skip to Main Content
Menu
ህዝቢ ምንጪ ስልጣንን ሕጋውነት-መንግስትን

ህዝቢ ምንጪ ስልጣንን ሕጋውነት-መንግስትን

ህዝቢ ምንጪ ስልጣንን ሕጋውነት-መንግስትን

 ሕሰብ ኣስተዕል ተማራመር ተባራበር

 

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ/ሳይታት፤ሎሚ ዘቕርበልኩም ዘተ፣እዚ ብዘይ(Tolerance) ተጻዋወርነት/ተኣ-ዓጋስነት፣ ኣብ ኩሉ መራኸቢ ቡዙሃን ኑሁር ሞጎተታት ብፍላይ ክኣ ኣብ ሶቺአል ሚድያ ሕርቃንን ነድሪ ዝተሓዎሶ ክትዕ ይካየድ ቀንዩን ዘሎን፣ ንጉዱስ ኤርትራዊ እንታይ ተረኽበ ኣበይ እዩ እቲ ጸገም፤እቲ ዘካትዕ ዘሎ ኣርእስቲ ፈደረሽን ኮንፈደረሽን፡ ዝብል ስለ ዝኾነ ብወገነይ እንታይ ማለት እዩ ኮንፈደረሽን፣ ፈደረሽን፣ካብ ቃለ መዝገባ ዓለም-ለኽ ተሞርኲሰ ክገልጽ ኽፍትን እየ።

ኮንፈደረሽን፦ሓደ ስምረት/ሕብረት ብዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተፈልጠ፣ ኣብ ሞንጎ ነጻን ልእላውነት ዝውነና ሃገራት፣ዝምስረትን፣ ሰረተ-እምነት ዘቀምጥን ኣብ ስርዓተ-ኮንፈደረሽን ዝካናወን ውዕል እዩ። ኮንፈደረሽን ናይ መንግስትታት፣ሕጋውነት ብመሰረት ኣታሓሳስባ፣ ርክባትን፣ኣህግራዊ፣ ዝምድናታትን ዘጥርዮን መሰረት፣ኣባል ናይ ሑቡራት ሃገራት ከም ሓደ ኣካል ምስ ዝፍለጥን ይኸዉን።ብሓጺሩ ሉኡላውያን ሃገራት ናይ ገዛእ ርእሰን መንግስቲ እና-ሃለወን ምእንቲ ናይ ሓባር ረብሓ ድማ ናይ ሓባር-ጥሙር መንግስቲ ኮቑማ እንከለዋ እዩ። ኣብ ናይ ዓለም-ለኽ ሕጊ ኮንፈደረሽን ክኣ ይምርኮሳ።

ፈደረሽን፦ሓደ መልክዕ ናይ ዝተፋላለያ ኣውራጃታት ሓቢርካ ንኹሉኻ ዝጠምር መንግስቲ እትጥቀመሉ መስርሕ እዩ። እዚ እትፈጥሮ ስርዓት ብሕገ-መንግስት ዓለም ዝፍለጥ፣ ሓጋጊ-ኣካል፣ ፈጻሚ-ኣካል፣ ፈራዲ-ኣካል፣ብመሰረት ሕጊ ፈደረሽን ዝቐዉም ኣጋባብ ክካናወን ይኽእል።

ሓጺር ዕለተ-መዝጋባት ኣብታሪኽ ዓለማት፣ክጠቕስ አፍቁድለይ፣ኣብ ዘመናት ዝጀመረ 338-37 ቅ.ል.ክ. ዝቖማ ዝነበራ ስም ጽንበራ ኢሉ ዝዋህቦ ዝነበረ ምስ ግዜ ፈደረሽን ማለትሲ ጹኑዕ ዝምድና ኣብ ነንሕድሕድካ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን መልክዑ ብዝጸንዐ ክሕዝ ጀሚሩ።እዚ ዓይነት ምዕባለ ዝተጋህደ ብፍላይ ኣብ ምቛም ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ 1787 ፈደራላዊ ቅዋም ምስ ኣቶርጎመ እዩ። ካብዚ ዝነቀለ ብፍላይ ኣብ 19 ክፍለ-ዘመን ኣብ ኤውሮጳ እውን ማዕቢሉ፡ ብ1806/13 ኮንፈደረሺን ናይ ረኖ ሲዒቡ፣ 1815-16 ኣብ ትሕቲ ስልጣን ኣውስትርያ ናይ ጀርመን ኮንፈደርሺን ዝጽዋዕ፤1848 ኮንፈደራሺን ሀልቨቲክ፣ 1867 ፈደረሽን ካናዳ፣1867 ኣርጀንቲና፣1857 መክሲኮ፣1891 ብራዚል።አብ 20 ክፍለ-ዘመን ክኣ ፈደራውውያን መንግስታት ከም ኣውስትራልያ 1901፣ ኢንዲያ 1947፣ ፈደራላዊ ሃገረ ጀርመን 1947፣ መልክዕ ፈደራላዊ ብገለወገን ክኣ ኮንፈደራል ናይ ሕቡራት ሶቭየት 1922/1991 ይሕበር።እዚ ዝኣመሰለ ዓይነታት ፈደራላዊ ይኹን ክንፈደራዊ ኣብ ዓለምና ካብ 3ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ. ጀሚሩ ስጋብ እዚ እዋና ዝተፈተነን ዝፍተንን ስለ ዝኾነ ምፍላጡ አገዳስነት ኣለዎ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ መንግስትታት በቢ ጠቕምታቶም ክዛመዱን ውዑላት ክኣትዉን ይኽእሉ እኳ እንተኾነ እቲ ውሕስነት ዝህብ ግን እተን ደሞክራሲያውያን ሃገራት ድልየት ህዝበን ብውክልነተን ሓጋጊ ኣካል፣ ካቡኡ ፈጻሚ-ኣካል፣ነጻ ዝኾነ ፈራዲ-ኣካል፣ ዘለወን ከተርጉምኦ ከለዋ ቀጻልነቱ የራጋግጽ። እዚ ስለ ዝኾነ ከም ኣፍልጦ ብዛዕባ ፈደረሽን ይኹን ኮንፈደረሽን ክህለወካ ጸገም ዘለዎ ኣይመስለንን ዝበልኩ፤ ኮይኑ ግን እዚ ኣርእስቲ እዚ ከም ትምህርቲ እንተዘይኮይኑ ምስ እዚ ኣብ ቀርኒ አፍሪቃ ብፍላይ ኣብ፣ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣልዒልካ ክትዛረበሉ እዋኑ ዘይሓለወን፣ ነቲ ተታሒዙ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ብምሉእ ሓይልኻ ኣብ ክንዲ ምድሃብ መገድኻ ከስሕትን፣ነዚ ድሮ ተራሓሒቑ ዘሎ ደምበ ፍትሒ ኣብ ዘይግዝያዊ ኣርእስቲ/ዛዕባ ክካታዕ ምግባር ኣገደስነቱ እንታይ ኣድለየ ? መን እዩ ዘልዕሎ ዘሎ ? ንምንታይ ዝዓለመ ? ኣብ ምንታይ ጠቕምን/ባይታን ዝተመርኮሰ ?እዚን ካልኦት ሕቶታት ከተልዕል ዝድርኽ አረስቲ እዩ።ብፍላይ እቶም ሊቃውንቲ ማለት ሙሁራት ኣካላት ምስ ህዝቦም ዘለዎም ርክብ፣ አብ ደምበ ፍትሒ ክግበር ዘለዎ ስራሕ አወንዚፍፕም ብስም ዋዕላ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናበሉ ከዕደሙ ከለዉ እቲ conserne ተንካፊ/አታሓሳስባ ኣብ demagogy ሸሓጢ-ፖለቲክኝነት ከውድቖም ከምዝኽ እል ይሓስብሉ-ዶ ? እዚ ስለ ዝኾነ በዚ ናይ ሙሁራት ኣካላት ዘካይድዎ ዋዕላ/ዘተ ነቲ አብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ውልቀ-ዜጋ ይኹን ውድባት ብዛዕቡኡ ክጽሕፋን ግዚኡ ዘይሓለው ክብላን ተራእየን፣ከም አብነት ብ-ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ ዝጽሓፋ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ ዝረኸብክዎ ገለ ክፋል ካብ ጹሑፉ ክደግም ኣፍቁድለይ።

ኣርእስቲ፦ ኣድላይነት ኮንፈደረችን እዋናዊ ኤርትራ ሕቶ ድዩ ወይ !

ጉዳይ ፈደረሽንን፣ኮንፈደረሽን ኣብ ኤርትራ ሕቶ ሓድሽ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ክኣ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ፍቱን መድሃኒት ዘለዎ ፕለቲካዊ ተሞክሮ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ሕጂ-ኽ እንታይ ሓዲሽ ስለ ዝተረኽበ እዩ፣ ዝብል ሕቶ ክቅድም ይኽ እል።……… ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዝተፋላለዩ ንኣሽቱን ዓበይትን፣ ምሁራትን ፖለቲክከኛታትን ብሓደ ጸግዒ ወይ ከውሊ ኮይኖም ብዛዕባ ኮንፈደረሽን ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ለይትን መዓልትን ኣብ ገጻት መራኸቢ ቡዙሃን ክዝርጉሑ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ መጀመርያ 90ታት መራሒ ምልካዊ ስራዓት ህግደፍ ብጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ብዛዕባ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ፣ ጉዳይ ከይተነጸረ ፈደረሽን ንብሎ ካልእ ዶብ ክሊቲኤን ሃገራት ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ብማለት ዝገልጾ፤

 ብተደጋጋሚ ብመጽሔት አፎይታን ሪፖርተርን ሕቶታት ቀሪቡ ተመሳሳሊ ዝሃበሉ ነበረ። ይኹን እምበር ቅድሚ እዚ ብሂል እዚ ብታሕቲ ታሕቲ፡ ማለት ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ነዊሕ ዝኸደ ጉዳይ ነበረ።ንመረዳእታ እዚ ዝስዕብ ስምማዓት ነበረ።

ሀ) 27 መስከረም 1993 ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒስተራት ቀዳማይ ፕሮቶኮላዊ ስምምዓት ዝተበጽሓሉ

ለ) 5 ታሕሳስ 1993 ክሊቲኤን መንግስታት ዝተበጽሐ ስምምዓት መግለጺ ኣውጽኣ

ሐ) 19 ሚያዝያ 1995 25 ዓናቅጽ ዝሓዘ ቀዳማይ ኣብ ኣስመራ ካልኣይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልቲኦም መራሕቲ ዝፈረምሉ ስምምዓት ተበጽሐ።እዚ ስምምዓት ነዊሕ ዝኸደ ኣብ ዝተፈልየ እዋን ገገለ ከም ጎረባብቲ ሃገራት ክህልወን ዝኽእል ስምምዓትን ምትሕግጋዝን ክኸዉን ከሎ፣ ኣብ ገገለ ሸነኻቱ ህዝባዊ ውኸሳን ሰፊሕ ኣፍልጦ ኣብ ህዝቢ ክህሉ ዝግብኦ ምንባሩ ዘይታሓትት ነበረ፤እንተኾነ እቲ ስምምዓት ካብ ግዚያውነት ሓሊፉ ብመሰረት መግለጺ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ማለት ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዘይህልወሉ ደረጃ ስምምዓት ክብጻሕ ምኹኑ ዝኣንፈተ ጽቡቕ ዲሌት ምድጋፍ ዝመሰል ኮይኑ ህዝብና ኣብ ጋዜጣታት መጽሒታትን ኢትዮጵያ እዩ ኣንቢብዎ። እተን ጋዜጣታት ከም ጦብያ፣ኣዲስ-ዘመን፣እፎይታን ሪፖርተርን እየን።እዚ ምዕብል ዝበለ ግን ከኣ ንካልኣይ ግዜ ተምሳል ኮንፈደረሽ ንዘለዎ ስምምዓት፡

ሀ) ብዘይ-ኣፍልጦን ድሌት ህዝብን ዝተፈጸመ

ለ) እዋኑ ዘይሓለወ መስርሕን

ሎሚ ተመሊሹ ከም ሓዲሽ እዚ ሕቶ እንክልዓል እንከሎ፣ ኩሉ ዘይስሕቶ ብቐዳምነት ዝመጽእ ሃለውት ህዝቢ ኤርትራ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ክኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ፣ ኣብዚ ጽንኩር ኩነታት ኣገዳስነት ኮንፈደረሽን እዋናዊ ሕቶ ኤርትራ ድዩስ ወይስ……..እናበለ ኣብ መዕጸዊ ጸገም ኤርትራ ብኮንፈደረሽን ከምዝይኮነ፡እንታይ=ደኣ መሰረታዊ መሰላት መናባባሪ ሂወትን ምዃኑ አስሚሩሉ።

ሓቂ ህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ መሰሉ ምርካብ፣ብግዝኣተ ክማሓደር፣ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ክሳገር፣ ራህዋ ቅሳነት ክረክብ፣ ዲሞክራሲ ከስፋሕፍሕ፣ንይ ገዛ ስርሑ አሳሊጡ፣ቕዋማዊ ስርዓት ተኺሉ፣ ምስ ጎራባባቱ ማዕርነታዊን ሰላማዊን ዝምድናታት ክፍጥር፣ አብ ኣፍርቃ አብነትዉን አወንታዉን ግደ ክጻወት፣ ኣብ ዓለምና ከም ደሞክራስያዊ ሃገር ግደኡ ክገብርን ብጠቕሚ ዝምስረት ዝምድናታት ከማዕብልን ኮይኑ ኑዑኡ ንምብጻሕ ቀዳምነታት ቃክሱ ይሰርዕ። ህዝቢ በቢዘለዎ ተጠርኒፉ ናይ ሓባር መስርሐ ፖለቲካን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኣለልዩ ክውደብን ነተን ድሮ ተጠርኒፈን ዝንቃሳቐሳ ውድባት ሓቢረን ክሰርሓ ከምዘለወ ህዛቢ ጸቕጢ ብምግባር ንፍትሓዊ ቃልሲ ከቃላጥፍ ይኽእል። ሓቢርካ ምቅላስ ሰረት ናይ ዓወትን ለውጥን ምዃኑ ዘይስሓት እዃ እንተኾነ ስጋብ እዛ እዋን እዚአ ዘይተበጽሐ ሽቶ እዩ። ስለዚ ክኣ እዮም እቶም ኣርካናት ወይ ሊቃውንቲ ኩሉ ኣድህብኦም/ጻዕሮም ህዝቢ ክጥርነፍን ውድባት ክኣ መኣዲ ዘተ ክኸፍታን ኢሂን ሚሂን ክባሃላን ብ-እንካን ሃባን አብ ስምምዓት ክበጽሓ ኮታ እቲ ናይ ብሓቂ ፈደረሽን አብ ደምበ ፍትሒ እዩ ዘድሊ ዘሎ። ስለዚ ካብ (demagogy politica)ሸሓጢ-ፖለቲክኝነት ወጺእና በቲ ቁኑዑን ህዝቢ ዘድልዮ መሰረታዊ መሰላቱ ዝፈልጠሉ፣ ደሞክራስን ደሞክራስነትን ዝሰርጸሉ፣ ሕግን ግዝኣተ-ሕግን ኣነጺሩ ዘለልየሉ፣ ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ቀዳምነት ዝህበሉ፣ ካብ ዲክታተርነት ናብ ግዝ ኣተ-ሕጊ ክትሳገር ክትጓዓዞ ዘለካ መርሆ ዝሕበረሉ ሃገራዊ ዕርቂ እንታይ ምዃኑ ዝንገረሉ፣ካብ ተማእዛዚ ወጺኡ ተኻባባርን ተሳታፍን ክኸውን እተብርሃሉ፣እዚኦምን ቡዝይሓት ካልኦት አርእስታት እናልዓልካ ክትምህሮ፡አብ ጕዑዞ ደሞክራስያዊ ፍትሒ ተተይ ከተብሎ፡ትጽቢትን እምነትን ስለ ዘለዎ፡ ነዚ ከም ማና ዝጸምኦ/ዝሃርፎ ብቕዓተ ሊቃውንትታትና ክይመክን/ከይብህንን ብጥንቃቐ ምውሳእ አገዳስን ኣድላይን እዩ እሞ ለበዋ ህዝብኹም ክትሰምዑ የማሕጽን።

ሕጂ እውን እንተኾነ፣ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

አብ ዝመጽእ የራኽበና

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top