Main Menu

ሰላምን ውህደትን

ሰላምን ውህደትን

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

መእተዊ

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፤ ሰላምን ውህደትን ካብ መዋእል ኣትሒዘን ከም(ርእሰ-ነገር)ቃልን፣ ሂወት ወዲ-ሰብ ውሑስ ዝገብራ፣ ኩሉ ዝምነየን/ዝደልያ/ዝቃለሰለን፣ ኮይነን ፣ ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን እዚ ዘይብሃል መስዋእቲ ዝኸፈልናለን ክኾና ከለዋ፣ብሰንኪ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ክውንን ክትርጎማን ኣይካኣላን። ኣብዚ እውን እዚ ኣብ ጎረበትና ዝኾነት ኢትዮጵያ ዝዝመር ዘሎ ሉኡም መዝሙር ፍቕሪ/ሰላም /ውህደት/ሕድገት/ይቕረታን ተውሃሂደን ዝጽውዓ ዘላዋ ቅላት እየን።ንፋሰን ይልከየና።

ብወገን ሕብረተሰብና ብዕለት 22-06/2018 ኣብ ሱዊስ ከተማ ጂነቭራ ብደለይቲ ሰላምን ውህደትን ግዝኣተ-ሕግን፡ነቲ ዓመት መጽአ ኣብ ጅነቭራ ዝካየድ መሰል-ደቂሰባት ዝዝተየሉን ምዕባለ-ምጽንካርን ዝግምገመሉ ስለ ዝነበ፣ ኣብዛ መዓልቲ ንህላውነት ኩነታት ሃገርና ንምግላጽን፣ጽዊዕትና/ጥርዓና ምቕራብ፣ካበየ ቦታት ተኣኪቡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ብሽማግለታት ሰልፊ አቢሉ፣መልእኽትኡ ናብ ዘርእዮ ቤተ ጽሕፈት ኣብጺሑ። ካብቲ ዝነበረ ጭርሕቶታት ብምዝካር ውዕል ኣልጀርስ ብምልኡ ኣብ ግብሪ ይተርጎም፣ ፖለቲካውያን-ጋዜጥኛታት-ኮማውያን-ሓለፍቲ ማእምናት፣ኡሳራት ይፈትሑ፣ ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ፣ውልቀ-መላኺነት ይፍረስ.፣ ዝብሉ ከምኡ ፍቅርን ሰላምን ውህደትን ኣብ ሞንጎ ህዝብናን፣ ህዝብታ፣ጎራብትናን-ዓለምን፣ ሰላም ይሃሉን ይጠጥሕን ዝብሉ መደረታት ተሰሚዖም።

ኣብ ኢትዮጱያ ክኣ ኣብ ኣዲስኣበባ መዓልትን ፍቕርን ውህደትን ሕድገትን ይቕረታን ዝብል ንመራሕ መንግሲ ድ/ር ኣብይ ኣሕመድ ደገፍ ዝነቐለ ህዝባዊ ተበግሶ፣ድ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝተረኽቦ፣ብጣዕሚ ብዙሓት ዚጋታት ኢትዮጵያውያን ዝተሳተፍዎን፡ መድረ ድ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዘስምዖ፣ናይ ሙኩራት ፖለቲከኛታትን ሊቃውንትን ዝሕብርዎ ሉኡል ስነሓሳብ ዝኮነን ኣብ ታሪኽ ተወቂሩ ዝተርፍ መድረ-ሃገራዊን ዞባውን አህጉራውን ናይ ሰላምን-ውህደትን ርእሰ-ነገር ክትሰምዕ ከለኻ ብሓቂ ትግረምን ብብቕዓቱ ዘቕንእን ክኸዉን ከሎ፡ምስ መደረ ውልቀ መላኺ ስርዓተ ኣስመራ ከተናጻጽሮ ከለኻ፣ድሕረትን ሕጽረትን ፖለቲካ ብንጹር ይርኣየካ። ኮይኑ ግን ኣብ ደምበ ፍትሒ-ከ ከምዚ ዓይነት ውህበት ብስለት ፖለቲካ ዘለዎ ባእታ ሃሰው ምስ ትብል ኢድካ ጠሚርካ ኢኻ ትተርፍ ካብ እዚ ሓድሽ ትውልዲ በሎኽ ኢሉ ክወጽእ ብተስፋ ትጽበ፡፡ አብዚ ኩነታት እና ሓሰብኩ ብዛዕባ ሰላምን ውህደትን ክጽሕፍ ክቕረብ ከለኩ፣ ኣብ ስኒትና ግርጭትና ብትሕትና ንምፍታሕ ንምሃር፣ ትብል ብ-ኢንግሊዘኛ ብ ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን ዝተጻሕፈን ብ-ኣቶ ገብረእየሱስ ወልደሚካኤል ናብ ትግሪኛ ዝተተርጎመ፣ ምስ ኣታሓሳስባይ ዝተዋሃሃደን ብምሉ ዝቅበሎን ክድገም ዘለዎ ኮይኑ ረኺበዮ። ትሕዝትኡ ኣብ ሞንጎ ኮማውያን ማሕበራት፣ወይ ትካላት በተ-ክርስትያን ዘተኮረን ንህዝባውያን ማሕበራት ዝትንክፍን ብጠቕላል ንሕብረተሰብ ዘጣቓልል እዃ-ይኹን እምበር፣ከም ግርጭት አፋታትሓ ኑኹሉ ሕብረተሰብናን ውድባትናን ስለ ዘሪኢ አጣቓላሊ ገይረ ከቕርቦ ክፍትን እየ። ፍቓድን ምቕባልን ናይ ደርስቲ ክህልዎ ተስፋ ይገብር።

ርእሰ ነገር

ሰላም ውህደት ርግኣትን ንኽህሉ ግርጭት ብትሕትና ንምፍታሑ ክንምሃር ኣሎና፡ክንፈትሖም ድልየትን ብቕዓትንምስ ዝህልወና እዩ።ግርጭት ኣብ ምንጎ ብጠባያቶም ዝንባሌታቶምን ክብርታቶምን ድልያታቶምን፣ከምኡ እውን በተሓሳስብ ኦምን ኣምለኻኸትኦምን ዝተፈላለየ ውልቀ-ሰባት ወይ ጉጅለታት ዝኽሰት፣ ንውድዓዊ ኩዉንነት ብዝተፋላለየ ዝትርግምዎ ባህርያዊ ዘይምስምማዕ እዩ። ነዚ ንቡር ናይ ናብራ ክውንነት ብምግንዛብ፣ ኣብ ውጻኢ ዝርከቡ ኤርትራዊ ሕብረ-ተሰብና ንባህራያዊ መላለይቱን ማሕበራዊ ኣቋዋውምኡን ብዕቱብነት እንተ መርሚርና፣ ነቲ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ሕብረተሰብናን ዝተጓዛዘየ ምንቅስቃሳትን፣ውድባትን፣ኮማውያን-ማሕበርት፣ብቡርቱዕ ጓሂን ሓዘንን ንዕዘብ። ኣብ ዝተፋላለያ ከተማታት ተመስሪተን ዘለዋ ደምበ ፍትሒ ምንቅስቓሳት ጨሪሰን ዑቱብ ስራሕን ሓድነታዊ ስርሓት ኣብ ክንዲ ምርኣይ፣ኣብ ነንሕድሕደን ምትሕልላኽ ግዜኤን ከሕልፋ፣ንቓልሲ ኣወንዚፈን ህልኻዊ ባህርያትን ከዘውትራ ክትዕዘብ ከለኻ ትሓዝን።እቲ ኣዚዩ ዝገደደ ከኣ እቲ ፍልልያት ኣብ ውሽጢ፡ሕድሕዳዊ ዝምድናታት ከይተረፈ ምንጽብራቑ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ወጻኢ ስእሊ ኤርትራዊ ማሕበረሰብና ዝንኣድ ኣይኮነን፡ ልምዳዊ ክብረታትናን ባህላዊ ውርሻናን ሃገራዊ መንነትናን ኣብ ዓብይ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ኣብ እውና እዚ ካብ መንእሰያት ደቅና ኣብ ዕጻ-ፈረስን መሰረታዊ መሰልዊ ሕቶን ብምቕራብ ሰለማዊ ሰልፊ ስለ ዝገበሩ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይርክከቡ፤ትሕቲ ዕድመ ክነሰን ነፍሰ-ጾራት ዝኾና እዉን ኣለዋ። ኣብ ኤርትራውያን መንእሰያት ቁጽሪ እቶም በይኖም ቆሉዑታት ዝዓብዩ ዘለዉ ዓቐኑ ብዘሰንብድ መንገዲ ይውስኽ ኣሎ። ገሊኦም ቆልዑት ድማ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ገዝኦም ራሕሪሖም ይኸዱን ናብ ስደት ኣምሪሖም ካብ ሳህራ ጀሚሮም ኣደዳ ሕማምን ሞትን እቶም ዝተርፉ አብ ሊብያ ምስ በጽሑ ዘጋንፎም ደረት ዘይብሉ ጸገማት ብፋላይ ደቂ አንስትዮ ዋላውን ደቂ-ተባዕትዮ ከይተረፉ ዓመጻዊ-ግህሰታት ኣስካሕካሒ ኩነታት ሰጊሮምን ኣምሊጦምን፣ ባሕሪ መዲተራንያ ጢሕሶም ንኽመጹ ኣብ ጉዕዝኦም ዝጓኖፎም ዘይሰብኣዊ ሽግራትን ብዙሓት ጢሒሎም ድራር ዓስታት ዝኾኑ፣ ረሳታቶም አብ ሃገረ ጥልያን ተቐቢሮም ሓመድ መረቶም ዝሳኣኑ፣ የሕዋትን ድቅና ዘይርሳዕ ሑሱም ታሪኽ ዝቕጽል

ዘሎን ኩነት፣እንዕዞቦን እንግንዘቦን ዞሎና ግዜ ብሰንኪ ናይ ስርዓተ ኢሳያስ ክኸዉን ከሎ፣ብወገን ሕብረተሰብና ሓቢርካን ተጠርኒፍካን ዘይምስራሕን ምብጋስ፣ነዚ ስርዓት ኣልጊስካ፣ህዝባዊን ፍትሓውን ቁዋማውን መንግስቲ ክትተክል ዘይምኽኣል እዉን፣ካብዚ ሓጥያት ክሃድሙ አይኽኡሉን እዮም። ካብ ልብያ አምሊጦም አብ መሪየት ዝረግጹ አብ ኤውሮጳ ይኹን ኣመሪካ ምስ በጽሑ ሰአን ኮማውያን ማሕበራት ተቐቢለን ዝዳጋግፍኦም ዝጓነፎም ሽግራት እዚ አይባሃልን ስጋብ ናይ ምጥዓስን ስይኮልርጂካዊ ሕማምን  ነብሰ ቕትለትን ዝጓንፎም ውሑዳት አይኮኑን። ነዚ ኩነታት እናረኣና ክነስና ከም ሓደ ማሕበረሰብ ንጸገማት ዚጋታትና ንምፍታሕን ኣብ ሞንጎና ሰላም ውህደት ክህልወና ካብ ምጽዓር ኣወንዚፍና፣ማሕበርፖለቲካዊ፣ሃለውለው  እንዳበልና ካብ ግርጭት ናብ ግርጭት እናጻሕተርና ኣብ ውሽጥና ሕንፍሽፍሽ ዕግርግርን ንፍጥር። ደምበ ፍትሒ ኣብ ተጻብኦ ቦታታት ስለ ዝተቐየረ፣ደቅና-መንእሰያታትና ናብኡ ገጾም ክቕልቀሉ ኣይደፍሩን፤ ስለዚ ክኣ ውድባትና-ኮማውያን ማሕበራትና፣ዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት፣ናብ መጨረሻ መዕለቢኦም ንኽበጽሑ ንነዊሕ ጐዕዞ ዝቃራረቡሉን መዕቆቢታት ኮይነን ተሓጺረን ተሪፈን። ንደቅናን-መንእሰያታትናን ኣብ ውድባትን-ኮማዊ ማሕበርን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቅዳው መርዛም ሃዋህው ከነድሕኖም ምእንቲ፣ ንሓድሕድና ክንጻዋወርን ክንካባበርን ኣድላይን ኣገዳሲን ምዃኑ ነስተውዕል።ኣብ ወጻኢ ንነብር ኤርትራውያን ኩላትና ነዚ መንእሰይ-ወለዶ እዚ ቅድሚ ዝኾነ ይኩን ፖለቲካዊ ድራማ እቲ ቁኑዕ ሃገርነትን ዲሞክራስን ብዝያዳ ድማ ሓበራዊ ስራሕን ብኑጹር ክንምህሮም ከነሳትፎም ሓላፍነት ክስከሙ ምግባርን ሞራላዊ ግደታ ኣሎና። ናብዛ ዓለም እዚኣ ተፋላሊናን፣በበይንና፣ገለ እዋን ማንታ ኮይና መጺእና፣ ከምኡ እውን ተፋላሊና ፣ብበይንና ገዲፍናያ ክንሓልፍ ኢና።ይኹን እምበር ከም ደቂ-ሰባት ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ጎድኒ-ጎድኒ ብሓባር ክንነብር ትጽቢት ይግበረልና።ብዝተፋላለየ ተሞክሮታት ሂወት ስለ ዘለና፣ ዝተፋላለየ ጠባያት እዩ ዘሎና።ሓቢርና ክነብር ኮሎና ድማ፣ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዝምድናታትን ኲነታትን ግርጭታት ዘይተርፍ እዩ።ንደቂ ሰባት ዝጠምሮምን ዘቀራርቦምን ግርጭት እምበር ስምምዕ ዘይምዃኑ ምግንዛብ ክኣ ኣገዳሲ እዩ። ሀራክሊቱስ ከምዚ ይብል ‹ ተፈጥሮ ዝማሳሰሉ ነገራት ዘይኮነስ ተጻራርቲ ነገራት ተጊሁ እንዳናደየ ነዕኦም ጠርኒፉ ብምሓዝ ውህደቱ የራጋግጽ » ስለዚ ኣብ ሂወት ግርጭት ንኣወንታዊ ለውጥን ምዕባልን ዘጋጥሞ ዕድል ወይ ብድሆ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ምዕቃብ ሰላም/ውህደት፣ ግርጭት ዘይምህላው ዘይኮነስ ጽቡቕ ፍረ ንምርካብ ንግርጭት ብሰላማዊ ኣጋባብ ምእላዩ እዩ።ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ናቱ ኣራዳድኣን መስርሕ ኣፋታትሓ-ግርጭት ከም ዘለዎ ኣብዚ ክንጸር የድሊ። ገለ ባህልታት ንዘይምቅዳው ብውዕዉዕ ክትዓትን ብቑሉዕ ኣጋባብ ክፍትሑ የታባብዑ፤ካልኦት ድማ ብተሪር ዲሲፕልናዊ ትሕትናን ውሑሉሉን ጥንቁቑን ኣታሓሕዛ ዘይምስምማዕ ይመርጹ።ግርጭት ብዉሑሉል ኣጋባብ ተታሒዙ ናብ ኣወንታዊ ለውጢ ከምርሕ ይኽእል።በጋባብ እንተዘይተታሒዙን ብፍልጠት ሸለል እንተተባሂሉ ግን ንዝኾነ ዓይነት ዝምድና ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል። ግርጭት ንገዛእርእሱ ሕማቕ ወይ ጹቡቕ ኣይኮነን፣ ኣብ ኣታሓሕዛኡ ዝምርኮስ ጉዳይ እዩ። ጹቡቕ ጠባይ ክሃንጽ ይኽእል፣ብኣንጻሩ ክኣ ቅላውላው ክፈጥር ይኽእል፤ ንግርጭታት ከመይ ጌርና ንጥቀመሎም ንፈትሖም ኣብ ባህርያዊ ጠባያቶምን ናይ መወዳእታ ዕላማን ወሳኒ ታራ ይጻወቱ። ግርጭት ኩሉ ሳዕ መናበርቲ ሂወት ስለ ዝኾኑ፣ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለ፣ሰባት ክህሉ ይኽእል። ብዝተፋላለዩ ጉዳያት ክኣ ክልዓል ይኽእል፤ ኣብ መንጎ ዝተፋላለዩ ክብርታትን ስነ-ሓሳብን ዝውንኑ ውልቀ -ሰባትን ክኸዉን ይኽእል፤ ከምኡ እዉን ትጽቢት ናይ ሓደ ጉጅለ ካብቲ ኻልእ ጉጅለ እንተዘይ-ተማሊኡ ግርጭት ክልዓል ባህርያዊ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፌኤ ግርጭት ግን ሓደ መራሒ ኣብ ክንዲ ናይ  ሓባር ጠቕሚ ዘማልእን ዝሓስብን ናይ ጉጅልኡን ናይ ገዛእ ርእሱ ልዕሊ ኩሉ ብምርኣይ ሃሳይን ጎዳእን ውሳኔ ምስ ዝወስድ እዩ፤ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ውድባትና ምንቅስቃሳታትና ኮማዊ ማሕበራትናን ዘሎ ግርጭት፣ኑጹር ፖለቲካን ምስትውዓልን ዝጎደሎ ዘሎ ዝተኣሳሰር እዩ።ብሓቂ ብሑሱር ማሕበርፖለቲካዊ ዕንደራ ተሃሚዂና ወይ ለሚስና ኢና፤ መብዛሕትና ነቲ ቀንዲ ዘይምቅዳው ማሕበረ-ፖለቲካዊ ጉዳያት ፍልልያትና ንርዳእ ኔርና እንተ-ንኸውን ትርጉም ምነበሮ፤ ቡዙሓት ካባና፡ ሓደ ጉጅለ ወይ እቲ ካልእ ጉጅለ ንየናይ ሓሳብ ይጣበቕ ከምዘሎ ብንጹር ከየራጋገጽና ነቲ ዘለናዮ ጉጅለ ንድግፍ፤ ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ፣ ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንቡዙሓት ዓመታት ኣዕሩኽ ዝነበሩ፣ ነንሕድሕዶም ክናቖቱ ይርኣዩ።ኩላትና ከም እንፈልጦ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣራኣእያን፣በበይኑ ሃይማነታዊ እምነት ዝሎና ክነስና፣ከም ቀደምና ኣዕሩኩን ኣዝማድን ኮይና  ክንቅጽል ከምንኽእል ካብ ዘይምርዳእ እዩ።