Main Menu

Tuesday, August 21st, 2018

 

ዓይነታት ፍቅሪ ልቢ-ወለድ ዛንታ

ዓይነታት  ፍቅሪ     ልቢ–ወለድ  ዛንታ    ብሽፋ መ/ኑር             ዳዊትን ዓብዱን ዝበሃሉ ክልተ ኣዕሩኽ መንእሰያት ደቂ ኣስመራ ኢዮም።  እዞም ክልተ መንእሰያት ብጣዕሚ ይፋተዉ። ኣብ   መዓልታዊ ሂወቶም ተፈላሉዮም ኣይፈልጡን። ብሓደ የራፍዱ ይውዕሉ የምስዩ እታ ዝፈላለዩላ እዋን    ነናብ ስድሮኦም ከይዶም ዝሓድሩላ ለይቲ ጥራይ ኢያ።  ንሳውን ዘይትስገር ኮይናቶም እምበር ብሓደ ክሓድሩ ኣይምጸልኡን።  ሂወቶም ብሰሓቅ ጸወታ ጭርቃን ኮታ ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ናይ ታሕጓስ መንፈስ ዝመሎኦ ዩ ።  ከምቲ ልሙድ ኣብ ባህልና ዝዝውተር ዕርክነቶም ጽኑዕን ነባሪን ክኽውን    ነፍሲ ወከፎም ሓሓንቲ ጸጸር ዝወሓጡዮም።  ክቡራት ኣንበብቲ ደቂ ኣስመራ ዳዊትን ዓብዱን ሓያላት ተዋዘይትን ተጫረቅትን ኢዮም ።       Read More