Main Menu

May, 2018

 

ነጻነት ሃገርን ሓርነት ዜጋታትን

    ነጻነት ሃገርን ሓርነት ዜጋታትን                                                   ብሽፋ መ/ኑር  ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ክብገስ እንከሎ ቀዳማይን ካልኣይን ክልተ ዕላማታት ኣነጺሩ ኢዩ ተበጊሱ።  እቲ ቀዳማይ ዕላማ ብሓይሊ ንዝተጎብጠ መሬት ኤርትራ ነጻ ንምውጻእ ኢዩ ነሩ።   ንመሬት   ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ   ንዝስራሕ ዕማም ናይቲ ገድሊ ብኸመይ ንዓሞ ወይ ነሳልጦ ዝብል እንኮ ናይ ራኢ ምሕደራውን ፖሊቲካውን መሰል ጥራይ እንተዘኮይኑ ካልእ ኩሉ መዳያዊ መሰላት ድሕሪ ነጻነት ክትግበሩ ኢዮም ተወንዚፎም ነሮም።  ህዝቢ ኤርትራ   ንዕማም ቃልሱ ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ መልክዕ ኣብ ክልተ መድረኻት ከፊሉ ቅድም ንመሬቱ ነጻ ከውጽእ ኣስዒቡRead More


ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስደት ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ !

                ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስደት ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ ! ኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶና ኣብ ስደት ዘሕልፎ ዘሎ መወድእታ ዘይብሉ ስቓይ ወግሐ ጸብሐ ዝስማዕ ሎሚ ሎሚስ ከም መቝነን ዜና ኮይኑናን ዝደጋገም ዘሎ ዘይልመድ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ዝሕለፍ ዘሎ ሂወት እዩ። እወ በቲ ዝኸፍአ መልክዕ ኣብ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ወለዶ ዘጋጠመ ሓደጋታት ንጸላኢኻ’ኳ ዘይትምነየሉ ካብ ኣእምሮ ማንም ዜጋ ዘይሕክኽ ዝኽሪ ስቓይ ሲናይ ብዓይኑ ዝረኣየ፡ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ሊብያ፡ ጃምላዊ ህልቐት ማእከላይ ባሕሪ ዝኽሪ ትማሊ’ዩ። እዚ ሓቂ ክውንነት ኤርትራዊ መንእሰያት ብዝተፈላልየ መልክዑ ዝቅጽል ዘሎ ከቢድ ስቕያት ኣብ በረኻታት ምድረ በዳታት ሲናይ፡ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ግብጺ ብኮንትRead More


መግለጺ ንዝኽሪ በዓል ናጽነት ኤርትራ

መግለጺ ንዝኽሪ በዓል ናጽነት ኤርትራ አብ 24 ግንቦት፣ ቅድሚ 27 ዓመታት፣ ሃገርና ኤርትራ ንጎባጢ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ አብ ኤርትራ ብምስዓር ልዑላውነት ዚተጓናጸፈትላ ዕለት’ያ። ህዝቢ ኤርትራ ብውድባቱን ተጋደልቲ ደቁን እናተመርሐ፣ አብ ኣፍሪቃ ዚነውሐ ብረታዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ፣ ማለት ድሕሪ ን30 ዓመታት ዚኸደ ናይ ሰብ መስዋእትን ከምኡ ሰፍ ዘይብል ናይ ንዋይን ንብረትን ብርሰት፣ ብዕለት 24 ግንቦት 1991 ዓ.ም.ፈ ናጽነቱ አረጋጊጹ። ምእንት’ዚ ከአ’ያ፣ ዕለት 24 ግንቦት አብ ኤርትራዊ ልቢ’ን ዝኽርን ዝለዓለ ጥርዚ ሒዛ ክትጽንበል ትነብር። ንብረታዊ ዓወት ብርፈረንዱም ንምእንጓቱ ብዕለት 23-25 መጋቢት 1993 አብ ዚተኻየደ መረጻ ከአ 99.8% ካብ ህዝቢ ኤርትራ “እወ ንናጽነት” ከምRead More


መግለጺ ሓዘን ዕረፍቲ ኣደናን መቃልስትናን ስነ ጥበባዊት ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ

መግለጺ ሓዘን ዕረፍቲ ኣደናን መቃልስትናን ስነ ጥበባዊት ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ   መርድእ ሞት ስነ ጥበባዊት ኣደ መቃልስቲ ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ ንኩሉ ኤርትራዊ ምስ በጽሐ ዘሰምብድን ዘሕዝንን ተርኽቦ ኮይኑ፡ ኣደናን መቃልስትናን ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ ኣብ’ቲ ስነ ጥበብ ዝተሳተፋሉ እዋን ይትረፍስ ንደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ተባዕትዮ’ውን ከም ነውሪ ዝቁጸረሉ ነበረ ብድፍረትን ትብዓትን፡ ኣብ መድረኽ ንዕብየት ባህሊ ሓደ ሸነኽ፡ ንመሰል ከም ጓል ኣንስተይቲ ስዒረንኦ፡ ዓብይ ተፈላጥነትን ተቀባልነት ረኺበን። ብዝያዳ’ኳ እቶም ኣብ ኪነት ዝነበሩ ዝገልጽዎ እንተኾኑ ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ኣብ ኣስመራ ምስ’ቶም ህቡባት ደረፍቲ ዘካየድኦም ምርኢት ወ/ሮ ጸሃይቱ ዘይፈልጥ ኣይነበረን። ብዙሓት ኣደታት ከኣ ኣንታ እዛRead More


ዓዳት

                                     ዓዳት                                       ብሽፋ መ/ኑር        ጀበነትና  ለፍቲት ክብት  ረዪም  ስጋዳ     እት  ኣፉሃ  ሊፍ  ክልዶል ሰኒ ምራዳ      ዲብ  ቀደማ  ፈናጂል እባሕብሮም ለጻዕዳ      ቀደም  በል ለልብሎ ዕሹራም  ውላዳ       እብ  ሕበር  ትትሰተ ሓቆ  ሓሊብ  ዎማዳ            ህታ  እታ ፍንገ  ዎኣዳም  እንደ ከበያRead More


ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንኣባላትን ሓለፍትን ማሕበረ ኮም ህግደፍ ካርቱም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንኣባላትን ሓለፍትን ማሕበረ ኮም ህግደፍ ካርቱም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም  ብ ዕለት-22-05-2018 ኣብ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ህግደፍ ኣብ ሱዳን ዴም ዝብሃል ጥቓ ሜዳ ኩዕሶ ዝርከብ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን መካይን ሒዞም ብምምጻእ ንሓለፍቲ’ቲ ማሕበረ ኮም ህግደፍን ኣብቲ ቀጽሪ ንጸንሑዎምን ኣስታት 40 ኣቢሎም ንዝኾኑ ሰባት፡ ብበትሪ እናቐጥቀጡ ብመካይን ጽዒኖም ወሲዶሞም ኣለዉ። እዚ ማሕበረ ኮም እዚ፡ ኣብ ዴም ጥቓ ሜዳ ኩዕሶ ዝርከብ ቦታ እዩ። እዚ ማሕበረ ኮም እዚ፡ ንስለያዊ ንጥፈታት ህግደፍ ከገልግል ዝጸንሐን፡ ናይ ብዙሓት ደላሎ መቋመርን መቋጸሪ ቦታን ኮይኑ ምጽንሑ፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኣብቲ ትማሊ ብሃንደበት ብጸጥታ ሱዳንRead More


ሰልፊ ንመበል 27 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ኣብ ስቶክሆልም

ሰልፊ ንመበል 27 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ኣብ ስቶክሆልም ዕለት 24 ግንቦት 2018 መበል 27 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዘኽበረሉን ዝዝክርሉን ዓብይ ኤርትራዊ ሃገራዊ በዓል’ዩ። እንተኾነ ብሰንኪ መላኺ ጨፍላቒ ፖሊስታት ስርዓት ህግዲፍ ህዝብና ኣብ ደጋፍን ተቃዋምን ተፈላልዩ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ማእሰርቲ ስቓይን፡ ዋጋ ብሉጻት ወለዶ ዝተኸፍለሉ ነጻነት ከም’ቲ ዝግባእ ክዝከርን ክኽበርን ዘይተኻእለን። ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሰልፊ በዓል ነጻነት ንምክያድ እምበኣር ሰልፍታት፡ውድባት፡ ማሕበራትን፡ ውልቀ ዜጋታት ኣብ’ዚ ተዳልዩ ዘሎ መዓልቲ ነጻነት ክሳተፉ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ኣሎ። ኣብ’ዚ ዕለት ከኣ ስውኣትRead More


