Main Menu

Monday, May 13th, 2019

 

እታ ዓባይ መርከብ ናይ ለውጢ ትምርሽ

   እታ ዓባይ መርከብ ናይ ለውጢ ትምርሽ ካልኣይ ክፋል ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ጹሑፍ፣እታ ዓባይ መርከብ ሓድነት፣ንቕሎ ኣደታት ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ዞባ ኤውሮጳ፡ ከምቲ ዝተበገሰቶ ንቕሎኣ፣ብቑኑዕ መገድን ሓባሪ ቡሶላን ብምስፋፍ፡ንህዝብኻ ጎስጓስን ተወዲቡ ክዋሳእን፣ኣብ ናይ ሓባር መኣዲ-ዘተ ክሳተፍን፣ ነቶም ተወዲቦም ግናኸ ብቕናት ሓድነት ዘይተዓጠቑ፣ኣብ ባይታ እንካን ሃባን ጡዑይ መስርሕ ፖለቲካ ብምጥቃም፣ምክልኻል ሃገር፣ሓድነት ህዝቢ ቅድም ሰሪዖም፣ኣብ ሓደ ጽላል ንምብጻሕ ዉዑል ዝኽተመሉ መስርሕ ስርሓት ይካየድ ኣሎ። እተን ዝተፋላለያ ሓይሊ ዕማማት ነቲ ራኢን ዕላማን ሽቶን ንምትግባሩ፣ንተልእኾ ጉባኤ ፍራንክፈርት፣ብዓቕመን ብዘፍቅዶ ንምትርጓሙ ይዋስኣ ምህላወን ይሕበር። ኣብዚ እዋን’ዚ ዓው ኢሉን ሓኒኑን ይኣክል ግዝኣተ ውልቀ መላኺ፣የብቅዕ ምፍልላይ፡ንንቀል ሓቢርና ንምስራሕን፣ንኹላትናRead More