skip to Main Content
Menu
ዕውቲ ተሸላሚት ነሓስ ምዕራፍ ባህታ

ዕውቲ ተሸላሚት ነሓስ ምዕራፍ ባህታ

           ዕውቲ ተሸላሚት ነሓስ ምዕራፍ ባህታ

ምዕራፍ ባሕታ ካብ’ቶም ኣሽሓት ግዳያት ፖለቲካዊ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ሓንቲ’ያ። ምዕራፍ ባሕታ ካብ ሃገራ ተገዲዳ ንስደት ካብ ዘምርሑ ሓንቲ ብ2008 ኣብ ሽወደን ዕቝባ ካብ ዝሓተቱ መንእሰያት እያ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ንኡስ ዕድመኣ ዝጀመረቶ ስፖርታዊ ንጥፈት ሓጺርን ነዊሕን ርሕቀት ቅድድም ጉያ እግሪ 1500-10,000 ሜተር ተስፋ ከይቆረጸት ኣብ ሽወደን ቀጺላቶ። ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝግበር ውድድራት ተኻፋሊት ብምኳን ብዙሕ ግዜ ንኡድ ነጥቢ ብምርካብ ክሳብ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ ውድድር ስፖርት ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ግላስገው ዓባይ ብርጣኒያ ተሸላሚት ነሓስ መዳልያ ኮይና ተዓዊታ። መንእሰይ ምዕራፍ ባህታ ንሃገር ሽወደን ወኪላ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ተወዳዲራ ዝተዓወተት’ያ።

ምዕራፍ ንኩሉ መንእሰያት ብሓፈሻ  ንኤርትራውያን ብፍላይ ኣብነት ክትኸውንን፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ከኣ ኣብ እተካይዶ ውድድር ተዓዋቲት ክትኸውን ንምነ።

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top