skip to Main Content
Menu
መግለጺ ሓዘን

መግለጺ ሓዘን

                                                                                                                               መግለጺ ሓዘን

                                                                                                              ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር

ሞት ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ብቀረባ ንስድራ ቤትን ቤተ ሰብ መዋቲ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓፈሻ ከም ኣቦን ኣብ ቃልሲ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ዝኽሪ ኩሉ ኤርትራዊ ዘይሃስስ ተርኽቦ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣኽሪያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላሚያ ዘቅረብዎ መደረ ሓደ ሸነኽ፡ ንዘተን ምርድዳእን ዝነበሮም ቅሩብነት በቲ ካልእይ ሸነኽ ብሞት ካባና ብምፍላዮም ዓብይ ክሳራ እዩ።

 ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ክዛረበሉን ክጽሕፈሉን ዝግባእ ክብሩን መሰሉን እኳ እንተኾነ ብሰንኪ ዘይፍትሓውን ዘይሰብኣውን ኣተሓሕዛ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣፉ ተዓቢሱ ኣብ‘ዚ ሎሚ ዝርከቦ ደረጃ በጺሑ፡ ብዕድመ ዝሸምገሉ መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ኣቦታት፡ ኣደታት፡ ፖለቲካውያን መራሕቲ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ብዘይን ንቡር ኣገባብ ይሞቱ ይጠፍኡን ምህላዎም ድርብ ሓዘን እዩ።

ሰዲህኤ ንመዋቲ ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡ ንመላእ ስድራ ቤትን፡ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብ ይብል።

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top