Main Menu

ምልኪ ብሓደ ዓይኒ-ዶ ወይስ ብሓደ ወገን

                          ምልኪ ብሓደ ዓይኒ-ዶ ወይስ ብሓደ ወገን

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ-ሳያታት፣ አቐዲመ ንኩለን ነተን ነጻ ኮይነን ሓሳብን ሓበረታን ብማዕረ ብዘይ ኣፋላያይ ኣብ ናተን ወይብ-ሳይት ዘአንግዳ ምስጋናይ የቕርብ። ሓሳባት ክናጻጸሩን ብጹሑፍ ዘተ ከካይዱን ባይታ ምርድዳእ ምፍጣር፣ ናይ ዲሞክራስን ናጽነት ሓሳብን ኣብነት ይኾና ስለ ዘለዋ፣ በዚ ሒዘንኦ ዘለዋ ኣጋባብ ጉዕዘኤን ክቕጽላ ልባዊ ምሕጸንታይን ለባዋይን የቕርበለን። ምኽንያቱ ብዝሓ መረኻቢ ቡዙሃን ናጻ ፕረስን ናይ ዲሞክራሲ መስርሕ ስለ ዝኾነ።

ኩቡራት የሕዋት ኣነ እውን ከም ኩሉ ኤርትራዊ ተኻታተሊ ወይብ-ሳይታት፣ ኣገደስቲ ኣርእስትታትን ወረን ሃሰስ ካብ ምባል ኣየዕርፍን፤ኮይኑ ግን ዝበዝሐ  ወረ ይኹን ጹሑፍ ነዚ ዘለናዮ ሃውህው ፖለቲካ፣ብቱኩር ዝመሚን ንዝመጽእ ብቡሩህ ዝሕብርን፣ ድሕረ ምውዳቕ ውልቀ መላኺ ክካየድ ዘለዎ ናይ ምስግጋር ግዜን፣ግዚያዊ ሃገራዊ ባይቶ ምትካልን  ክካናወን ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ኣጋባባትን፣ግዝኣተ ሕግን፣አነጺሩ መሃሪን ፖለቲካዊ ትንታነታትን ብብዝሒ ኣይርኤን እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝርሓቕኩ አይመስለንን።ዝበዝሐ ጹሑፋትና ነዚ 26 ዓመት ብደረቕን ዝኸፌ ኣጋባብ ዲክታተራዊ ስርዓተ ኢሳያስ ንምልላዩን ብእኡ ክትዛረብን ግብርታቱ ክትገልጽን ዝበዝሐ ግዜ ተሕልፎ እንተ ደኣ ኾንካ፣ እቲ ክህነጽ ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ባህርያትን፣ ስልጣን ናይ ህዝቢ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፣ ዝብል ስነ ሓሳብን ክጓዓዝ ዘለዎ መርሆ መዓስ እዩ ዝጅመር ዝብል ወኸሳ ይርኣየኒ።

ብ-ዕለት 02-04-2018 ብሓልዮት ዲሞክራሲያዊ ግንባር ሓርንነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ዝተጻሕፈ ««ፖለቲካዊ ድሕረት፡ መሰረት ፖለቲካዊ ነብሰ ቕትለት » ዝብል ጹሑፍ ምስ ኣንበብኩ ትሕዝቶ- ጹሑፍ ከም ኣቃራርብኡን ኣቃራርባ ኣረፍተ-ነገር ክንእዶ ከለኹ፣ ቀልጢፉ ዝመጸኒ ሓሳበ-መለሳ፣ ድሕረ ውድቀት ስርዓተ ጃንዳ ህግደፍ እንታይ ዓይነት ስርዓትን ህንጻ-መንግስት ?ብኸመይ መልክዕ እዚ ዲክታተር ካብ ሱሩ ይብርቆቕ ?እንታይ ዓይነት ምቅርራብ ይግበር ኣሎ ? ካብ ኩሉ ክኣ እዚ ባህርያት ምልኪ ኣብ እዘን ንፍትሕን ዲሞክራስን ተወዲበን ንቃለስ ዝብላ ውድባት፣ ነጻ ዲየን ? ከም ባህርያት ዲክታአተራውነት ዓብዩ-ኒኢሱ ኣብ ኩሉ ዘሎን ዝዝምቢን-ዶ ኣይኮነን ? ዝብል ወኸሳ መጺኡኒ፤ ምኽንያቱ አብቲ ጹሑፍ ነዚ ሕቶይ ዝምልስ ስለ ዘይረኸብኩሉ። እዚ ጹሑፍ ክጅምር ከሎ ብዛዕባ ምሳኻ ዘሎ ይኹን ካባኻ ፍንትት ኢሉ ዝነብር ሰብ ወይ ህዝቢ፡ ኣብ ዘራኽበካ ጉዳይ ዝስማዐ ካነገር ክትብል፡ ክትባሃል ፡ ክትብሃሃል ነውሪ ኣይኮነን። ንጹቡቕ ስራሕ ከተሞግስ ከታባባዕ፣ ጌጋ ኮይኑ ንዝርኣየካ ይሓይሽ ትብሎ ምኽሪ ከተካፍል፣ ካልእ ዱጉል ኣጀንዳ ዘሎዎ እንተ ዘይኮይኑ፣ ብእሩም ኣጋባብ ክትነቅፍ ሕማቕ ኣይኮነን። እዚ ኣረፍተ ነገር እዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘለዋ ውድባት ይጥቀማሉን ይትርጉሞኦን ዲየን ?ብወገነ ላእ ይብል፣ ምኽንያቱስ እዚ እንርእን እንነብሮን ዘለና ህሞት እንዲዩ። ከም ሓሳብ ነቲ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ዘሪኢ ዘይኮነስ ንደምበ ፍትሒ እውን ዘመልክት እዩ።እቲ ብመሰረቱ ካብ ውሽጥና ክጠፍእ ዘለዎ ባህርያት ዲክታተርነት ምዃኑ ስለ ንርስዖ ኮይኑ ይስማዓኒ፣እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣንነት ዝተጠቃዕናን ንሰብነትና ዲሞክራስያውያን ኢና ኢልና ስለ ነጠምቓን እዩ። ከም ኣብነት ናይ ጥዕና ፈላጣት ከም ዝሕብርዎ፣ደቂ-ሰባት ብዝተፋላለዩ ሕማማት ክሳቐዩ ይኽእሉ፡ ንስቃያቶም ንምድሓን ሕማማቶም ንምሕዋይ ዝተፋላለዩ ኣፋውስ ይምህዙ።ንምሳሌ ሓደ ካብቲ ዝኸፍኤ ሕማም ሞንሽሮ ልክዕ ከም-ዚ ዲክታተር ስርዓት እሞ ንውሰድ፤ ንሕማም ሞንሽሮ ሓካይም ክገልጽዋ ኸለዉ አብ ክልተ ይመቕልዎ፣ ሓደ malignant ሰራም ዘይምሕር ተባዝሕን  benign ዘይድግስ ዘይባዛሕን፣ኮይኖም ካብ ስድራ ዝዋራረስስን፡ደቂ ሰባት ብሰንኪ-ዝማሃዝዎ ካብ ፋብሪካታት ዝወጽእ ትክን ሓተላን፣ ዝጥቀምሉ ሃላኺ ነገርን፣ናይ ሽጋራ አመልን፣ኢዚኦምን ከምኡ ዘአመሉ ኣብ አካላትካ ብምስራጽ፣ዘመጽእዎ ሕማም ምዃኑ ይሕበሩ።