Main Menu

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ውክልና ሂቡኒ ’ቃል ቀ.ሚ ኢትዮ ኣብዩ ኣሕመድ ”

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ውክልና ሂቡኒ ’ቃል ቀ.ሚ ኢትዮ ኣብዩ ኣሕመድ ”

ኣብ’ቲ ትማሊ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዝተኣካይደ፡ መመረቕታ ሕዳሰ ህንጻ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ኤምባሲታት ከም ዝተሳተፍዎ ኣብ መእተዊ መደረ ቀ.ሚ ኢትዮጵ ዶ/ር ኣብዩ ኣሕመድ ተገሊጹ። ኣብ’ቲ መደረ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኡጋንዳ፡ኬንያ፡ ሶማልያ፡ጁቡቲ፡ደቡብ ሱዳን ብኣካል ዝተሳተፉ ምንባሮም ክጥቀስ እንከሎ ብወገን ኤርትራ ግን ባዕሉ ቀ.ሚ ኢትዮጵያ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተወከለ ንዝቀረበሉ ዕድመ ገሊጹ። ቃል ብቃሉ ከም’ዚ ዝስዕብ ”ፕረሲደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክውክሎም ዝገበሩለይ ዕድመ መሰረት ናይ ክልተና ሓሳብ ብሕጽር ዝበለ የቕርብ። ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራ ክሳብ’ዚ ደረጃ ውክልና ዝተዋህበና ምብጽሑ ከኣ እንቋዕ ደስ በለኩም” እዩ ዝብል።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ቀ.ሚ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ንዓዲ ጣልያን ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደት ምስ መራሒ ሃገር ጣልያን ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተበጽሐ ውዕላትን ስምምዕን፡ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኤርትራ’ውን ወኪሉ መብርሂ ከም ዝሃበ ይዝከር። ካብ ዝሓለፈ ዓመት መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ካብ ዝጅምር ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝወርድ ዘሎ ኣህጉራዊ ሕጋዊ ግህሰታት’ዚ ሓደ’ዩ።

መራሒ ሃገር ጅቡቲ ኣብ’ቲ መመረቕታ ክሳተፍ ብዘይምኽኣሉ ሓደ ሚኒስተር ኣብ ክንድኡ ልኡኽ ከም ዝሰደደ ተገሊጹ ኣሎ። መርኣያ ክብሪ ሓንቲ ሃገር ከኣ ንሱ’ዩ። እቲ ዝገርም ግን ብዝወሓደ ከም’ቲ ኣብ ኩሉ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን ስርሓትን ዝፍጸም ኣገባብ ንሃገር’ኳ እንተዘይተባህለ ንመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ወኪሉ ቃል ክህብ ዝግባእ ዝነበሮ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ’ዩ። እንተኾነ ከይተሰምዐ መኺኑን ህላውነቱ ወረ ዘይብሉ ሃጢሙ፡ ኣብ መጋባእያ ክብሪ ሃገር ኤርትራ እንዳተጋህሰ ካብ’ቶም ጣቓዒት ዘዳምቁ ምንባሩ ግን ዘይከሓድ’ዩ።

ቤ/ጽ ዜና ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲ ለውጢ

11 ጥቅምቲ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *