skip to Main Content
Menu
ሰላማዊ ሰልፍን ኮንፈረንስ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን

ሰላማዊ ሰልፍን ኮንፈረንስ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን

ሰላማዊ ሰልፍን ኮንፈረንስ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን
ከተማ ሄግ ሃገር ሆላንድብዕለት 8 መጋቢት ካብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ሃገር ሆላንድ ከተማ ሄግ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ሰላምዊ ሰልፊ ተኻይዱ፡ እዚ ሰላምዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝኽበረሉ ዕለት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘለዎ ሃለዋት ንሕብረተ ሰብ ዓለም ንምቅላሕ ኣብ ትሕቲ ነጻነት፡ፍትሒ፡ዕብየት ዝብል ብጭርሖታት ስእልን ተሰንዩ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ዝተኻየደ ሰላምዊ ሰልፊ ኣብ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ደኣ ይኹን’ምበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝበንን ሃገርን ዘለዎ ልዑል ሓላፍነት ዘመስክር ኣብ ሃገር ኤርትራ ነጻንት ፍትሒ ዕብየት መላእ ሃገርን ህዝብን ዘቃልሐ ሰላምዊ ሰልፊ እዩ።

ኤርትራውያን ደቂ ኣስንትዮ ከም’ቲ ወትሩ ብኒሕን ሓቦን ካብ ዝተፈላልየ ከተማታት ኤውሮጳ ተኣኻኺበን ኣብ’ቲ ቦታ ሰላምዊ ሰልፊ ክበጽሓ ትብዓት፡ ግዜ፡ ጉልበት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምእንቲ ሃገረን ደቀን፡ስድራ ቤተን፡ስርሐን ጠንጢነን ዘካየደኦ ክተባባዕን ክሙጎስን፡ ብኡ ድማ ቀጻልነት ክህልዎ፡ ኩሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝካየድ ክተባባዕ ዘለዎ ቃልሲ ታሪኽ እዩ።

 

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top