ፖለቲካዊ ዝምባለና ወይ መርገጺና ብዘየገድስ ብርግጽ ጽቡቕ ዝምድና ክንምስርት ዘኽእሉ ናይ ሓባር ሮቛሒታት ኣለዉና፤ህዝባውያን ማሕበራት፣ፖለቲካዊ ውድባትን ንኹላትና ዝጥርንፍ(ባይቶ)ጽላል ክንምስርት ዘይምኽኣልና፣ ንሕና ጸገም ኮይና፣ ነቶም ኣብዛ ህሞት እዚኣ፣ንዓቢ ሓደጋ ተቓሊዖም ዝርከቡ፣ደቅና/ሓዲሽ ትውልዲ፣ ብሓደ ተጠርኒፍና ከነድሕኖም ቁኑዕ ናይ  ቃልሲ መስርሕ ከነውርሶም ክንጽዓር ይግባእ፤ነዚ ሓድሽ ወሎዶና ብግቡእ ናይ ምምልማልን ወይ ምኲስኳስን ግዴታና ምዝንጋዕ ግን ዘሕዝን እዩ። ግርጭት ምፍራህ ልሙድ እዩ፤ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ ምሁራትን ሞያውያንን ኤርትራውያን ካብ ግርጭት ክሃድሙ ክብሉ፣ካብ ሕብረተሰባውያን ማሕበራትን ፖለቲካዊያን ውድባትን ምንቅስቃስትን ንጥፍታት ምፍታን ፣ ንነብሶም ክግልሉ ክትርኢ ከልኻ ዘጎህን ዘተሓሳስብን ጉዳይ እዩ። ግርጭት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኸዉን-እሞ ምስ ካልኦት ዘለዎም ጹቡቕ ዝምድና ከይባላሾ ስለ-ዝሻቐሉ ክኸዉን ይኽእል።ወይ ድማ በቲ በቢግዚኡ ከም እሳተ-ጎሞራ ዝትኮስ መወዳእታ ዘይብሉ ዘይምቅዳው ስለ ዝስክሑ ክኾኑ ይኽእሉ። ከም እንፈልጦ ኣብ ውሽጢ ውድብካ ይኹን ምንቅስቓስ፣ኮማውያን ማሕበራት፣ሓደ ብርግጽ ዝትኮስ እሳተ-ጎሞራ ክህሉ ይኽእል፤ ናይ ምጥፍኡን ብጉቡእ ምእላዩን ዓቢ ዓቕሚ ይሓትት። ብረንደን ከምዚ ይብል፤ ‘’ግርጭት ጎሲኻዮም ምሕላፍ፣ ካብ ናይ ቀረባ ግርጭት ንምፍላጥ ዘተኣማምን ግዝያዊ ስትራተጂ ክኸዉን ከሎ፣ ንዝተናውሐ ስቕይ ዝእንግድ ናይ ነዊሕ ግዜ ፍቱን ስትራተጂ እዩ’’ እዚ ክኣ ብፍላይ ኣብቶም ንጹሃት ደቅናን ንሓዲሽ ትውልዲን ስንብራት ይሓድግ፤እዚ ዝኾነሉ

ምኽንያት ከኣ፣ ክልተ ሓላፍነት ዝጎደሎም ወለዲ ክባኣሱ ከለዉ ኣብ መንጎ ዝሳቐ ኩሉ ሳዕ እቲ ምስኪናይ ቆልዓ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ንግርጭት ጎሲኻዮ ምሕላፍን ነብስኻ ምንጻልን፣ ብዙሕ ግዜ ናብ ምፍትሑ ዘምርሕ ኣይኮነን። ባኣንጽሩ እዃ ደኣ፣ ግርጭታት ብቕልጡፉን ውሕሉሉን መገዲ እንተ-ዘይኣሊኻዮም በቢደረጃ እንዳዓበዩ ናብ ተቃውሞን ቅርሕንትን ቂምን እዮም ዘስብዑ፤ስለዚ ድማ እዮም ከዚ ዓይነት ግርጭታት ናብ ውልቃዊ ምስ-ተቐየሩ ኣብ ምጨርሻ ምእላዮም ኣጸጋሚ ዝኸዉን።ግርጭታት ኣብ ክንዲ ጎሲኻዮም ትሓልፍ፤ፊት ንፊት ገጢምካ ናይ ምውጋዶም ምጽዓርን ሓቅነት ምፍላጥን ኣድላይ እዩ።