Main Menu

Friday, October 4th, 2019

 

ርእሰ ዓንቐጽ – ምትእምማን-ሓድነት-ዓወት

ምትእምማን-ሓድነት-ዓወት   ርእሰ ዓንቐጽ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ 3 ጥቅምቲ 2019   ምትእምማን መሰረት ነቕይ ስዘይብል ሓድነት ዝፈጥር ንፖለቲካዊ ውሳኔታት ሃገራዊ ሓይልታት ብተሳትፎ ህዝቢ ንዕዉትን ተግባራዊ ፍጻሜታት፡ መደባት ስርሓት ብውሑድ ግዜን ክሳራን፡ ቅልጡፍ ስልጡን ተቀባልነት ክህልዎ ሰፊሕ ምርጫን ዕድላት ዘለዎ፡ ካብ ሓደ መድረኽ ንቀጻሊ መድረኽ ከሰጋግር ዘኽእል’ዩ። እዚ ከኣ ህዝቢ ተስፋታት ቃልሲ ሰኵዑ፡ ከም ሓድሽ ሞተር ዘንቀሳቅስን ዘላዓዕልን ዳይናሚክ ሓይሊ ዘለዎ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣንፈት ዝኸፍት’ዩ። ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲያዊ ቅልውላው ዘለዎ ሃገርን ህዝብን፡ ካብ ሕንፍሽፍሽን ዕግርግርን ወጺኡ፡ንፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ንምስግጋር ክኽእል፡ ዱልዱል ባይታ መሰረት ህንጻ ሓድነት ሃገራውያን ክህሉ ግድነት’ዩ።Read More


ቅንያት ዝኽርን፡ ምዕቓብ ታሪኽን ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለም

ቅንያት ዝኽርን፡ ምዕቓብ ታሪኽን ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መከረም 2019 ብምኽንያት መበል 58 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ብዝተፈላየ ኣገባብ ዘኪሮም። ብምቅጻል ነቲ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ነባራት ተጋደልቲ ህግሓኤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ (G15) ዝወሰዶ ጨካን ተግባራት መስክረም 2001 ስሞም ብኽብሪ ንጅግንነቶም ዝገልጽ ዋዕላታትን ሰላምዊ ሰልፊ ማኒፈስቶን ተኻይዱ። ማዕረ ማዕረኡ ኣብ ልዕሊ ብሕታዉያን ጋዜጠኛታት ኤርትራ ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታት ኣብ ነጻ ኤርትራ ዝተፈጸመ ክሕደት ኣብ ልዕሊ መስል ህዝቢ ተዘኪሩ’ዩ። ሎሚ ከኣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተረኽበ ኣሕዛኒ ተርእዮ ሂወት ኣማኢት መንእሰያትRead More


ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ኣብ ሃገር ኖርወይ

ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ኣብ ሃገር ኖርወይ ኤርትራውያን ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ክነብሩ ዘይኽእሎም ኩነታት፡ መንእሰያት ኣብ’ቲ ገደብ ዘይብሉ ዕድመ ንእስነቶም ዘብለየ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስ፡ ከምኡ ኢሎም ክቅጽሉ ክጻወርዎ ዘይእኽሎም ጨካን ምሕደራ፡ ከይፈተዉ እግሮም ዝመርሖም ንስደት ገጾም ዝጠመቱ ዝተገዲዶም ውሑዳት ኣይነበሩን። ብዙሓት ከኣ ብመንገዲ ሱዳን ኢትዮጵያ፡ ብሊብያ ንኤውሮጳ ኣብ ጀርመን፡ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ስዊዝ፡ ዓባይ ብርጣኒያ ዝተረፉ ከኣ ኣብ ሃገር ጣልያን ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ’ዮም። እዚ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን፡ ቁጽሩ እንዳበዝሐ ምስ መጸን፡ ኣብ ጉዕዞ ዘጓንፎም ጸገማት ተደማሚሩ ኣብ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብቀረባ ኣብ ባይቶRead More