skip to Main Content
Menu
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

                                      

  8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

8 መጋቢት 2019

8 መጋቢት መዓልቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ ዝውዕለሉ መዓልቲ፡ መዓልቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ’ውን እዩ። ኣብ ዙርያ ዓለምና ኣገባቡን መልክዕን ዝኽበር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ይፈላለ’ምበር ዕላማኡ ሓደ’ዩ። ንሱ ከኣ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንክኽበር’ዩ ። እምበር ሎሚ 8 መጋቢት ንምዝካር ብዙሕ ክጽሓፍ ዝኽእል ታሪኽ ’ኳ እንተንተሃለወ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ካብ’ተን ብዙሓት ክጥቀሳ ክምጎሳ ዝግበአን ጀጋኑ ኣሓትና’ውን ገገለ ጠቒስካ ምእንቲ ክብሪ መዓልቲ 8 መጋቢት ክሕለፍ ግድነት’ዩ። ካብ ቀዳመይቲ ጅግና ስውእቲ ኣለም መስፍን ጀሚርካ፡ ከምኡ’ውን ቀዳሞት ተቃለስቲ ኣሓትና ብክቡር ሓርበኛ ነባር ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታት ብተደጋጋሚ ብጽሑፍን ስእልን ንህዝቢ ዘመሓላለፎ ግሩም ታሪኽ ተደማሚሩ ክርሳዕ ዘይክእል ኤርትራዊ ታሪኽ’ዩ።

እምበርኣ ንሎሚ መዓልቲ ዝኽሪ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት 2019 ንፍትሓዊት ዓለምና ብሓፈሻ፡ ንክብርን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ዝውክልን ንምእንቲ ዘካየደኦ ዘይሕለል ታሪኻዊ ቃልሲ ክልተ ኣብ በበይኑ ሃገራት እዋንን ንምንእቲ ሕጋውነት ፍታሓዊ ቃልሲ ተመሳሳሊ ሸነኹ፡ ተመሳሳሊ ገድሊ ዘሕለፋ ተባዓት ደቂ ኣንስትዮ ብሕጽር ዝበለ ታሪኽ ተጋድሎአን ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ ንክብሪ 8 መጋቢት ክንዝክር ንፈቱ። ኣብ’ዚ ፍሉይ መዓልቲ 8 መጋቢት 2019 እምበር ንወ/ሮ ኣለክሳንድራ ኮለንታይ ኣምባሳድር ሶቭየት ሕብረት ነበር ኣብ ሽወደን፡ ከምኡ ወ/ሮ ሕብረት በርሀ ምስጉን ኣምባሳድር ኤርትራ ኣብ ሽወደን ብዝምልከት’ዩ። እዚ ከኣ ሓበንን ትብዓትን ኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ንፍትሓዊ መሰል ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይጠራጠርን።

እሞ ኣብ’ቲ ንኣምባስድር ኣለክሳንድራን፡ ንኣምበሳድር ሕብረት በርሀ ምስጉን ዘመሳስለን ታሪኽ ንባብ እንሆ።

ኮለንታይ ሩሲያዊት ኮይና ኣብ ዙሪክ ስዊዝ ብስነ ሕሳብ ትምህርቲ ዝሰልጠነት ክትኸውን እንከላ፡ ሕብረት በርሀ ኤርትራዊት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረት፡ ክልቲኤን ንዝለዓለ ትምህርቲ ሃገረን ወጺኤን ዝተመሃራ’የ። ክልቲኤን ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ኣብ ሃገር ሽወደን ኣምባሳድራት ዝነበራ ኮይነን ምስ መንግስተን ኣብ ምሕደራ ዘይሰማማዓ፡ ንስደት ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብስደት ዝተቐመጣ እየን።