ብዙሓት ግርጭታት ዝላዓሉ ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘርእይዎ ድኹም ብቕዓትናይ ዝርርብ ዘስዕቦ ዘይምርድዳእ ምዃኑ ብተዳጋጋሚ ክትዕዞቦ ይካኣል፤ብዙሕ ግዜ መዛርብትና ዝብሎ ብደምቢ ኣይንሰምዖን ጥራይ ዘይኮነስ ከምቲ-ዝግባእ ሓሳብ ንሓሳብ ኣይንላዋወጥን ኢና። ዝበዝሕ ግዜ መንቀሊ ግርጭት ዝኮነ፣ ዝዛረቦ ዘለኹ ኣይስማዕን እዩ ዘሎ ዝብል ስሚዕትን ዘይምርድዳእን እዮም፡ስለዚ ኣብ ምፍታሕ  ግርጭት እቲ ቀዳማይ፣ ሕጊ፣ጽን ኢልካ ምስማዕን ነቲ ዝግለጽ ዘሎ ቀንዲ ስኽፍታታት መልእኽትን ክትርድኦ ምፍታን እዩ። ኣታሃናንጻ ሓንጎልናን ቅርጽን ኣሳራርዓን ኣካላትና፣ ኣብ ነሕድሕድና ተፋላለየ ምዃኑ ምፍላጥ ኣድላይ ኮይኑ፣ ከም ኩሎም ደቂ ሰባት ኣብ ብዙሕ መገዲ ንፋላለ ኢና፤ኮይኑ ግን ካብ ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ዝመጻእና ጭዋታት ሰባት ከኣ ኢና። እዚ ድማ እዩ ንኩሉና ብሓደ ዝጠምር ናይ ሓባር ንውንኖ ረቛሒ፤ነቲ ሃብታም ኣታሓሳስባን ኣመለኻኽነትን (እምንታት) ክብርታትን ድልየትን፣ ዘሎናሕብረ በሒራዊ ህዝብና፣ ከምቲ በቢዓይነቱ ሕብርታት ብዝሰማማዕ ኣጋባብ ተሰሪዑ ተዋሃሂዱ ቆይሙ ክቕጽል ትምኒትን ድልየትን ዝነበረብ ዘሎን፣ ጹቡቕ ቀስተ-ደበና ነድንቆ። ከምኡ ድማ ነቲ ክብ-ኢሉ ተጠቕሱ ዘሎ ፍልልያትና ኣጽኒዕና ፍታሕ ክርከብ እዩ ምንዮትን ባህግን ናይ ሓደ ደላይ ፍትሒ። ካብ ሓንቲ ምቕልልቲ ስድራቤት ወይ ድማ ካብ ደጎል ሓደ ቢትትምህርቲ ጀሚርካ፣ክሳብ-ቲ ዝተራቐቐ ቦታ ቢት ዕዮ፣ ኣብ መዓልታዊ ደረጃ ሂወትና በቢዓይነቶም ግርጭታት የጋጥሙና ኣብ ምፍትሖም ንቐምሶም ተሞክሮታትን ልምምድን ቡዙሕት እዩም።ብሕልፊ ኣብዛ ናይ ሎሚ፣ተማቕቐለትን፣ላዕልን ታሕትን ዝኾነት ዓለምና፣ እንርከበሉ እዋን-ዚ፣ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣዕሩኽ፣ከምኡ-ዉን ሓደ ጉጅለ ምስ ካልእ ጉጅለ፣ኣብ ሞንጎ ኣባላትን መሪሕነትን ከምኡ አብ ሞንጎ ኣባላት ብተዳጋጋሚ ዝርኣዩ ዘይምርድዳእን ዘይምቅዳውን፣ ቅድሚ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ዓራቒት ኣካል ምቕራቦም፣ ብዘተን ብኑጹህ ሕልና ምትእርራም ክገብሩ እቲ ዝምረጽን ክንጥቀመሉ ዘሎና ባህርያት ክኸዉን ዘለዎ ኮይኑ፣ እንተ-ደኣ ዘይተኻእለ ግን ነጻን ወገን ዘይብሉ ዓራቒ ኣካል፣ ልክዕ ከም ፈራዲ ኣካል ኮይኑ ፍታሕ ንምርካብ ሓላፍነት ክህልዎ ይግባእ፤በዚ ኣጋባ ክፍታሕ ምስ-ዘይተኻእለ ካብ ተማቓቂልካ ምውጻእ ብኮንፈረንስ ናይ ኣባላትካ ተጠቒምካ እቶም ሰብ ነገር፣ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ብምምላስ፣ናይ ሓባርዊን ሓድነታዊን ውጺኢት ክህሉ መገዲ ክርከብ ክጻዓር እዩ ዝምረጽ፤ስለምንታይስ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕ ዝመስልዎ ነገር ስለ ዘየለን፣ ንሓድነት ህዝብን፣ ልእላውነት-ሃገርን፣ግዝኣተ-ሕግን፣ፍትሕን ኢልካ ስለ ዝነቀልካ።በዚ ምኽንያት ሓበራዊ ፍታሕ ንምርካብ ኩሉ ዓቕምታት እነት ደኣ ፈቲንክስ ፍታሕ ይርከብ እዩ።ከምቲ ናይ ኣቦታትና ባህሊ፣ንዘይቃደዉ(ዝተባእሱ)ሰባት፣ክሊቲኦም ዝቕበልዎን  ድልየታቶም ንምዕጋብ አብ ማእከል ክራኸቡ ዘእምንዎም ዝነበሩ ንሕና እዉን ናታቶም አሰር ኢና ክንክተል ዝግባእ።ዝኮነ ኾይኑ፣ ግርጭት ንምፍታሕ ይጠቕሙን ወይ ክንክተሎም አለና ዝብሎም ከዚ ዝስዕብ ይቐርብ።     1. ኣብ ኩሉ ዘይምቅዳው ፣ ዋላ ኣብ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ዘተ-ዉን እንተኾ፣ክፉት ልዝብ ቀንዲ ወሳኒ እዩ፤ካብ ኩዉን/ሓቂ ከይረሓቕካ ብዛዕባ ዘየቃወደካ(ዘጋራጨውካ)ኩነታት ዝምልከት፣ከመይ ከም ዝስማዓካ ምግላጽ፣ነቲ መጋራጭውኻ ብሓቂ ዕቁብነት ድልየትካን ተግባርካን ከምታ ዘላታ ብምቕራብ ጉዳይካ-ሓሳብካ ክፈልጥ ምግባር ብህደ ዝበለን ሉዙብ ኣዛራርባ ምስ ዝኸዉን ንምቅርራብ ይሕግዝ።ነቲ ካልእ ሰብ ዝገበሮ ሓዲግካ፣ኣብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሽግር ትራይ ምትዃር፣ካልእ ዝየዲሊ ግጭት ከይፍጠር ንምግታእ ከምቲ ማርቲን ሉተር-ኪንግ ዝበሎ ‹ ሰባት ነንሕድሕዶም ስለ ዝፋራርሁ ኣይ-ሰማምዑን፣ስለ ዘይፋለጡ ክኣ ይፈርሁ፣ዘይፋለጡ ድማ ነንሕድሕዶም ስለ ዘይዛረቡ እዮም » ሰባት ግዜ ወሲዶም፣ቅድሚ ዝኣገረ፣ንምጽራይን ምርድዳእን ዝኣክል ኣገደስቲ ሕቶታት ዝሓቱ  ነይሮም እንተ-ዝኾኑ፣ኣብ መንጎ ሰባት ዝርከቡ መብዛሕትኦም ዘይምርድዳኣት ክውገዱ ምኽኣሉ።ብቕንዕና ምዝታይን ንምትሕብባርን ፍቓደኛ ምዃንን፣ናብ ምውህሃድን ሰላምን ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓገዝቲ እዮም። 2. ነቲ ካልእ ሰብ ዝብሎ ከይኮለፍካ ዘረብኡ ጽን ኢልካ ምስማዕ የድሊ፤በቲ ዘይምቅዳው/ግህሰታት ዝትንክፍ ዘበለ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ በቢታራ ከይተኾልፈ ክዛረብን ርእይቱኡ ክገልጽን ዕድል ክረክብ ይግባእ።ኣባላት ውድባትናህዝባዊ ማሕበራትናን ኩሎም ባዕሎም ክዕረቑን ፍታሕ ግርጭት ተኽእሎ ከምዘይብሎም ልሙድ ትዕዝብቲ ኮይኑ ