skip to Main Content
Menu
መግለጺ ሓዘን

መግለጺ ሓዘን

መግለጺ ሓዘን

15 ሚያዝያ 2018

ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ብዝሓደሮ ሕማም ሰንበት 15 ሚያዝያ ለይቲ ልክዕ ሰዓት 12 ኣብ ከሰላ ዓሪፉ።  ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ከም’ቲ ኩሉ ዝፈልጦ ብትዕግስቱ፡  ለውሃቱ፡ ትግሁን ቅኑዕን ምስ ብጾቱ ዝነበሮ ልዑል ኣኽብሮት ዝፍለጥ’ዩ። ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ካብ ክዛረብ ክሰምዕ፡ ብትዕግስቱ ተጻዋርነቱ ዝፍለጥ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ምልካዊ ህግዲፍ ሓሚመ ደኺመ ከይበለ ክሳብ ዕለት ሎሚ ክቃለስ ዝጸንሐ ሃገራዊ ሓርበኛ ዜጋ’ዩ። ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ንምእንቲ ነጻነት፡ ድሕሪ 1991 ዓ.ም ከኣ ንምእንቲ ሓርነትን መሰልን ክብርን ህዝቡ ዝተቃለሰን ዘቃለስን መራሒ’ውን እዩ ነይሩ።

በዚ ተረኺቡ ዘሎ ሞት ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሰሎ ዝተሰማዕና ዓሙቕ ሓዘን ተኻፈልቱ ምዃና እንዳገለጽና፡ ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ የዋርስ፡ ንሙሉእ ስድራ ቤት፡ መቃልስቱን ብጾቱን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩምን ንብል።

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top