Main Menu

Wednesday, March 7th, 2018

 

ብስራት መርበብ ሓበሬታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ( ሰዲህኤ)          EPDParty.com 

 8 መጋቢት 2018 ዝኸበርኩም በጻሕቲ ወብሳይት EPDParty.com : ኣቐዲመ ብስመይን፡ ብስም ፈጻሚት ሽማገለ ሰዲህኤ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ/ት በጻሕቲ website EPDParty.com እንኳዕ ድሓን መጻእኩም ይብል። ኣሲዒበ ናይ ወብሳይት EPDParty.com 


ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

  ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት 2018   ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሙሉእ ዓለም ብፍላይ ኣብ ኤርትራውያን ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክዝከርን ክኽበርን ዝጸንሐ፡ መጸዋዕታን መብጽዓን፡ ንመሰልን ክብርን ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ እዩ። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ባህላዊ ሓደ ሸነኽ ከም ደቂ ሃገር ሓንቲ ነጻን ሓራን ዝኾነት ኤርትራ፡ መሰለን ክብረተን ማዕርነተን ተኸቢሩ ዝነብራላ ሃገር ምርግጋጽ ማዕረ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዝሑልን ውዕይን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ተቃሊሰን፡ ተሰውኤን፡ ሰንኪለን ልዑል መስዋእቲ ከፊለን። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት ከም ኣሕዋተን፡ ኣደታት ከም ሰቡእተን ኣንጻር መግዛእታዊ ሓይሊ ዘካየድኦ ቃልሲRead More


መግለጺ ሓዘን

                                                                                                                               መግለጺ ሓዘን                                                  Read More


ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ መሪሕነት ዞባ መሪጹ፡

ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ መሪሕነት ዞባ መሪጹ፡ 2 መጋቢት 2018   ብዕለት 2 መጋቢት 2018 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ መሪሕነት ዞባ መሪጹ። ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብዝቆመ ምኽኻር ሽማግለ ክክየድ ድሕሪ ምጽንሑ ብዕለት 2 መጋቢት ሰለስተ ኣባላት መሪሕነትን ሓደ ተቆጻጻራይ መሪጾም። ኣብ’ዚ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ስርዒታዊ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝመርሖ ኣኼባ ተኻይዱ፡ ሓው ብርሃነ ሰ.ዲ.ህ.ኤ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩንታት ከም ዝርከብን፡ መደባት ዕማምትን ሰልፊ ብኸመይ ይሰላሰል ምህላው ብሰፊሑ ገሊጹ። ብተወሳኺ ንውደባዊ ስርሓት፡ ዕማም ሰልፊ ንምስላጥRead More


EPDP’s Central Council Established Two Committees on its Meeting

EPDP’s Central Council Established Two Committees on its Meeting February 24, 2018     The Executive Committee of the Eritrean People’s Democratic Party, on its Third  Central Council  meeting, held on February 24, 2018, presented its task of formulating working guidelines for the establishment of committees and after thorough deliberations, its recommendations were adopted. It is to be recalled that the Eritrean People’s Democratic Party,  on its Second   Central Council  meeting, held on January 27, 2018,  entrusted the Executive Committee to devise working guidelines for the establishment of committees.Read More


ኣኼባ ባይቶ ሰዲህኤ ንድፊ መምርሒ ዕማም ክልተ ሽማግለታት ኣጽቑ፡

  ኣኼባ ባይቶ ሰዲህኤ ንድፊ መምርሒ ዕማም ክልተ ሽማግለታት ኣጽቑ፡ 24 ለካቲት 2018   ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰዲህኤ ንፈጻሚት ሽማግለ ዝሃቦ ሓላፍነት፡ ብ27 ጥሪ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ቀጻሊ ኣኼባ መደብ ዕዮ ስርሓት ፈጻሚት ሽማግለ ከም ዘጽደቀን፡ ብተወሳኺ ነተን ዝቆማ ክልተ ፍሉያት ሽማግለ፡ ኣባላተንን ንድፊ መምርሒ ዕማማተን ብዝምልከት ባይቶ ደጊሙ ንፈ/ሽ ሓላፍነት ከም ዝሃበ ኣብ ዝሓለፈ ተገሊጹ ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር ፡ እንሆ ሎሚ ዕለት 24 ለካቲት 2018 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ፡ ፈ/ሽ ሽማግለ ንዘቅረበቶ ኣባላት ፍሉያት ሽማግለን፡ ንድፊ መምርሒ ስርሓተንን ብባይቶ ጸዲቁ። ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስRead More