ናብ ዲሞክራሲ ምብጻሕ: ትምህርቲታት ካብ ዑዉት ምስግጋራት:: ብ ኣብረሃም ኤፍ. ሎዌንዛልን ሰርጅዮ ቢታርን

ናብ ዲሞክራሲ ምብጻሕ: ትምህርቲታት ካብ ዑዉት ምስግጋራት:: ብ ኣብረሃም ኤፍ. ሎዌንዛልን ሰርጅዮ ቢታርን ትርጕም ሰመረ ተስፋሚካኤል ሃብተማርያም ካልኣይ ክፋል ከምዚ ዓይነት ስጉምትታት ክትብሎም ይቐልል ካብ ከተተግብሮም፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሎም ከኣ በሊሕ ፖለቲካዊ ፍርድን ትብዓትን ይሓትት። ኣብ ገለ ኩነታት እዚኦም ስጉምትታት ኣቐድምካ፡ ኣብ እግረ ተኽሊ፡ ክትዛረበሎም ትኽእል፡ ኣብ ገሊኡ ግን ፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስዱ ኢዮም። ካብ መጀመርታ ግን ቀዳምነትን ከምኡ ‘ውን ቀጻልነቱን ዘረጋግጽ ሓለዋ ክወሃቦም ይግባእ። ከምቲ ሓቢቢ ዝገለጾ ብዛዕባ ዝምድና ገባርን ወተሃደራትን ኣብ ኢንዶኒስያ ክትንትን ከሎ፡ “እቶም ምስግጋር ዝመርሑ…ከርእዩ ኣለዎም፡ ብዘረባ ወይ ጽሑፍ ዘኮነስ፡ የግዳስ ብተግባር፡ ኣገዳስነት ገባራዊ ቁጽጽር።”Read More


الافتتاحية.

 الافتتاحية. لاشك أن نظام( الهقدف) والسياسة التي اتبعها بعد أعلان الاستقلال سواء اداريا في الداخل أو دبلوماسيا في الخارج،اقل مايقال عنها انها كانت سياسة غير متوقعة من الشعب الارتري ولا من المجتمع الدولي. فقد كانت أجواء الدولة الوليدة واعدة بالأمن والسلام والاستقرار والازدهار بعد معاناة طويلة بسبب الحرب والظلم في ظل الاحتلال الاثيوبي البائد،لكن تجري الرياح بما لا تشتهي السفن،فقد دشن النظام الأستبدادي علاقاته الدبلوماسية الخارجية باتهامات  قاسية لكل من منظمة الوحدة الافريقية وجامعة الدول العربية حيث اتهم الاولي بالرشوة والفساد والأخرى بالعجز وعدم القدرة لحل الازمات وانداحت بعد ذلكRead More


ኣብ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽ ኣህዛብ ዓለምና ሕገ- መንግስቲ ዘይብሉ ስርዓት ኣይተራእየን

 ኣብ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽ ኣህዛብ ዓለምና           ሕገ- መንግስቲ ዘይብሉ ስርዓት ኣይተራእየን   ሽፋ መ/ኑር      ሕገ-መንግስቲ ንከመይነት ምሕደራ ህዝብን ሃገርን ዝውስን ዘነጽር ሰነድ ኢዩ። ብክልተ መለለዪታት ድማ ይፍለጥ።  እቲ ሓደ መለኽቲ ስርዓታት ዘቁሙዎ ኢዩ።  እቲ ካልኣይ ድማ ደቂ-ሰባት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ሂወቶም ክመሓደሩሉ ብናይ ሓባር ስምምዕ ዘጽድቅዎ ኢዩ።               እቲ ብዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዝቁምዎ ሕጊ ንስልጣን እቶም መለኽቲ ስርዓታት ዘውሕስን ንገባቲ መደባቶም ዘገልግልን ዘረሳርስን ኢዩ።   ብኣብንጻር እዚ ናይ መለኽቲ ሕግታት ንድሌታትን ባህግታትን ሓፋሽ ህዝቢ ዘዕቁብን ዝገልጽን ኣይኮነን። ይኹን እምበር መለኽቲ ምሕደራታታት ሓፈሻዊRead More