skip to Main Content
Menu
ሃገራዊ ልእላውነት፣ህዝባዊ ሓድነት  ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሃገራዊ ልእላውነት፣ህዝባዊ ሓድነት ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሃገራዊ ልእላውነት፣ህዝባዊ ሓድነት

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

መእተዊ

 

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብሳይትታት፣ ሎሚ ፤ ሃገራዊ ልእላውነት፣ህዝብዊ ሓድነት ኢለ ኣርእስቲ ከልዕል ዝደረኸኒ፡ኣብዚ እዋን እዚ ብመሰረት መሪሕነት ኢ.ህ.ወ.ገ.ድ. ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ሲዒቡ ብሃገራአዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ዝጸደቐን፣ብመራሕ መንግስቲ ድ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝተማሓላለፈ ኣዋጅ ፡ ዝውሕዝ ዘሎ መቓልሓት፣ ገለን ደጋፍቲ ገለን ምጉርዕራዕ ዝርኣየሉ፡ዝተፋላለዩ መደረታት ዝስማዓሉ፣ ገሊኦም ናይ ደገፍ መግለጺ ዘውጽኡን፣ገሊኦም ክኣ ምንም-እኳ እዚ ውሳነ ብመንግስቲ ኢትዮጳያ ደንጉዩ ይውጻእ እምበር ግብራዊ ኩከዉን እቲ ውዕል ኣልጀርስ ከምዘለዎ፣ድሮ አብ ግብሪ ክትርጎም ዝጽውዑን፣ንዝሓለፈ ውሳኔ ዝምጉስን ዝመስል መግለጺታት እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና እዋን እዩ።

ብወገነይ ብፍላይ እቲ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝወሳእ፣ኣብ ደገፍንን ናእዳን ከይተዓግተ፣ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ፖለቲካዊ ጸወታን/ ምውሳእን ከካይድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብ ታሪኽ ጉዕዞ ቃልስታት ከምዚ ዘኣመሰለ ኣጋጣሚ ክርከብ ከሎ ቁሩቡነትካ፣ትግሃትካ፣ብቕዓት-ፖለቲካኻ ዝርኣየሉ ዕድል ከይተጠቐምካሉ ምስ ትሓልፍ ንህዝብኻ ጉድኣት ንዓካ ድኽመት/ፍሽለት ስለ ዘስዕብ፣ በቢ-ዘለናዮ ከም ዓቕምና ግዴና ከነበርክት ይግባእ። ካብዚ ተላዒለ ጽዊዕተይ ከቕርብ ክፍትን እየ፤ቡዙሓት ዜጋታት ከምዚ ናተይ ኣታሓሳስባ ከም ዘለዎም ዘራጋግጽ፣አብ ሶቻል ሚድያ ዝስማዕ ዘሎ ምስክር እዩ።

ርእሰ ነገር

                           ጽውዒዕት ንክሊቲኦም ስርዓታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ንኹለን ዓለምለኻውያን ማሕበራት፡ማሕበር ሑቡራት ሃገራት፣ ማሕበር ሑቡራት ኤውሮጳ፣ ማሕበር ሑቡራት ኣፍሪቃ፣ ማሕበር ሑቡራት ሊግ ዓረባትን፣መንግስታት ዓለም ደለይቲ ሰላም ርግኣትን ቅሳነትን፣ ናይዘን ክልተ ሃገራት ህዝብታትን ድልየት ንኽማላእ፣ርግኣት/ቅዋምነት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክነግስ፣ ዓለምና ኣብዚ ዞባ ሰላም ክህሉ ምእንቲ፣ ህዝብታተን ዝሓልምዎ ሰላም ክራጋገጽ መንቲ፣ ኣነ ከም ኩሎም ዚጋታት ደለይቲ ፍትሒ ምሕጽንታይ/ጽዊዒት የቕርብ።

ኩላትና ከም እንፈልጦን እንግንዞቦን ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ፍታሕ ከይረከበ ዝጸንሐ ዘሎን ምዃኑ፣ ኣብ ሞንጎ ክሊቲኡ መንግስታት ምትፍናንን ተጻብኦን ኣስዒቡ ዝጸንሐ ኩነት እዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ፣ነቲ ሰፊኑ ዝጸንሐ ኩነታት ‘’ ኣይሰላም ኣይውግእ’’ ዙሑል ኲናት፡ኣብቂዑ ናይ ፍታ ሕ ጩራ ክቃላቐል ምጅማሩ፣ ንኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ብሓፈሻ፣ ንሕዝብና ድማ ብፍላይ ዓብይ ብስራት ሂብዎ ይርከብ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ደላይ ሰላምን ሰናይ ጉርቡትናን ምዃኑ ዘመስከረ ህዝቢ እዩ ፣ ነዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ተስፋታት ዝጽበዩን፣ ብዓቢ ሓጎስ ክቕበሎ ምዃኑ ክኣ ይኣምን። ከም ዝዝከር ዝሓለፈ 12 ታሕሳስ 2018 ፣ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብመሰረት ወሳኔ መሪሕነት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ.’’ውዕልን ውሳኔታትን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ‘’ብዘይ ቅድመ-ኩነት ከምዘለዎ ብምልኡ፣ ንኽትግበሩ ብዕሊ ከም-ዘጽደቑ ሓቢሩ።ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንውሳኔ ፓርላማ ኢትዮጵያ ንምትግባሩ ቅሩብ ከም ዘሎን፣በውገን መንግስቲ ኤርትራ እዉን ቁሩቡነቱ ከርኢ ምንይቱ ገሊጹ።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ካብታ ብዓለምለካዊ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበትላ እዋን ጀሚሩ፣ ንውዕል አልጀሪ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንምትግባሩ ቅርብነቱ ስለ ዝገለጸ፣ ኣብ ኩሉ መግለጺታቱ ንሑቡራት ሃገራት ነቲ ማንዛ-ዶብ አብ ምድሪ ኽሕንጸጽ እናጸውዐ ከም ዝጸንሐ ንኹሉ ብሩህ እዩ።

ስጋብ ሕጂ እዘን ክልተ ሃገራት፣ እንተ ብምስምስ፣እንተ ብፖለቲካዊ ጉርሒ ንምትግባሩ፣ ምሉእን ቁኑዑን ባህርያት ስለ ዘየርኣያ፣ ስጋብ እዛ እዋን ኢዚኣ እዚ ዓይነት ሃዋሁው ኣይነበረን።ሕጂ ግን ኣብቲ ብዘይ ቅድመ ኩነት ውዕል ኣልጀሪ ምትግባር ካብ ተራኸባ፣እቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ፣ ናይ ሑቡራት ሃገራት፣ ኮሚሽን/ዶብ ስራሕ ምሕንጻጽ-ዶብን፣ ኩሉ እቲ ውዑል ዘመዝጎቦ ናይ ሰላም ሰነዳቱ ንኽትግበር፣ብሽመይን ብሽም ከማይ ዝኣመሰሉ ደለቲ ሰላምን ፍትሕን፣ነባሪ ሰላምን ውሑስ ዝወደባቱ፣ልእላውነትን ሃገርን ህዝብን ክራጋገጽ፣ አነን ከማይ ዘኣመሰሉ ሃገራውያን፣ ካብ ውሽጢ ስሚዒትና፣ ሕልናና፣ድልየትናን፣ ህርፋናን፣ ቅሳነት ራህዋ ሓልዮዮት ዝተበገሰ ጽዊዕትናን ለበዋናን ነቕርብ።

ሰላምን ርግኣትን ውሑስ ጉርቡትናን፣ መብጽዓ/ትሕጃ ዝህቦ፣ህዝቢ ስለዝኾነ፣በተን ዘለዎ ሰብኣዊ መሰላት ዝዋሳኣ ምንቅስቃሳት፣ ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሳ ውድባት፣ ውልቀ ሰባት፣ብወገን ኤርትራ ይኹና ብወገን ኢትዮጵያን፣

ዓለምለኻውያን መጋባእያታት፣ ብፍላይ ክኣ ንሑቡራት ሃገራት አብ መስርሕ ናይ ዝተበጽሐ ውዑል ኣልጀሪ ንኽትግበር ደሃየን ከስምዓን ጸቕጢ ክገብራን እዋኑ ሁጹስ ምኻኑ እናዛኻኸርኩ ደጊመ ጽዊዕተይ የቕርብ። 

ኩለን ሚድያታት፡ ኣትኩሪኤን እንታይኮን ይስዕብ ይኸዉን? ዝብል መድረኽ ሃላኺ ስነሞጎት ውጺኤን ኣብ ኣቤቱታ/ጥር ዓን፣ዓውደ-መጽናዕቲ፣ሰሚናር፣ ሰላማዊ ሰልፊ፣ እወ ንዘላቒ ሰላምን ፍታሕን ሰፊሕ-መድረኸ ዘተ፣ሓበራዊ ተበግሶታት ዝካየደሉ ባይታ ክትጣጥሓ ይጽውዕ። 

ኣብ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን፡ዝዋሳኣ ዘለዋ ውድባት፣ ሕጂ እዋን ናይ ሓቢርካ ትሰርሓሉን ቃልካ ተስማዓሉን፡ንመጻኢ ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ባእታታት፣ ኮይነን ክቐርባ ምእንቲ፣ ጡርኑፉን ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ጽላል ክህልወንን ብሓደ ቃል ክዛረባ እንሆ፣ ክሓልፍ ዘይብሉ ወርቃዊ ግዜ ምዃኑ እና ኣዛኻኸርኩ፣ሓድነት ህዝብን ወድባትን ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ከስተብሃለሉ ብምጥላብ ዑዙዝን ንጡፉን ምውሳእ ከርእያ ብዓውታን ደጊመን ይጽውዕ።

‘’ ሞንተስኩው ‘’ ካብ ዝብሎ ፣ ዲሞክራሲ ከም መሰረታዊ መተክል፣ሓደ ቀጥዒ መራኺ/ኣትንባሂ ዝኮነ፣ሓደ ውድበ- ስርዓት፣ኣብ ሕብረተ-ሰብ ትጥቀመሉ ኣጋባብ እዩ ‘’። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩሎም ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶም አካላት፣ በርገሳውያን ማሕበራት፣ ፖለቲካውያን ሰልፍታት/ውድባትን ቀንዲ ኣካላት ሰላምን ዲሞክራስን መስርሕ ኢና ካብ ብልኩም፣ እዚ ታሪኻዊ ዕድል ከይምልጥ ምእንቲ፣ ብዘሎ ዓቕሚ ክስረሓሉ ይግባእ። ስለምንታይሲ ንሰላምን፣ዉሑስ ልእላውነት ሃገርን፣ ሰናይ ጉርቡቱናን ዝመስልዎ ስለ ዝየለ። ነዚ ኵዉን ንምዃን ብተዳጋጋሚ ጽዊዕተይ የቕርብ።

ሕጂ እዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top