መላእ ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝተረኽብሉ ኣኼባ ተኻይዱ

መላእ ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝተረኽብሉ ኣኼባ ተኻይዱ   3 ለካቲት 2018   ኣቦ መንበር ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ዝመርሖ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተረኽብሉ ብዕለት 3 ለካቲት 2018 ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ ቃል ኣኼባ ኣቦ መንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ንኣባላት ሰልፊ እንቋዕ ደሓን መጻእኹም ድሕሪ ምባሉ፡ ሰልፍና ካብ’ቲ ኩሉ ላዕሊ ታሕቲ፡ ዝተኻየደ ሓያል ምእራም ቃልሲ፡ ፈተነ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዕርቅን ዘተን፡ፈተነ ምሕያል ሰልፍን ስኒትን፡ ተሪር ሓድነት ንምስፋን ዝሓለፈ ሓርጎጽጎጽ ኣብ’ዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡ ንዕብየት ህዝባዊ ቃልሲ ብኸም’ዚ ተኣኪብናዮ ዘሎና፡ መጻኢ መደባትና ክንሰርዕን፡ ተደጋጊፍና ክንቃልስን ዝበቃዕና እንቋዕ ሓጎሰና በለ። ብምቅጻል ከም ኩሉ ኣባል ሰልፊ ዝፈልጦRead More


ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

  ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ   ብዕለት 21-01-2018 ባይቶ ሰ.ዲህ.ኤ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ዝተዋሃህደን ልዙቡን ስሩዑን ኣኼባ ከኣ ኣካይዱ፡፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ ስሩዕ ኣኼባ ብጉዳይ ሃለዋት ህዝብን ሰልፍን፡ ሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ኣህጉራዊ ኩነታት፡ ኣልዒሉ ዘትዩ። ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ህዝብና ኣብ ውሽጢ 26 ዓመት ብቀጻሊ ክወርዶ ዝጸንሐን ዝወርዶ ዘሎ ኩሉን እንተናዊ ጸገማት ዘይሰብኣዊ ምሕደራ፡ ዘይፍትሓዊ ማሕበራዊ ናብራ ኣልዒሉ ዘትዩ። ሃገርና ከቢብዎ ንዘሎ ዞባውን ዓለምለኻዉን ወጥሪ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያ ብዘይዕረፍቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ክዝረበሉ ዝጸሐ ኩነታት ብምርኣይ፣ ውልቀ መላኺ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጽባሕ ጽባሕ ዝቀየያርRead More


ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ መደባት ስርሕ ፈጻሚት ሽማግለ ኣጽዲቁ

    ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ መደባት ስርሕ ፈጻሚት ሽማግለ ኣጽዲቁ 27 ጥሪ 2018 ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብዕለት 27 ጥሪ 2018 ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ መቀጸልታ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ካብ ዝተዘርበሉ ኣርእስታት ሓደ ብዛዕባ መደብ ስርሓት ፈጻሚት ሽማግለ ብምንባሩ፡ ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማግለ ንቀረባን ርሑቅ ክስርሓሉን ከስርሖን ይኽእሉ እዮም ንዝበሎም መደባ ነዲፉ ንባይቶ ኣቅሪቡ፡ ማእከላይ ባይቶ ብፈጻሚት ሽማግለ ንዘወረደ ንድፊ መደባት ስርሓት ቤት ጽሕፈታት ንኩሉ ብቀደም ተኸተል ተኻቲዑን፡ ኣብ ስርሓትና ከዕውተና እዩ ዝብሉም ሓሳብ ወሲኹ ንድፊ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማግለ ብሙሉኡ ኣጽዲቁ።Read More


ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

                                                                                                      ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ   ብዕለት 21-01-2018 ባይቶ ሰ.ዲህ.ኤ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ዝተዋሃህደን ልዙቡን ስሩዑን ኣኼባ ከኣ ኣካይዱ፡፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ ስሩዕ ኣኼባ ብጉዳይ ሃለዋት ህዝብን ሰልፍን፡ ሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ኣህጉራዊ ኩነታት፡ ኣልዒሉ ዘትዩ።Read More