Main Menu

ፈስቲቫል ኤርትራ ስቶክሆልም፡ ፊት ንፊት

                         ፈስቲቫል ኤርትራ ስቶክሆልም፡ ፊት ንፊት

ታሪኻዊ ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ስቶክሆልም ፊት ንፊት ፈስቲቫል ህግዲፍ ገጢሙ ህዝቢ ጠርኒፉ ተዓዊቱ። ፈስቲቫል ኤርትራ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ዕለት 26 – 27 ሓምለ 2019 ኣብ ማእከል ከተማ ስቶክሆልም ተኻይዱ። ፈስቲቫል ኤርትራ ስቶክሆልም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓሳብ ዝጸንሐ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ተዳልዩ ብኸም’ዚ ዘደንቕ ኣገባብ ክፍጸም ዝተጸበየ ብዙሕ ከም ዘይነበረን፡ ብሳላ ጻዕሪን ምትሕግጋዝ ህዝቢ ማለት መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነባራት ተጋደልቲ ክውን ኮይኑ። ልዕሊ ኩሉ ስነ ጥበባውያን ኤርትራ ዘርኣይዎ ተበግሶ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ፊት ንፊት ምስ ህግዲፍ ክካየድ ክውን ገይርዎ።

ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ፈቐዶ ኣፍደገ ፈስቲቫላት ህግዲፍ ኮይኑ ንዘይፍትሓዊ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ክቃውም፡ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ህግዲፍ ከፍልጥ ጭርሖታቱ ሒዙ ሰላምዊ ሰልፊ ከካይድ ጸኒሑ። ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ፡ ካብ ኣብ ኣፍደገ ፈስቲቫላት ሰላማዊ ሰልፊ ምውዳብ ደምበ ተቃውሞ ናቱ ፈስቲቫል ከካይድ ዝደፋፍእ ኩነታት እንተነበረ፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ክትግበር ኣይተኻእለን። ሎሚ ህዝቢ ብዝሓሸ ምትእኽኻብ ምጥርናፍ ፈጢሩ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝምክተሉ ባይታ ብምፍጣር ብሓደ ድምጺ ይኣክል ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ታሪኻዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ስቶክሆልም ኣካይዱ።

ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስቶክሆልም ኣብ ሕምርቲ ርእሰ ከተማ ሃገር ሽወደን ዝተኻየደ በቲ ካልእ ሸነኽ ዘተኣማምን ድንቒ ዝኾነ ምጅማር፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝቢ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኖርወይ፡ስዊዝ፡ዓዲ ጣልያን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ጀርመን ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዞም ዝወዓልሉ ፈስቲቫል’ዩ።

እዚ ፈስቲቫል ምስ ክህሉ ዝኽእል ጉድለታት ንዝመጽእ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ድዩ ወይ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ፈስቲቫላት ዘቅሰመ ፍሉይ ተሞክሮታት ምንባሩ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምስ’ቲ ዝነበረ ብዝሒ ተሳተፍቲ ዝፈጠሮ ጽበት ቦታ ብምክእኣልን ሓልዮትን ክብርን ብሰላም ክካየድ ምኽኣሉ ኩሉ ሰብ ዝተሓጎሰሉ ጉዳይ’ዩ። እዚ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ፈስቲቫል ሓላፍነት ወሲዱ ነፍሱ ኣሪሙ፡ ስምዒታቱ ተቆጻጺሩ ከባቢኡን ዘምጽኦ ጉዳይ ፈሊጡ ብምትሕብባር ስነ ስርዓትን ምርኣይ ነዚ መባእታዊ ፈስቲቫል ስቶክሆልም ዘደንቕ ኩነታት ምንባሩ’ዩ።

ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ስቶክሆልም፡ ንፈቲቫል መላኺ ስርዓት ኳሕኵሑ ካብ’ቲ ልሙድ እዋኑ ፊት ንፊት ከም ዝግበር ኮይኑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ህግዲፋውያን ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ነሓሰ ዘካይድዎ ዝነበሩ፡ ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ምስ ተበገሰ ”ጠፋእና ኢሎም” ስነ ጥበባውያን ብተሎ ኣኻኺቦም ንፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ንምፍሻ ዝገበርዎ ከይሰለጦም ተረፈ። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሓጺር እዋን ብምትሕግጋዝ ባዕላዊ ዓቕሚ ገንዘቡን ጉልበቱን ኣዋሃሂዱ ” ከም’ዚ ኣንዳበልና ንዓድና” እንዳበለ ውሕሉል ፈቲቫል ኣካይዱ።

ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ዝተፈላልየ ኣስተምህሮ ሰሚናራት ብምድላው፡ ህዝብና ፖለቲካ፡ ህሉው ኩነታት ክሰንቕን፡ ክሓትት፡ ሓሳቡ ክገልጽን’ውን ግዜን ዕድል ረኺቡ’ዩ። እዚ ዝእምቶ ከኣ ብኩሉ መዳያቱ ኣውንታዊ ውጽኢት ዝተራእየሉ፡ ንክህሉ ዝኽእል ጉድለታት ከም ተሞክሮ ኣብ መጻኢ ክመዓራረ ዝገብር ህዝቢ ዝውንኖ ፈስቲቫል ኮይኑ። እዚ ዘርእዮ ዓብይ ስጉምቲ ንቅድሚት ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ’ዩ። ሎሚ ህዝብና ዘድልዮ ቀንዲ ስኒትን ስራሕን’ዩ። ፈስቲቫል ስቶክሆልም ከኣ ዘርኣዮ ተሞክሮ ንዕኡ ይመስል። ብምትሕብባር ብስኒት ዝስራሕ ከዕውት ስለ ዝኽእል ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ስቶክሆልም ነዚ ኣረጋጊጹ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታ ሰዲህኤ

29 ሓምለ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *