Main Menu

Friday, April 12th, 2019

 

ሓጺር ዜናዊ ጸብጻብ ሃገረ ሱዳን

ሓጺር ዜናዊ ጸብጻብ ሃገረ ሱዳን ኣብ ሱዳን ንኩሉ መዳያዊ ለውጢ ማለት ፍትሒ ደሞክራሲ መሰል ህዝቢ ይኽበር መነባብሮ ህዝቢ ይመሓየሽ ብልሽውና ይወገድ ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ …..ወዘተ ብዝብል ጠለባት ን4 ወርሒ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ጸኒሑ። መንግስቲ ዑመር ኣልበሺር ነቲ ተደጋጋሚ ጠለባት ህዝቢ ጸጥታዊ ፍታሕ ክረኽበሉ ጥራይ ኢዩ ክፍትን ጸኒሑ። ይኹን እምበር ህዝቢ ሱዳን ብሓፈሻ መንእሰያት ሱዳን ድማ ብፍላይ ኣብ ኩሉ ኩርዓት እታ ሃገር   ሰላማዊ ሰልፍታት ብምቅጻል ካብ ዕለት 8/4/2019 ክሳብ ዕለት 10/4/2019ን ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ማእከላይ ወተሃደራዊ መደበር ዕጡቃት ሓይልታት ሰላዊት ሱዳን ኣኽቢቦም ንክልተ መዓልቲ ኣድማ ብምክያድ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጎኒ ህዝቢRead More


ተራ መትከል ኣብ ወልቃውን ማሕበራውን ሂወትና

ተራ መትከል ኣብ ወልቃውን  ማሕበራውን ሂወትና ሓምድ እስማዒል 4/8/2019 ሂወት ኣብ መትከል ምስ እትምስረት ጥራይ’ያ ኣቲ ሓቅኛ መዋቕራ ወይ ቅርጻ ዝሰኣለልና። በዚ መሰረት ከኣ ንኩሉ መዓልታዊ ንጥፈታትና  ኣማእዚኑ መልክዕን ቅርጽን  ዝህባልናን  እንኣምነሉ ቕኑዕ መትከላዊ ሂወት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ  ሂወትና ትርጉም ዝህልዎ። እዚ ድማ መትከል እንተ ዘየለ ሂወት ውን የላን ማለት’ዩ፣  ግን ከኣ ሞት ወይ ትንፋስ ምስኣን ዘይኮነስ እቲ ኣብ ዓለም ከለና ንጸንሖ ግዜ ብኣገባብን ስነ-ስርዓትን  እና ነበርካ ዕዉት ውልቃውን ማሕበራውን ሂወት ዘይምንባር ማለተይ እዩ።  መትከል መለዪ ባህርያት ናይ ወዲ ሰብ ውን’ዩ። ብልምዲ እከለ በዓል መትከል’ዩ እከለ ድማ ወሽላኽ’ዩ መትክልRead More


ህዝቢ ኤርትራ እንደገና ከይትህመል፡ “እታ ዓርሲ ዓርሲ

ህዝቢ ኤርትራ እንደገና ከይትህመል፡ “እታ ዓርሲ ዓርሲ ኢያ” ዶር. ገብረ ገብረማሪያም ኢሳያስ፡ ብጸገምን ጸበባን ህዝቢ ኤርትራ ዝሕጎስ፡ ኣዝዩ ሕሱምን ጨካንን መላኺ (Sadistic Dictator) ስለዝኾነ፡ ንኤርትራ ካብ ሓደ ጎነጽ/ውግእ ናብ ካልእ ጎነጽ/ውግእ እንዳወሰደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓልፈ ዳርጋ ርብዒ ዘበን (25 ዓመታት)ንቡር ይኹን ቁሱን ሂወት ዝባሃል ከይራኣየ ኣብ ቀጻሊ ናይ ሕብረተ-ሰብ’ዊ ብትከት ጉዕዞ ከምዝነብር ኢዩ ዳሪግዎ። ሓንሳብ የመን መጻትካ፣ ሓንሳብ ሱዳን መጻትካ፣ ሓንሳብ ጂቡቲ መጻትካ፣ ብቀጻሊ ካኣ ኢትዮጵያ መጻትካ እንዳበለ፡ ህልውና ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ኣምሲሉ ብምምስማስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቱ የህዛብ ኣብ ቀጻሊ ረጽምን፡ ካብ ጎረባብቱ ተንጺሉ ከምዝነብርን ኢዩ ክገብር ጸኒሑ።Read More