skip to Main Content
Menu
ፖለቲካውያን እሱራት ሱዳን ክፍትሑ’ዮ ተባሂሉ !

ፖለቲካውያን እሱራት ሱዳን ክፍትሑ’ዮ ተባሂሉ !

ፖለቲካውያን እሱራት ሱዳን ክፍትሑ’ዮ ተባሂሉ !

ፕረስደንት ሃገረ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ፖለቲካውያን እሱራት እታ ሃገር ክፍትሑ ምዃኖም ገሊጹ።  ምኽንያት መፍትኢኦም ክግለጽ እንከሎ ብጸቕጥን ጠለብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ምዃኑ’ዩ።ሱዳናውያን እሱራት ነጻ ክፍትሑን ኣብ ፖለቲካዊ ስርሓት ሃገር ሱዳን ተሳትፎ ክህልዎምን ዝብል ኮይኑ፡ ክንደይ ዝኣክል ቁጽሪ እሱራትን፡ ወይ ዝርዝር ኣስማት ከም ዘይተጠቕሰ ይንገር።

ብቀረባ ንመንግስቲ ሱዳን ዝፈልጡ ጸሓፍቲ፡ ብዛዕባ ነጻ ምፍታሕ ፖለቲካውያን እሱራት ኣመልኪቶም ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣውንታዊ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሱዳን ዘጋጠማ ጂኦ ፖለቲካዊ ጸገማትን፡ ዘቤታዊ መርገጽ መንግስቲ ሱዳን ለውጢ ንምምጻእ ዝሓለነ ክኸውን ይኽእል። በቲ ካልእ መዳይ’ውን እንተኰነ ንሕቶታት ህዝቢ ንምህዳእ ተባሂሉ ፈጽሚ ዘይብሉ ባዶ መብጽዓ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ። ሱዳን ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝተፈላልየ ሃገራውን ኣህጉራውን ሕቶታት ቆዋሚ መርገጽ ስለ ዘይጸንሓ ሕጂ’ውን ተምሳል ዝሓለፈ ዘይፍጸምን ተጋላባጢ መርገጽ ከይህልዎ ስግኣቶም ይገልጹ።

 

ዜና ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top