skip to Main Content
Menu
በዓል ትንሳኤ ምድሪ ኣዛሪቦም ዘዛርቡኻ

በዓል ትንሳኤ ምድሪ ኣዛሪቦም ዘዛርቡኻ

 

በዓል ትንሳኤ ምድሪ ኣዛሪቦም ዘዛርቡኻ

ተት፣ ተት’ባ ቲ

ጎደፋ
ተት፣ ተት’ባ ቲ

በላዒልዎ
እዋይ እዋይ ኣንታ እንታይ’የ ዝሰምዕ ዘለኹ
ስማዕስከ ጎደፋ፣ ንደርሆስ ካን ተት ይበሃል

ጎደፋ
እወ ይበሃል

በላዒልዎ
እሞ ተጸሊልካ ኣለኻ

ጎደፋ
ብምሕደራ ህግዲፍ መን ዘይተጸለለ

ብላዒልዎ
ንሱስ ግደፎ ብዛዕባ ደርሆ ደኣ ንዛረብ

ጎደፋ
ሃየ፡ እሞ ብዛዕባ ደርሆ እንታይ ክትብል ደሊኻ

ብላዒልዎ
ማለተይስ ንደርሆ ተት ክበሃል ሰሚዔ ኣይፈልጥን

ጎደፋይ
እሞ ሃየ ሎሚ ስማዕ፡ኣብ ግዜ ምሕደራ ህግዲፍ፡
ዋጋ ብዕራይ ዋጋ ላም ሂበላስ ከት ክብላ ደሊኻ፡
አረ ኢደይ እንተዝመልኣለይ ቤት ትምህርቲ ምስ ሰደድክዋ ነይረም።

ብላዒልዎ
ዝገደደ፡ ኣንታ ጉድ ክንሰምዕና፡ ንደርሆስ ንትምህርቲ

ጎደፋይ
እወ’ታ ንትምህርቲ፡ ንደርሆ ደኣ ክንድ’ዚ ሂብካስ ክትሓርዳ!!!!

እሞ ንስኻ ብላዒልዎ ዓርከይ በጊዕ ዲኻ ገዚእኻ ወይስ ጤል ክንዲ’ዚ ትሙጉተኒ ዘሎኻ፡

ብላዒልዎ
ጎደፋ ዓርከይ ፡ኣነ ደኣ ዓሻ’ዶ፡ ጉዚ፡እንታይ ዝበለ ጉዚ ደርሆ ክገብር’የ።

ጎደፋ
ሕጂ ግርም፡ ተረዳዲእና። ንስኻ ንደርሆይ ተት ምባለይ ዘይኮነስ ካልእ ከም ዝሕመማካ ተረዲኤ፡

ኣባል ህግዲፍ ዲኻ ? ንምኻኑ

ብላዒልዎ
እወ።

ጎደፋ
የ ቐ ን የ ለይ

ንስኻ እዃ ጉዚ ደርሆ ክትብል ዘትሓፈርካስ ኣነ ንምልእቲ ደርሆ ከም ላመይ ተት እንተበልኩ ገሪሙካ፡በል ኣነስ ንዓሆሆ፡ተት፡ዓር ይበላ ዘገድሰካ ኣይኮነን።
ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ኣኼባኹም ፡ኣኼባ ህግዲፍ ንደርሆ ተት ኢልዋ ኢልካ ነቐፈታ ኣሎኒ በሎም፡ካብ ፍሊጶስ ሓንቲ ጤል እንተመጠውልካ።

ወይ ጉድ ኣዛሪቦም ዘዛርቡኻ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top