ንኽትሓዊ እታ ቀዳመይቲ ምኽሪ ኣቐዲምካ ናብ ሓኪም መርመራ ምግባር፣ ኣመል ሽጋራ ምግዳፍ፣ነተ እትተኽለን ፋብሪካታት፣እቲ ዝውጽእኦ ትክታት ይኹን ዝፍጠርኦ ሓተላት ዘይጓዳእ ክኾኖሉ ዝኽእል መጽናዕታት ምስተገብረ ጥራይ ምትካለ እቲ ዝምረጽ አጋባብ ይብሉ። እዚ አጋብባ ዘይኽተል ቑጠባ ቕድሚ ጥዕና ስለ ዝሰርዕ፡ተኸሳሲን ጉድኣተ ሕብረተሰብ ዘምጽእ ብምዃኑ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከተቕርቦ ኡን ይካኣል። ነዚ አብነት ዝጠቐስኩ፣ ሓኪም ወይ ናይ ጥዕና ተማራማራይ ዘይኮንኩስ፣ከም ተራ ዘጋ ዲክታተርነት ከም መንሽሮ ስለ ዝበልዓካን ዝቐትለካን ብምባል እየ፤ስለዚ ይቕረታ ነቶም ናይ ስነ-ጥዕና ባይታ ትዋስኡ፣ ኢቲ ሰራም-ተባዝሓይ መንሽሮ እቲ ዝኸፍኤ ዘይምሕርን ከተጥፍኦ ብጣዕሚ አጸጋሚን፣ኣብ ዝነውሐ እዋን ዝቐትልካ እውን እዩ፤ እዚ ሕማም እዚ ክኣ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘሎ ገይረ ዝግምቶ፤ምኽንያቱ ተዘርጋሒ ስለ ዝኮነ፡ ከተሕውዮ እትኽእለሉ ኣቐዲምካ ፈሊጥካዮ ካብ ስሩ ምስ ትብንቁሶ እዩ፡፤ በዚ እየ ክኣ አብ ሰውነትና ዘሎ ሕማመ ዲክታተርነት ገና ኸሎ ንፈውሶ ዝብል ዘለኹ። እቲ ካልኣይ መንሽሮ ዘይድግስ፣ ከም ዲክታተረዋኢ ስርዓተ ኢሳያስ እንተ ወሲድናዮ፣ካብ ሱሩ ቦንቊርና ምስ ኣውጻእናዮ፣ እቲ ዘዲሊ ዲሞክራስያዊን ፣ንምትካል ቁሩባትን፣ ነብሰ ፈወሳን፣ ጌርና እንተ ጸኒሕና እንደገና ክስዕርር አይክእልን ዝብል ራኢን ስሚዒትን እዩ ዘለኒ። አንበብቲ -ክ እንታይ ትብሉ።ካብዚ ነቒለ እየ እቲ ትንታነ ፖለቲካዊ ድሕርነት፡መሰረት ፖለቲካው ነብሰ-ቅትለት ዝብል ዋላ እኳ ነቲ ስርዓተ ጃንዳ ህግደፍ ዘተኮረን ዘለሊን ኣጻሓሕፋ ይኹን እምበር እተን ኣርባዕተ ነቑጣታት፡ 1)ውሽጥኻ ናይ ዘምርኣይ ቀዳማይ ሕማም ዘመልክት፣ኢሉ …. ዝተፋላለየ ሕቶታትን መወከስን ዝተንተኖ ከም፤ነዚ-ዲና ደቅና ገቢርና ?ነዚ-ዲና ተጋዲልና ?…ነዚ-ዲና ገንዘብናን ሂወትናን ከፊልና ?..ወዘተ ክብል ብምቕጻል፣ ክመጽእ ዘይነበሮ ሕቶ ኣልዒሎም ከስተማስሉ ዝተገደድሉ መድረኽ ኮይኑ ሓሊፉ። ገና እውን ኸምኡ ኢሉ ይቕጽል ኣሎ። ዝብል ጹሑፍ ብወገነይ ናብ ደምበ ፍትሒ ብምጥማጥ፣ፋሕ ዝበለ ውዳበ ምህላዉን ሓቢርካ ክትሰርሕ ዘይምኽአልን ዕንቅፋት ቃልሲ ምዃን ይርዳእ-ዶ ይኸዉን ?ድሕሪ ናይ ናጽነት ናይ ሓርነት ቅልሲ ከምዘሎ ዝባሃል ዝነበረ አብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣበይ ኣበለ ?በየናይ መልክዕ ክካየድ ዝብል ሕቶ ነቶም ብሽም ፍትሕን-ዲሞክራስን ንቃለስ እንብል ኣይርእይን-ድዩ ? ኩሉ እቲ ህዝብና በዚ ገፋዒ ጉጅለ ህግደፍ ዝገጥሞ ዘሎ ዘስካሕክሕ መቕጻዕቲ መግረፍቲ በደላት ገበን ቁኑዕ ኮይኑ፣ ንኽግታእን ካብዚ ጸገማት ክናገፍን-ክድሕንን ዘይምኽኣልናስ ታሪኻዊ ጉድለትን ሓላፍነትን ይብልናን-ዶ ንብል ? ብዝዋሓደ ሓቢርካ ዘይምስራሕን አብ ህዝቢ ተኣማምነት ከነጥሪ ዘይምኽኣልን ጉድለትና ክንእርም ዘይምኽኣልን ይርድኣና-ዶ እዩ ?እዚኦምን ካልክኦትን ሕቶታት መሊስና፣ጉዳይና ጉዳይ ህዝቢ ምዃኑ ተሪዲእና፣አብ ስራሕ ክንጽመድ እቲ ዝሓሸ ኮይኑ ይስማዓኒ።ብወገን ኣንበብቲ-ከ እንታይ ትብሉ።

ካብ ጽሑፍኩም ብምጥቃስ፣ እዚ ህዝባዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕማም እዩ፡ ካብ ቀዳምነት ቀዳምነት ቱኩርነት ተዋሂብዎም ክፍወስ ዝግብኦ ድማ እዩ። ዝብል ንኹላትና ንደምበ ፍትሒ እዉን ዘመክት ኮይኑ 100% ዝቕበሎ ሓሳብ እዩ።

2) ናይ ካልኦት ስቓይን ምብትናንን ክትርኢ ዘመኒ ካልኣይ ሕማም ዝምልከት፣ ህዝብታት ኤርትራ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፋ፣ እምቢ ነወጽዓ ንመግዛእቲ ዘመለለይኦም ህዝብታት እዮም… ፖለትካዊ ጭኮናንን ንሱ ዝወለዶ ስቕይን ምብትታንን ክሳብ ክንደይ መሪር ምዃኑን ብእዝኒ ጽሮት፣ ብዛንታን ወረቐትን ዘይኮነ ብተግባር ዝፍልጡ ህዝብታት ብምዃኖ፡ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓመጽ ክፍጸሞ ክፍጸም ህዝብታት ደም ክፍሰሱን ክባታተኑን ኣይምነዩን።…ነዚ ባህልን ልምድን ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ፣ ዜጋታት ነፊጾም ዝወጽሉ፣ ዕለታዊ ህይወት ሰብ ዝበልዕ ካብ ቤቱ ኣጒድዎ ዘሎ ባርዕ… ወዘተ ልክዕ መለለይ ስርዓተ ኣስማራ ክኸዉን ከሎ፡ብወገን ኣብ ድያስፖራ ንፍትሒ ንቃለስ ዝብሉ፣ልክዕ ዕድመ ናይቲ ስርዓተ ኣስማራ ዘለዉኸ እንታይ ንመተካእታ ዝኸዉን ባይታ ኣጣጢሑ ? ነቶም ነቲ ሲርዓት ጠንጢኖም ናብ ደምበ ፍትሒ ዝሕወሱ ብኸመይ ይቕበሎም ? ካብኡ ሓሊፉ እቲ ጹሑፍ፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጥን ዲሞክራስያዊ-ቓልስን፣ ክትንትን ከሎ ብዓይኒ ፍትሓውን ዲምክራስያዉን ባእታ ካብ ምዃን ሓሊፉ ጸግዓዊ ናይቲ ቃልሲን፣ተውሳኣይ፣ ዝመስል ኣቃራርባ ኾይኑ ተሰሚዑኒ፡ኣብ ጎረባብትና ዝካየድ ለውጥታት ብኣትክሮ ምጥማትን ፍትሒ ክዝውተር ክትርኢ ከለካ ምንኣድን፣ቁዱስ ቅንኢ ክሓድረካ ባህርያዊ እኳ እንተኮነ ብፍላይ ኣብ ኢትዪጱያ ዝግበር ለውጥታት ምስቲ ዝነበርን ዘሎን ኩነት አብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት፡ብምስትብሃል፣ብጥንቃቐ ክትዋሳእን ንህዝብኻ ከራሓሕቕ ዝኽእል ስነ-ራኢ ከይህሉን፣ከም ተኣፋፍነቱ ቃላትን ርእሰ-ሞግትን ምምራጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ይርኣየኒ። እዚ ኾይኑ ከም ባህሪ ግን ኣብ ደምበ ፍትሒ ምዕባለን ለውጥን ከም ዘዲሊ ብኣና ተጀሚሩ ናብ ህዝብና ክልሑኽ ዓዳሚ ይርእዮ።

3)ዘይተባህለ ተባሂሉ ኢልካ ምንብድባድ ሕማም ዝምልከት፦….እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እዉን እንተኾነ ነቲ ሕሱሩን ዉዱቑን ፖለቲካዊ ዘመተ ብውልቀ መላኺ ኣስመራ ዝነፍሖ ፖለቲካዊ ጸለመ፣ ክትገልጽ ክትብል ክትብል፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ሕቶ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን መጺኡ ዘሎ ስርዓት ዝሃቦ መልሲ፣ ኣብ ቅዋም ዝተሞርኮሰ ክብል ናእዳ ዝተሓዎሶ ከም ምክልኻል ንስርዓተ ኢትዮጱያ ዘርኢ ስነ-ሞጎት ዝቐረበ ኮይኑ ይርኣየኒ፤ ኩሉ ኣብ ጎራባብትና ዝካየድ ቃልስን ዘስዕቦ ለውጥን ብቐረባ ምክትታልን፡ምዕበለታቱ ጸላዊ ክኸዉን ከም ዝኽእል ብምርዳእ፣ብኣትክሮን ብጥንቃቐን ምሕባርን ኣገዳሲ እኳ እነተኾነ ፡ ከም ተኣፋፍነቱ ንህዝብኻ መቓቓሊን፣ ንዓኻ እውን ኣብ ክንዲ ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ፣ ድሮ ምስ ናይ ጎረበት ሃገር ጽግዒ ፖለቲካዊ ዘመተ ተካይድ ከም ዘለኻ ገይሩ ከርእየካ/ከገምተካ ስለ ዝኽእል ብርግኣትን ዓቕሚ ፖለቲካዊ ትንታነ ዝተሓዎሶ ኮንካ ምቕራብ ተመራጺ እዩ ይብል። ብዛዕባ ፈደራላዊ ህንጻ መንግስቲ ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ክህልወና ይግባእ ምበልኩ ኣነ። ስለምንታይሲ (FEDERATION) ፈደረሽን፣ ንገዛእ-ርእሱ ናይ ምጽንባር ተግባር ወይ ኩነት ኮይኑ፤ብድልየትካ እትሃንጾ ሓድነትን፣ ዘኣተኻዮ ፖለቲካዊ ዉዑላት፣ናይ ሓብር-ባይቶ ዘቖምካዮን፣እንተ-ዝይማእማኣካ ክፍንጣሕ ዝብል ራኢ/ቅድመ ኩነት ወይ ዓንቀጽ ከተስፍር ንዓይ ቁኑዕ ኮይኑ አይራኣየኒን፣ ኮይኑ ኣብ ቡዙሓት ሃገራት ብፈደራላዊ ህንጻ መንግስቲ ዝማሓደራ ከምዚ ናይ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 39 ኣይረኣኹን። ስለዚ እየ ኣቐዲምካ መጽናዕቲ ከድልየና ከም ተካላልኸልቲ ኮይና ከይንርኤን ብዝያዳ ኣብ ዘየዲሊ ክትዓት ኸይንኣቱን፣ኣብ ክንዲ ጉዳይና ምግባር አብ ጉዳይ ናይ ካልኦት ሃገራት ክንማጎትን ጣልቃ ከይንኣቱን ዝተሰከፍኩ።ክትጽሕፍ ከለኻ ባህርያትን፣ ባህልን፣ ድልየትን ህዝብኻ፣ ብቕድም ምጽናዕን-ኣብ ክንዲ ዘራሓሕቕ ዘቃራርብ ባእታ፣ ኮንካ ክትዋሳእ ዝምረጽ ዝብል።  እዚ ኾይኑ እቲ ጹሑፍ ግን ንዓይን ከማይ ዘመሰሉ ብተገዳስነት ዝካታተሉ ካልእ ይትረፍ ከታሓሳስበኒን ምሳኹም ከዛትየንን ምኽኣሉ አገዳስነቱ ከይሓበርኩ ክሓልፍ አይመርጽን፣ ብቐጻሊ ዘዛትን ስነሓሳባዉን ክትጽሕፉ እንደገና ይዕድም።

ሕጂ እውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

ኣብ ዝመጽእ የራኽበና






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *