Main Menu

Thursday, October 17th, 2019

 

ነጸብራቕ/ስንጸት(reflection)

ነጸብራቕ/ስንጸት(reflection) ቀዳማይ ክፋል ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር ኩቡራት የሕዋት ሎሚ ክንዛረበሉ እንደሊ ነጸብራቕ/ስንጸት(reflection)ዝብል ኣርእስቲ ኮይኑ፣ነዚ እንጓዓዞ ዞሎና መስርሕ ቃልሲ-ፍትሒ፣ኣብ ምውዳእ 2019 አብ ምጅማር 2020 ገጽና ንኸይድ ስለ ዞሎና፡ገምጋማትን ስንጸትን/ነጸብራቓት ዝግበረሉ፣ሓዲሽ መስርሕታት እትእምተሉ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓና፣ብወገና ንምስታፍ ዝዓለመ እዩ። ከም ምርዳእና ኣገዳስነት ናይ ሓደ ዲሞክራሲ፣ሓደ ምትእስሳር ዜጋታት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ስራሕ ንምክያድ ዝህነጽ ህዝባዊ ውዳበ ኮይኑ ኩሉ ዝሳተፎን ንጡፉት ዜጋታቱ ኣላልዩ ዘዋስእ፣ዕላምኡ ዘነጸረ ራኢኡ ብሩህ ኮይኑ ኣብ ሽትኡ ክበጽሕ ዝጽዕር ምትእኽኻብ ምዃኑ እንዝክርኖ ይመስለና፡፡ ንምዝካሩ እታ ቃል ደሞክራሲ ብናይ ግሪኽ ቋንቋ፡ደሞስ ህዝቢ ካቶስ ስልጣን፣ኮይኖም ናዘይዘን ክልተ ቃላት ተደሚረን ስልጣን ናይRead More


ሓደ ሰብ ንበዓል ነገሩ ክውክል ሕጋዊ ባይታ ኣለዎ ዶ ! ርእሰ ዓንቐጽ

ሓደ ሰብ ንበዓል ነገሩ ክውክል ሕጋዊ ባይታ ኣለዎ ዶ ! ርእሰ ዓንቐጽ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ 17 ጥቅምቲ 2019   ብመሰረት ሕጊ እንዳ’ባ ኤርትራ ይኹን፡ ኣህጉራዊ መጋባእያ ሕጊ፡ ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ ክልተ ሰብ ነገር ጉዳዮም ኣብ ዳንነት ምስ ዝበጽሐ፡ ብክልተ መንገዲ ክራኸቡን ክውከሉን ይኽእሉ። ቀዳማይ ኣቶም ሰብ ነገር ዳይና ዝፈቐደሎም ዝተቀበሎን ብቁዓት ዋሕስ ምስ ዝህልዎም፡ ካልኣይን ብዓብይኡ ሕጋዊ ጠበቓን ንዕኡ ዝኣመሰሉ ምስ ዝህልውዎም ክውከሉ ይኽእሉ። ካብኡ ሓሊፉ ክልተ ሰብ ነገር ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ በጺሑስ፡ ቤት ፍርዲ ከኣ መወዳእታን ቀያድን ብይን ወይ ውሳኔታት ሂብሉ ፈጺምሎም ክነሱ እሞ ኣብ ትግባረ ዘይወዓለRead More