skip to Main Content
Menu
ፍሉያት ሽማግለታት ሰ.ዲ.ህኤ ስርሓተን ጀሚረን

ፍሉያት ሽማግለታት ሰ.ዲ.ህኤ ስርሓተን ጀሚረን

 

ፍሉያት ሽማግለታት ሰ.ዲ.ህኤ ስርሓተን ጀሚረን

21 መጋቢት 2018

 

ብዕለት 18 መጋቢት 2018 መጽናዕቲ/ገምጋም ሽማግለ ቦኽሪ ኣኼባ ከም ዘካየደትን ነፍሳ ከም ዝሰርዐትን ተሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ሕጽር ዝበለ ቦኽሪ ኣኼባ ንቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ዝቀረበ ጸብጻብ፡ ሓው መስፍን ሓጎስ ንመጽናዕቲ ገምጋም ሽማግለ ከማእኽላ፡ ሓው ፍስሃየ ትንስአው ጸሓፊ ኮይኖም ኣለዉ። ኣባላት መጽናዕትን/ገምጋም ሽማግለ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ስርሓት ንምስላጥ ሓላፍነት ዝተሸከሙ ንኣሕዋት መስፍንን፡ ፍሳሃየን ነመጉስ። ካልኦት ኣባላት ሽማግለ’ውን ኩሉ ዝካኣል ከማልኡ ምኻኖም ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ስርሓት ሽማግለ ንምዕዋት ፍትሓውን ርትዓውን ሙሉእነት ዘለዎ መጽናዕትን ገምጋምን ንምቅራብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰልፊ፡ ሽማግለ ንእትጠልቦ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ክገብር ከም ዘለዎ ኣብ ጸብጻባቶም ገሊጾም።

ሽማግለ መደባት ስራሕ ሰ.ዲ.ህ.ኤ እተጽንዕ ብወገና ብተመሳሳሊ ኣኼባታት ኣብ ምስልሳል ከምዘላን፡ ነፍሳ ከም ዝሰርዐትን ሓው ኤፍሬም ታፈረ ሓቢሩ። ስለዚ ሽማግሌታት ሰዲህኤ ፡ዕማመን ከሰላስላ ጀሚረን ኣለዋ። ከምእውን  ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ዳገመ ስርርዕ ከም ዝገበረት ድሮ ኣብ ወብሳይትና ከም ዝተሓበረን ኣብ ቀጻሊ መዳባት ስርርዓ ከም ትርከብን ጸብጻብ ስርዒታዊ ቤት ጽሕፈት ይሕብር። ካብኡ ብዘይፍለ ዞባ ኤውሮጳ መርሕነታ ሰሪዓ ኣብ መደባዊ ስርሓት ሰልፊ ተዋፊራ ከም ትርከብ ጸብጻባት ይሕብሩ።

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top