Main Menu

March, 2018

 

ርሑስ በዓል ትንሳኤ

ርሑስ በዓል ትንሳኤ  ሰዲህኤ ንኩሎም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ሃገር ትርከቡ ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ እቶም ብኣቆጻጽራ ጎረጎሮርያን ዓውደ ኣዋርሕ እተብዕልዎ፡ እንቋዕ ጾመ ሉጓም ፈትሓልኩምን ኣብ በዓል ትንሳኤ ኣብጽሓኩምን። እቶም ብኣቋጻጽራ ግእዝ ኣብ ጾምን ስግዳንን ትርከቡ ከኣ ሓይልን ጽንዓትን ይሃብኩም። ኤርትራዊ ባህሊ መንፈሳዊ በዓላት ነፍስ ወከፍ፡ ስድራ ቤት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ፈተውቲ ዝተኣኻኸብሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላልየ ምኽንያት ብስደት፡ ብሕማም፡ ብማእሰርቲ፡ ብመስዋእቲ ዝተፈለዩ ብሕልና ዝራኸብሉ ስለ ዝኾነ፡ ብዝያዳ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነታት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቀዩ ዘለዉ ወገናትና ንዝክረሉ መዓልቲ እያ’ሞ፡ ትንሳኤ ቅነ ተስፋታት ይግበረልና።    ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ


ሰላሕታ ኣኼባ መንእሰያት ህግዲፍ ስቶክሆልም 30 መጋቢት 2018

   ሰላሕታ ኣኼባ መንእሰያት ህግዲፍ ስቶክሆልም     30 መጋቢት 2018   ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብሰላሕታን ሕሹኽሽኽን ኣኼባ ካብ ዘካይድ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ሃገር ኣብ ምምራሕ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያን ዘጋጠሞ  ዓበይቲ ፍሽለታት ንምሽፋን ህዝበይ ምሳይ ኣሎ ንክብልን ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝተወልዱ መንእሰያት ብስድራ ቤቶም ዝተገደዱን፡ ገገለ ምስ መሓዙቶም ብዘይፍላጥ ከሳትፎም ጸኒሑ። ሳላ ሓያል ቃልሲ፡ተደጋጋሚ ሰላምዊ ሰልፍታት ደለይቲ ፍትሒ፡ ብዙሓት ካብ መንእሰያት ንተግባራት ምልክን ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ተርዲእዎም ተባእ ድሕሪ ደጊም ብማለት ንኣኼባ መንእሰያት ህግዲፍ ኵቦ ዝደርበዩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ድሕሪ’ዚ ንህግዲፍ መንጸሮርRead More


ሰላምን ዝምድናታት ሰላምን

 ርእሰ ዓንቐጽ ሰላምን ዝምድናታት ሰላምን ሰዲህኤ  ሰላም ሓንቲ ሃገር ምንጪ ፍትሕን ሕጋውነትን፡ ዕብየት ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ፡ ዕብየትን ስፍሓትን ዝምድናታት፡ ምንጪ ዕብየት ሃብቲ’ዩ። ሰላም ሙሉእ ብምሉእ ሰላም’ኳ እንተዘይተባህለ ተዛማዲ ሰላም፡ ውሑስ ሰላም፡ ካብ ግዜ ንግዜ ረብሓ ሰላም ዘለዎም ኣካላት ብዝሃንጽዎን ዝሰርሕዎን፡ ብዝትልምዎን ዝሰማምዕሉን ውዕላት ምኽባር መሰረት ዝህነጽ ሰላም’ዩ። ሰላም ዘይብሉ ሕብረተ ሰብ መጻኢ ዕድላቱ፡ ሕልምታቱ ኣብ ሰንኮፍን ዘየተኣማምን፡ ሓደጋን ዝነበር’ዩ ዝኸውን። ሰላም ምህላውን ዘይምህላውን ንምፍላጥ ብዙሕ ዘጸግም ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ’ዚ ዘለናዮ  ሰላም ልዕሊ ኩሉ ተደላይነት ምንጪ ኩሉ መዓልታዊ ንጥፈታት ውልቀ ሰብ ዝትንክፍ ምዃኑ ብብሩህ ዝረኣየሉ ዘመን በጺሕናዮ ዘሎና፡ ሃገር ህዝቢ፡ መንግስታት ውድባት፡Read More


ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ውድብ ህዝብታት ኦሮሞ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኑ ተመሪጹ ተባሂሉ

ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ውድብ ህዝብታት ኦሮሞ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኑ ተመሪጹ ተባሂሉ   ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ብ 2012 ስልጣን ተረኪቡ ምንባሩ ዝዝከር  ክሳብ 15 ለካቲት 2018 ስርሓት መንግስትን ባይቶን ክመርሕ ጸኒሑ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃለማርያም ደሳለኝ ኣብ 2015 ከምኡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ህዝባዊ ምልዕዓላት ንምህዳእን ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ሙሉእ ብሙሉእ ውጽኢት ክርከብ ስለ ዘይተኻእለ ሓደ ለውጢ ንምምጻእ፡ ሓድሽ ሓይሊ ኣተሓሳስባ ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳይ ብምእማን ኣብ’ቲ ንፈደራላዊ ባይቶ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዘቅረቦ ሕቶ፡ ኣብ’ቲ ግዜRead More


Sudan says its not supporting an Eritrean opposition group

Sudan says its not supporting an Eritrean opposition group The Ministry of Foreign Affairs reaffirms the commitment of the Government of Sudan to pursue a policy of good neighbourliness and non-interference in internal affairs in its relations with neighbouring countries and brotherly and friendly States. The accusations ‘‘In early February, the followers of the radical Islamic Cleric, Mohammed Jumma, opened an office, under extreme secrecy, in a secluded area to organize political and military activities as well as to train their members,’‘ read part of the statement. ‘‘Funding of theirRead More


ጽምብል ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን

ጽምብል ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ከምቲ ኣብ ኩሉ ኣከባቢታት ዓለም ክካየድ ዝቐነየ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲን ከባቢኣን’ውን ጽምብል ንዝኽሪ ነቶም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዕለት 24-25 መጋቢት 2018 ተኻይዱ። እቲ ናይ 24 መጋቢት 2018 ጽምብል፡ ብናይ ዲ.ሲን ከባቢኣን ናይ ደምበ ፍትሒ ኣዋሃሃዲት ኮሚቴ ዝተወደበ ኮይኑ፡ ብዙሓት ልሉያት ኤርትራውያን ተቃልስቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ 5፡00 – 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ “ንጀጋኑና ንዘኽር!”፣ “ንመሰልና ንቃለስ”፣ “ኣበይ ኣለዉ/ኣለዋ?”፣ “ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ!”፣Read More


The Process of Nation Building and State Construction under Arrest in Eritrea

The Process of Nation Building and State Construction under Arrest in Eritrea: Unmasking the Evils of the Rapacious Regime Gebre Gebremariam (Dr.) Part I There is a common, yet grave, mistake that Eritreans make these days. They tend to equate the Rapacious Regime (PFDJ Regime) in Eritrea with the EPLF as if they were one and the same. The Rapacious Regime is an illegal and illegitimate entity that has been ruling Eritrea by force (without the expressed consent of the Eritrean people) since 1997. The regime has not only beenRead More


ፍሉያት ሽማግለታት ሰ.ዲ.ህኤ ስርሓተን ጀሚረን

  ፍሉያት ሽማግለታት ሰ.ዲ.ህኤ ስርሓተን ጀሚረን 21 መጋቢት 2018   ብዕለት 18 መጋቢት 2018 መጽናዕቲ/ገምጋም ሽማግለ ቦኽሪ ኣኼባ ከም ዘካየደትን ነፍሳ ከም ዝሰርዐትን ተሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ሕጽር ዝበለ ቦኽሪ ኣኼባ ንቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ዝቀረበ ጸብጻብ፡ ሓው መስፍን ሓጎስ ንመጽናዕቲ ገምጋም ሽማግለ ከማእኽላ፡ ሓው ፍስሃየ ትንስአው ጸሓፊ ኮይኖም ኣለዉ። ኣባላት መጽናዕትን/ገምጋም ሽማግለ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ስርሓት ንምስላጥ ሓላፍነት ዝተሸከሙ ንኣሕዋት መስፍንን፡ ፍሳሃየን ነመጉስ። ካልኦት ኣባላት ሽማግለ’ውን ኩሉ ዝካኣል ከማልኡ ምኻኖም ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ስርሓት ሽማግለ ንምዕዋት ፍትሓውን ርትዓውን ሙሉእነት ዘለዎ መጽናዕትን ገምጋምን ንምቅራብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰልፊ፡ ሽማግለ ንእትጠልቦ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ክገብርRead More


ኣብያተ- ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤት- ክርስትያን ዓመታዊ ዕማመን ዛዚመን

ኣብያተ- ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤት- ክርስትያን ከሰላ  ንስደተኛታት ኤርትራውያን ናይዚ ዓመት ዕማመን ዛዚመን  15 መጋቢት 2018 ኣብያተ ትምህርቲ ካስቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ዝሓቆፈት ናይ 2017—2018 ዓመተ ትምህርቲ ብዕለት 15/3/2018  ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ዓመት ዝተኻየደ ጽምብል ናይ መንግስታውያንን ሓለፍቲ ግላውያንን ትካላት፡ ኣመሓደርቲ ትምህርቲ ሱዳናውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ሽማግለታት ዓዲ ወለዲ ተማህሮን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢ ድምቀት ከቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ናይ ምዕጻው በዓል ካብ ተማህሮ ናይተን ኣብያተ ትምህርቲ ብዝቆመት ጉጅለ ባህሊ ንተደላይነት ትምህርቲ ዝገልጽ ነቶም ኣብያተ ትምህርትታት ዝሕግዙ ገበርቲ ሰናይ ማሕበር ካቡቺኒን( ኣሕዋት ቅዱስ ፍራንቸስኮ) ንግደ ወለድን መማህራንን ዘመጉስ ንተዓዘብቲ ዝስሕብRead More


ድሕሪት

                                                                 ድሕሪት ድሕሪት  ድሕሪት  ይእኸልካ  ትረፍ ተካል  ጸጊብና  ግደፈና  ንሕለፍ ተኣለ ካብ  ቅድመና ጉዕዞና  ኣይትኹለፍ ክሳብ መዓስ  ኢና ብኣኻ  ክንግረፍ ኣብቂዑ’ዩ  ግዜኻ  ብሰላም  ዕረፍ             ጽልግልግ  ኢልካና ከምቲ  ሕማም  ጋህሚ             ነዊሕ ግዜ  ኮይኑ በሰላና   ክደሚ             ተሓሪምና ብኣኻ  ካብ  ናይ  ሂወት  ጣዕሚRead More