skip to Main Content
Menu
ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ  ዓውደ ዓመትን ይግበረልና

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ዓውደ ዓመትን ይግበረልና

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ

ዓውደ ዓመትን ይግበረልና

 

  ኣሸበሮም መሓሪ

 

ኣብ ነብስና ብምምርኳስ

ከም ህዝቢ ቅድሚት ምግስጋስ

መላኺ ብምልጋስ

ቀሲንካ ምድቃስ

 

              ድሌትና ምንቅስቃስ

              ኲናት ዘይስምዖ ታሕጓስ

              መርዓን ደርዓን ኣብ ዳስ

               ንገድ ተምሃር ሕረስ

 

ሓድሕድና ምግዳስ

ብቂም ካብ ምክሳስ

ምትሕግጋዝ ምልግጋስ

ሕያውነት ምውራስ

 

            ምጽሃይ ምኹስዃስ

           ሺሻይና ምፍሓስ

           ሕሙምና ምፍዋስ

           ብሕሰም ምድባስ

           ኣብ ሓቀኛ ሰላም ምሕንባስ

 

ቅርዓት ዓደቦና ምምላስ

ዝተበደለ ምኽሓስ

ብሕሉፍ ዘይምጠዓስ

ንዕርቒ ምግስጋስ

ንፈጣሪና ምውዳስ

ሂወትካ ምሕዳስ

ርሑስ ዓውደ ዓመት ርሑስ ዘመነ ሉቛስ

 

  ርሑስ ዓውደ ዓመት ይግበረልና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top