣገባብ ስርዓትን ክግበረሉ ይግባእ። ብጻልጣኡ ግን ንሰማዒ ዘሕፍር ኣይከሰርናን ኣይበሃልን። እሞ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኵናት 30 ዓመትን፡ ዶባዊ ግርጭት መን’ዩ ተሰዊኡ፡ሰንኪሉ ተሰዲዱን? ህዝቢ ኤርትራ ሂወቱ፡ ሂወት ደቁ፡ ንበረኻ ዝወፈረ ግዜ ንእስነቱ፡ትምህርቱ፡ መጻኢ ዕድሉ፡ ንብረቱ ምንእቲ ሃገር ክሳራ 3 ወለዶ ዝኸፈለ ዶ ኣይኮነን እዩ። እዚ ብሰንኪ መግዛእቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝሕተትሉ ታሪኻዊ ክሳራ፡ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ሰኒድዎ ዝሓለፈ ክውንነት ሎሚ ዝቅየር ኣይኮነን።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

12 መስከረም 2018

www.epdparty.com

epdp2018@gmail.com

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top