ኣምበሳድር ሶቭየት ሕብረት ኣለክሳንድራ ኮለንታይ ኣብ ሽወደን

ኣለክሳንድራ ኮለንታይ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ደረጃ ትምህርታ ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ተካይዶ ዝነበረት ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ክሊ ምንቅስቓሳት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ተቀባልነት ረኺባ ዝሰርሐት’ያ። ኣለክሳንድራ ኮለንታይ ማዕረነት ትኣምን ብምንባራ ሓደ ሕብረተብ ብፍላይ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደ ብሶሺያል ዲሞክራሲ ዝምራሕ ፍልስፍና ዝምስረት ኣተሓሳስባ’ዩ ከዕውትን ከውሕስን ዝኽእል ዝብል ኣረዳድኣ ሒዛ’ያ ኣብ’ቲ ምንቅስቓስ ጥቅምቲ 1917 ዝተሳተፈት። ኣለክሳንዳራ ኣዝያ ንጥፍትን ተሳታፊትን ብምንባራ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰፊሕ ውዳበ ዝነበሮ ዓብይ ዴሳዊ ሰልፊ ሶቭየት ሕብረት ኮይና ከይተረፈት ንማሕበራዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ክረጋገጽ ብሰልፊ ርሂጸ በላዕ ክምራሕ ኣለዎ ብማለት ተቃውሞ ትገልጽ ዝነበረት ተባዕ ጓል ኣንስተይቲ’ያ።  ኮለንታይ ቅድም ምስ መንሸቪክ ጸኒሓ ምስ ቮልሸቪክስ ምቅንስቓሳት ብንጥፈት ዝተዋሰአን ዝተሳተፈትን’ያ።

(መንሸቪክ ምቅንስቓስ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ክህልዎ እንከሎ ቮልሾቪክ ከኣ ብማርክሳዊ ክለሳ ሓሳብ ዝምራሕ ማሕበር ወይ ሰልፊ ሰራሓተኛታት ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ዝነበረ’ዩ። )

እዚ ፍልልያት ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ መሪሕ ስለ ዝተጋህደን ተቃውሞ ስለ ዝተላዕለ ኣለክሳንድራ ግዳይ ብምዃና ብላዕለዎት መራሕቲ ካብ’ቲ ባይቶ ንምርሓቕ ከም ኣምባሳድር ወኪል ሶቭየት ንሃገር ሽወደን ከም ትላኣኽ ተገበረ። እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ምስ’ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንኩሎም ኣምባሳድራት እኳ እንተዘየተባህለ፡ ገገለ ካብኣቶም ሓያላት ተጣበቕቲ ህዝቦም ፡ዝበልክዎም ኣይሰምዑንን እዮም ንዝበሎም መራሕቲ ካብ ጥቅኡ ክርሕቁ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ’ዩ። ኣምባሳድር ሕብረት ካብ’ተን ብዙሓት ሓንቲ ተቃሊሳ ክሳብ ነጻነት ካብኡ ከኣ ወኪል ኤርትራ ኣምበሳድር ኣብ ሃገር ሽወደን ዝነበረት’ያ።

ኣምበሳድር ኤርትራ ሕብረት በርሀ ኣብ ሽወደን

ኣምበሳድር ሕብረት በርሀ ብግደኣ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ኤርትራ ከብቕዕ፡ ህዝባን መሪታን ሓራ ንምውጻእ ልዑል ደረጃ ትምህርታ ጠንጢና ከም መቀጸልታ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብሓይሊ ብረት ህዝብን ሃገርን ነጻ ንምውጻእ ከም ኣሕዋታ ከምኡ ካብ’ተ ንቃልሲ ዝተሳተፋ ብዙሓት ሓንቲ ምንባራ ይዝከር። ሕብረት ልክዕ ከም ኮለንታይ ሓይልን ኣብ ርእይቶኣ ጽንዕንትን ምንባራ ዝምስክሩላ ኣለዉ። ሓደ ካብ’ቶም ዝምስክሩ ኣብ መጀመሪያ ሰብዓታት ንሓደሽቲ ተጋደልቲ ንምትብባዕን፡ ብፍላይ ነቶም ክስለፉ ዝመጹ’ሞ ንዓድኹም፡ ንስራሓትኩም፡ ንትምህርትኹም ክትምለሱ ኣለኩም ዝተበሃሉ መንእሰያ ብድፍረት ኣይትስምዕዎም እምቢ በልዎም፡ ኣይንምለስን’ና ክብሉ ከም ዘለዎም ትመኽሮም ከም ዝነበረት ዝገለጸ የማነ ተኽለገርግሽ’ዩ። ከም’ቲ ንሳ ዝበለቶም ብትሪ ከም ዘይምለሱ ኣብ ዝተሰማምዕሉ ዝሃሰብዎ ሰመረሎም።

ቅሩብ ንድሕሪ ምልስ ኢልና ሂወተ እዘን ክልተ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮን ከመይ ይመስል ምንባሩ ንምዕዛብ፡ወላዲ ኣለክሳንድራ ወኪል ንንግስነት ሶቭየት ኣብ ቡልጋርያ ዝነበሩ ዓብይን ክቡርን በዓል ስልጣን ዝነበሩ እዮም። ወላዲ ሕብረት በርሀ፡ ጠበቓ በርሀ ምስጉን ካብ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ላዕለዎት ጠበቓታት ፍሉጥ ብምንባሮም ሕብረት ብጽቡቕ ኣተእላልያ ዝዓበየት ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቱ ንምቅጻል ዝበቕዐት’ያ።

ንእግረ መንገድና ንኣፍልጦና ንሓው ሃይለ ወልደገብርኤ ፎቶ ብዛዕባ መነባብሮ ጠበቓታት ሓቲትና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ጠበቓታት ምሁራት ሕጊ ከመይ ይመስሉ ንዝብል ሕቶ ክምልስ፡ ኣብ ኤርትራ ሓያላት ጠበቓታት ከም ዝነበሩ፡ ብዙሓት ኣብ ትምህርቲ እንግሊዝን ብ crospondent ወይ distance ዝተማህሩ ብቁዓት ጠበቓታት ከም ዝነበሩ ይሕብር፡ ካብ’ቶም ዝጠቐሶም ጠበቓታት ፍሉጣት ወላዲኣ ንኣምበሳድር ሕብረት በርሀ፡ ጠብቓ በርሀ ምስጉን ይርከብዎም። ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ማሕበር ጠብቓታት ምንባሩን ኣቦ መንበር ግራ/ ተወልደ ተድላ ምክትል ከኣ ኣቶ ምስግና ገብረዝጊ ከምኡ ፍሉጣት ኣባላት ማሕበር ዶ/ር በርሀ (እንግሊዝ)፡ ኣቶ ጸጋይ ኢያሱ፡ኣቶ ኣሰፋው በርሀ (ኵቺ) ዶ/ር ክብረኣብ፡ ብላታ ህብትዝጊ ዑቕባዝጊ ወዘተ ምንባሮም ይጠቕስ። (ብዙሓት’ውን ኣብ’ዚ ክንዝክሮም ዘይከኣልና ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ምስ እቕረታ) ፡ ምእንቲ’ዚ ሰብ ሞያ ሕጊ ጠበቓታት ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ደሓን ዝኾነ መነባብሮን ከም ዝነበሩ’ዩ ገሊጹ፡ እሞ ኣምበሳድር ሕብረት’ውን ብሕጊ በዓል ሞያ ዘዕበይዎ ስድራ ምዃና ይጠቕስ።

ኣብ ጉዳይና ክንምለስ ኣምበሳድር ኣለክሳንድራ ኮለንታይ፡ ሕብረት በርሀ ምስጉንን ኣብ ብትምህርቲ ይኹን ካልእ ደሓን ዝኾኑ ስድራ ቤት ከም ዝዓበያ ንግላጽ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምስ’ቲ ስነ ፍልጠት ተላልየን ደረጃ ዕብየት ህዝብን ጠሚተን፡ ንረብሓ ሰፊሕ ህዝቢ ኣንጻር ገባቲ ስርዓታት ኣለክሳንዳራ ምስ ስታሊን፡ ሕብረት በርሀ ምስ መላኺ መራሒ ኢሰያስ ገጽ ንገጽ ንፍትሕን መሰልን ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝተጻወትኦ ተራን ዝወሰድኦ ግብራዊ መርገጽን ጸጊዕ ምስ ህዝበን ዘሕብንን ዘኵርዕን’ዩ።

ተርኽቦ ኣኼባ ኣምበሳድር ሕብረት ስቶክሆልም

እዋኑ ዶባዊ ኵናት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ብዙሕን ክቡርን ዋጋ ሂወት መንእሰይ ኤርትራ ድሕሪ ነጽናት ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታት ብቤት ጽሕፈት ኣምበሳድራት ይካየድ ብምንባሩ፡ ኣብ’ቲ መወዳእታን ሳልሳይ ወራር ዶባዊ ኵናት ዝተኻየደሉ ብወገን ኤርትራ ኣዝዩ ማህሰይቲ ወሪዱ ብምንባሩ ህዝብና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከበሉ ዝነበረ እዋን’ዩ። ህዝባዊ ኣኼባ ተጸዊዑ ብኣምበሳድር ሕብረት በርሀ ምስጉን መግለጺ ተዋሂቡ። መደብ ሕቶን ርእይቶ ምስ ጀመረ ከኣ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ተሳታፊት ኣኼባ ብዛዕባ’ቲ ህዝቢ ዝብሎ ዝነበረ ርእይቶታት ቅኑዕ ኮይኑ ስለ ዘየተሰምዓ፡ ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝነበረ ህዝቢ ክትነቕፍ ጀመረት’ሞ ከም’ዚ ከኣ በለት” መንእሰይ እንዳጠፍአን ደሙ እንዳፈሰሰን ብገንዘብ ክትዛረቡ ዝግባእ ኣይኮነን፡ እዚ ሂወት መንእሰይ ብገንዘብ ዝትካእ ኣይኮነን” ክትብል ምስ ጀመረት፡ ዘረብኣ ከይወድአት ደገፍቲ መላኺ ስርዓት ሓረቁን ተቆጥዑን ጫውጫው በሉን፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስምዕታን ፍቃድን ማይክሮ-ፎን ኣሕደግዋ እሞ ነዛ ጓል ኣንስተይቲ ተሰኪሞም ( ከም ክሻ ሳምቦ ሳምቦ ኢሎም) ካብ’ቲ ኣኼባ ከውጽእዎ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ኣምበሳድር ሕብረት ካብ’ቲ ዝነበረቶ ቦታ ብመጕልሒ ድምጺ ገዛ  ጫውጫውታ ከቋርጽ ድሕሪ ምሕታታ፡ ብመጀመርያ እቲ ነዛ ሓፍትና ( ኣደ’ውን እያ ) ብሓይሊ ካብ’ዚ ኣኼባ ክትወጽእ ምግባር ጌጋ ፍጹም ጌጋግ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባራ፡ ኣብ’ቲ ገዛ ዝነበረ ህዝቢ ኩሉ ርእይትኡ ክህብ መሰል ከም ዝነበሮ ንኣኼባ ገለጸት፡ ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት መሊሶም ብመደረ ኣምበሳድር ሕብረት በርሀ ሓረቁን ተቆጠዑን። ይፍተው ይጽልኡ ከኣ ስርዓት ኣኼባ ንሱ ስለ ዝነበረት ነታ ፍሉይ ርእይቶ ዝሃበት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቦትኣ ክትምልሰ ሓተተት፡ እንተኾነ እታ ርእይቶ ዝሃበት ሓፍትና ክትምለስ ፍቃደኛ ኣይነበረትን።

ኣምበሳድር ሕብረት በርሀ ምስጉን ካብ ምዝራብ ምስማዕ ትመርጽን መስተውዓሊትን ሰብ ምንባራ ብዙሓት ብቀረባ ዝፈልጥዋ ዝምስክሩላ’ዩ። ሕብረት ድሕሪ 2001 ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝወሰደቶ መርገጽ ንባዕሉ ከም ኣደን ወላዲትን ሓደ ሸነኽ ምስ’ቲ ዝነበራ ሓላፍነት ዕጥይጥይ ከይበለት ኣብ ጎኒ ህዝባ ተሰሊፋ ቃልሳ ክትቅጽል፡ ኣፍ ጭቁናትን ግፉዓትን ክኸውን ናጽነት ሒዛ ከም ዘይኣተወት ንስደት ከተምርሕ ተገደደት። ኣብ ስደት ኣብ ዝነበረትሉ ስቕ ኣይመረጸትን ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኮይና ከኣ ንገለ ዓመታት ቀጸለት።

እዚ ጽሑፍ’ዚ ንክብሪ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት፡ ንክብርን ዝኽሪ ኤርትራውያን ተቃለስቲ ንምዝካር’ዩ። ኣብ’ቲ ጽንኩርን መሪር ኵናት ምስ ጸላኢ ምስ ኣሕዋተን ብማዕረ ዝተቃለሳን ዝተሰውኣን ኤርትራውያን ምስ’ዚ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣሳስር ንመሰለን ዝኸፈልኦ ዋጋ ምስክርነተን’ዩ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ

 

 

  

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top