skip to Main Content
Menu
ጨንፈር ኢንድያናፓሊስን ከባቢኡን ሰዲህኤ  ምስ ምክትል ኣቦ-መንበር ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ

ጨንፈር ኢንድያናፓሊስን ከባቢኡን ሰዲህኤ ምስ ምክትል ኣቦ-መንበር ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ

ጨንፈር ኢንድያናፓሊስን ከባቢኡን ሰዲህኤ

ምስ ምክትል ኣቦ-መንበር ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ

  ብዕላት 29 ግንቦት 2018 ምክትል ኣቦ-መንበርን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይትን ሰዲህኤ ኣቶ ኣለም ዮሃንስ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ኢንድያናፖልስን ከባቢኡን ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቶ ኣለም የሃንስ ንኣባላት ነቲ ዘይሕለል ቃልሶም ንፍትሕን ዲሞክራሲን ሃገርና ብድሕሪ ምምጓሱ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን፡ ዘሕልፎ ዘሎ ሃለዋት ብሓፈሻ ብፍላይ፡ ድማ ሰልፊ ክሓልፎም ዝጸንሐንን፣ ኩነታት ገሊጹ። ከምእውን ህልዊ ኩነታት ሰልፊ ኣስፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕጂ ሰልፊ ሒዝዎ ዘሎ ፡ ናይ መጻኢ ዕማማት ብዕምቆት ኣብሪሁ።  ኣብዚ ምዱብ ናይ ጨንፈር ኣኼባ፡ ኣባላት ፡ዓሚቕን ዉዕዉዕን ምይይጥ ኣካይዶም። ኣኼባ ብትኹረት ዝርኣዮ ጉዳይ ፥ ቀጻሊ ስደት መንእሰያት ዘጓንፎም ዘሎ ከቢድ ሓደጋታት፡ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌ ብፍላይ፥ ንሃገርና ብኣወንታ ይኩን ብኣሉታ ክጸሉ ስለ ዝክእል መርሕነት ሰልፊ ብ ቀረባ ክከታተሎ ከም ዘለዎ ብምልባው ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ዓወት ንፍታሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዘላለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና።

ሰዲህኤ ጨንፈር ኢንድያናፖሊንስን ከባቢኣን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top