Main Menu

ምስረታ ሓድሽ ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ ውድብ ጋዜጣዊ መግለጺ

መሰጋገሪ ኣወሃሃዲት መሪሕነት (መኣመ)

 ጋዜጣዊ መግለጺ

ምስረታ ሓድሽ ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ ውድብ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራሰ.ዲ.ህ.ኤ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንፍትሒ ኤ.ም.ንፍትሒ

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተመድረኽ

እቲ መስራቲ ጉባኤ ሓድሽን ሰፍሕን መሰረት ዘለዎ፣ ብጥምረት ናይዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ውድባት ዝምስረት ሃገራዊ  ፖሎቲካዊ ውድብ ካብ ዕለት 23 ክሳብ 25 ነሓሰ 2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን ክካየድ ምዃኑ መሰጋገሪኣወሃሃዲት መሪሕነት ንህዝቢ ኤርትራ ብሓጎስ ትገልጽ።

ሓሳብ ናይዚ መስራቲ ጉባኤ እዚ ድሕሪ እቲ ተባዕን ታሪኻውን ውሳነ መሪነታት ናይ ሰለስቲኡ ውድባት ዝተበጽሐ እዩ። እዚ ድማ መሪሕነታት ናይተን ውድባት፣  ውድባቶም ኣብ ሓደ ውድብ ተጠሚረን ኣብ ሰፍሕ መሰረት ዝሙርከስ ሓድሽን ኣድአማዕን ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ውድብ ንምፍጣር ዝዕለመ ነበረ ። ውሳነ ምምስራት ሓደ እዝዩ ሓያልን ንጹር ሃገራዊ መደባት ዘለዎን ኣብ ምድንፋዕን ምሕያልን ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንደክታቶራዊ ሰርዓት ኣውዲቁ ብቅዋማዊ ድሞክራሳዊ ስርዓት ንምትካእ ዘካይዶ ዘሎ ናይ 28 ዓመታት ቃልሲ ግሁድን ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ዝኽእል ውድብ ንጽብራቕ ናይ ሓባር ረኢቶን ሓያል እምነትን ናይቶም ኣባላትእዩ ኔሩ ። ከምኡ ውን እቲ ውሳነ ወጽኢት ናይቲ ንኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ መሪሕነታት ናይተን ሰለስተ ውድባት ብድሕሪ ዕጹው ማዕጾ ዝተኻየደ ዘተን ክትዕን፣ ናይ መወዳእታ ውሳነ ብኣባላት ነፍስ ወከፍ ውድብ እዩ።

ንኣሳልጦን ልስሉስ ምስልሳል መስርሕ ውህደት ናይዘን ሰለስተ ውድባትን እምኒ መሰረት ናይቲ ዝምስረት ሓድሽ ውድብ ምንባርን፣ ብርክት ዘበላ  ኮሚተታት  ወጺአን። ንሰን ከኣ መሰጋገሪ ኣዋሃሃዲት መሪሕነት፣ ሓባራዊት ተክኒካዊት ኮሚቴ፣  ሓላፍነት ምድላውን  ምስንዳእን  መስራቲ ጉባኤዝተዋሃባ  ሓጻይት ኮሚቴ እየን።

ካብ ዝምስራታ ጀሚረን እዘን ኮሚቴታት እዘን ብቀረባ እና ተመያየጣ ንጥፈታተን እና ኣዋሃሃዳ ኣብርቲዓን ስለ ዝሰርሓ  ሓባራዊ ውጺኢት ጻዕረን ድማ እኖሆ ነቲ ኩሉ ኣድላይን መሰረታውን ዝኾነ መስርሕ ምስንዳእ መስራቲ ጉባኤን ምውንጫፍ ሓድሽ ውድብን ብዓወት ተዛዚሙ ይርከብ።

ኣብተን ሰለተ መዓልታት ጉባኤ፣ ተሳተፍቲ መስራቲ ጉባኤ ብዛዕባ ምምሕያሽን ምጽዳቕን እቲ መሰረትዊ ንድፊ  ሰነድ ናይቲ ሓድሽ ውድብ ክዛተዮን ብድሞክራሳዊ ኣገባብ መሪሕነት ክመርጹን እዮም።   ናይ ሓባር ዕላማ ኣብ ሞንጎ ዲሞክራሳውያን ሓይሊታት ኤርትራ እቲ እንኮ ጎደና ዓውትና ምዃኑ መሰረታዊ እምነትና ስለ ዝኾነ እቲ ዝምስረትዘሎ ሓድሽ ውድብ ‘ውን ምስ ኩሎም ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከቡ ኤርትራውያን ክታሕባበርን ብሓብር ክሰርሕን ምዃኑ ንገልጽ።

መሰጋገሪ ኣወሃሃዲት መሪሕነት

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!!

25 ሓምለ 2019






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *