Main Menu

ላሕኵ መልእኽቲ ይኣክል ንውሽጢ ሃገር ኤርትራን፡ ኣድማዕነቱን!

       ላሕኵ መልእኽቲ ይኣክል ንውሽጢ ሃገር ኤርትራን፡ ኣድማዕነቱን!

ካብ ወርሒ መጋቢት 2019 ጀሚሩ ብነጻ ድሌትን ተበግሶን ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ካብ በይቶም፡ ስርሖም፡ ኣብ መገሻ ኮይኖም ንዝተጸንበርዎን ዝሓበርዎን ጸውዒት ይኣክል፡ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተቀባልነት ረኺቡ ከም ሮማዲ ከስፋሕፍሕ ተራእዩስ፡ ንስውር መደባት ድሕረ ባይታ መራሒ ጃንዳ ህግዲፍ ሃንደበት ዝጎስዓሉ፡ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ሓምለ 2018 ዝተቃወመን ዘቃልዐን ምንባሩ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ዝጸንሐ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን እከይ ተግባራት ሓሊፉ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣደራሽ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ህዝባና ብዘይተጸበዮ ዘይንቡር ውዕላንትን መደረ ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት ተስፋን ትጽቢትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገባብን ኣህጉራዊ ውዕላት፡ ሽምግልናን ሕጋውነትን ህዝባዊ ተሳትፎን ውከሳን ዘየማልእ ብምንባሩ፡ ሰፊሕ ህዝቢ ዘቆጠዐ ግን ከኣ ብንቅሓት ዘስተውዓለሉን መጻኢ ጉዳይ ኤርትራ፡ ኣፈርክቡ ዝዓሰሎን ዝተሰማማዓሉን ሃገራዊ ታሪኻዊ ጭርሖ ይኣኽል ኣበየ ኩርናዕ ዓለም ንዝርከብ ኤርትራዊ ተሰሚዑ በጽሐን ተደገፈን። ህዝቢ ተስፋ ሰዅዑ ሓበረን ቀጻልነት ቃልሱ ኣረጋገጸ። ተኣኪቡ ዘተየ፡ መደብ ሓንጸጸ፡ ሓላፍነት ወሰደን።

መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ብግዳማዊ ትርኢቱ ፕሮፓጋንዳዊ ትሕዝትኡ ካብ’ቲ ዝነበረ ኣይሰላም-ኣይኵናት ድነ ዝወጸ እንተመሰለ፡ ኣብ ዝቀጸለ መስርሕ ሰላም ንዝምልከት ግን ክልተ ዝተፈላየ ኣተሓሕዛ፡ ክልተ ዝተፈላልየ ረብሓታት፡ ክልተ ዝተፈላልየ ፖለቲካዊ ኣቅዋማት ዝምድና ወይ political relation policy ዘይምዕሩይ ብምንባሩ፡ ነቲ ኣብ ኣደራሽ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ መደረ ዘንጸባርቕ ምንባሩ ኤርትራውያን ይትረፉስ ዓለም ዝሰደመመ ምንባሩ’ዩ።

ህዝብና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ይኣክል ክብል ዘልዓሎ ጭርሖን ጸዋዒትን፡ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ንረብሓ ህዝቢ ዘይኮነስ፡ ንመናውሒ ስልጣን ህግዲፍ ሓደ ሸነኽ፡ ህግዲፍ ካብ ዝነበሮ ኣህጉራዊ ተንጽሎ ንምድሓን ተገዲዱ ዝኣተዎ መስርሕ ምንባሩ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ዝቀሰሞ ተሞክሮን ኣፍልጦ ጌጋ ተረደኦ ኣይነበረን፡ እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ቅልጡፍ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክከላኸል ዝተወቕዐ ነጋሪት፡ መርበብ ጻዋዒት ይኣክል ዓብይ ግደ ነይርዎ። ህዝቢ ኣብ ክሊ ጸዋዒት ይኣክል ዓሲሉ ካብኡ ዝድለ ዘበለ ኩሉ ብምቅራብ ተዓጢቁ ንሓድነቱ፡ ንክብሪ ሃገሩን መሰሉን ከሳሲ ድልውነቱ ኣርኣየ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዘይመልእ ዓብይ ዓወት ዘምዝገበ ተበግሶ ይኣክል ንተራ ዜጋታት ኤርትራ፡ መሰሎም ክብሮም ንምምላስ፡ ኣብ ሃገሮም ህዝቦምን ዘለዎም ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘለዎም ግደ ብተሳትፍኦም ዝረጋገጽ ምዃኑ ሽማግለ መንእሰያት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ቀሺ ሼኽ፡ ኣቦታት ኣደታት፡ ነባራት ተጋደልቲ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ተራኸቡ። መቕረት ሃገራዊ ሰኒት ከኣ ኣስተማቐርዎ። ንቃልሲ ተዓዳደሙ ተተባብዑን።

ኣብ’ዚ ሓድነት ደላይ ፍትሒ ብቅልጡፍ ናህሪ ክስጉም እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ብግፍዒ ዝዳሃኽ ዘሎ ህዝብና ተስፋ ሰዅዑ ዝላሓዀ ጸዋዒት ይኣክል ኣብ ኣስመራን ንእስቱ ከተማታት ኤርትራ ክቃላሕ ጀመረ።

ኣብ ወጻኢ ብዛዕባ ”ይኣክል” ዝበሃልን ዝዝረብን ፍልስፍናታት ዘየድሊ ሓተታታ ንጎኒ ገዲፍካ፡ ንዝሓለፈ ዓመታት ንደምበ ተቃውሞ ህዝቢ ንምጥርናፍ እሸጊርዎ ዝነበረ ሎሚ ሃገር ንምድሓን ዝካየድ ዘሎ ምትእኽኻባት መቀጸልታ ዘካየዶ ዘይሕለል ቃልስታቱ ኮይኑ ዝረከበሉ ዘሎ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ተስፋ ዝዘርአ ተሞክሮታት ምሕያሉ መርሆ ዘተን ምርድዳእን ብዘለዎ ኣገባብ ኣሕይልካ ምቅጻል’ዩ።እዚ ህዝባዊ ናዕቢ ”ይኣክል” ንዝተንከፎ ወይ ንዘተጻረሮ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበር ክሳብ ዘየለ ከኣ ኩሉ ኣብ’ዚ ህዝባዊ ጸዋዒት ይኣክል ዓሲሉ ዓቕሙን ግደኡን ከብርክት ይግባእ ይብል ሰዲህኤ።

ሎሚ ህዝብና ብዝረኸቦ ተስፋ ስኒት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘርኣዮ ግሁድን ሚስጢራውን ተቃውሞታት፡ ንሜላን ፖሊሲን ጸጥታዊ ኣካይዳ መላኺ ስርዓት ከም ነፋሒቶ ክቀያየር ገይርዎ ኣሎ። ከይዱ ከይዱ ከኣ ተጠሊዑ ንደምበ ተቃውሞ ዝተኣመነሉ መድረኽ ኣብጺሕዎ ይርከብ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ልዕሊ ወነንቲ ብሕታዊ ንግዲ ብዛዕባ ዘካይድዎ ስርሓት ከይገብሩ፡ ኣብ ውሽጢ ስርሓቶም ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ንመላኺ ስርዓት ዝቃወም ጽሑፍ ይኹን መልእኽቲ ምስ ዝርከብ ንግዲ ፍቃዶም ክሳብ ምስሓብ ክቆጻጸሮ ዘይክእል ህዝባዊ ተቃውሞ ንምግታእ ዘይተኣደነ መቕጻዕቲ ብምብያን ተወሳኺ ራዕዲ ይፈጥር ምህላዉ’ዩ። መልእክቲ ”ይኣክል” ከኣ ውሽጣዊ ጸጥታዊ ፖሊሲ ህግዲፍ ክቀያየርን፡ ኣብ ሰዓብቱ በዳሂ ሕቶታት ክቀርብ ገይሩ ኣሎ። ቀዳማይ ኣገዳሲ መድረኽ ኣድማዕነት ጸዋዒት ይኣክል ከኣ እዚ ዝተጠቕሰ ዶ ኾን ይኸውን? ዝብል ህዝቢ ገምጋም ፍርዱ ከንብረሉ ዘለዎ’ዩ።

” በትሪ ሓቂ ትቐጥን’ምበር ኣይትስበርን” ከም ዝበሃል፡ እቲ ሓቂ ምስ መን ከም ዘሎ ሎሚ ግዜ እንዳቐልዖን እንዳብርሆን ስለ ዝመጸ ተወሳኺ ሓተታን መብርህን ዘድልውዮ ኣይኮነን። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ህዝብና ሓቕነቱ ጨቢጡ ይንዋሕ ይሕጸር ንሓባራዊ ሃገራዊ ረብሕኡ ከዕውት እምነት ስለ ዘንበረ ተጠርኒፉ ክቃለስ፡ ብዛዕባ ስኒቱን ሓባራዊ ስርሓቱን ምትሕግጋዙን ኣብ ምዝታይ ይርከብ ኣሎ።

ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ስሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዓባይ ብርጣኒያ፡ ስዊዝ፡ ሽወደን፡ ጀርመን፡ ኖርወይ፡ ጣልያን ወዘተ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባታት ከም ዓብይ ኣብነታዊ ምስክርነት ክወሰድን ክድገፍን ይግባእ። ኣብ ስርሓት ዝተዋፈረ ከኣ ጌጋታት ክፍጽም ስለ ዝኽእል፡ ብእሩም መንገድን ኣገባብን፡ ሓላፍነት ሓልዮትን ብዘለዎ ኣገባብ ንምዕራይ፡ ገምጋማትን መጽናዕትን ክድገፍ ዘለዎ ህዝባዊ ኣሰራርሓ’ዩ።

ከም’ቲ ጀምሪዎ ዘሎ ከኣ ለውጢ ብውሽጢ ዶ ብወጻኢ ይመጽእ ዝበሃል ዝነበረ ክትዓትን ኣተሓሳስባን ዝሰዓረ፡ ኣይ ብውሽጢ ኣይ ብወጻኢ እንታይ ደኣ ክብልቲኡ ሸነኽ ዝተኣሳሰረ፡ ምትእምማንን ተስፋን ዘመሓላልፍ ዝተወሃሃደ ቅኒት፡ ዝተኣሳስረ ስሙር መኸዳ ሓደ ዓውዲ ምዃኑ ዝተረኣየን ዝተበሰረን ቃና ቅኑዕ ሃገራዊነት ተርእዮ’ዩ። ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ሕጹያት ሃገራዊ ኣገልግሎት 2019 ዝተራእየ ተቃውሞ ፍልይ ዘብሎ ኩነታት ምህላዉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ብድምጺ፡ ብስእሊ፡ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተዘርግሐ ውሑድ ዘይምዃኑ መልሲ ላሕኵ መልእክቲ ”ይኣክል” ካብ ኣስመራን ንኣሽቱ ከተማታት ኤርትራን’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

10 ነሓሰ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *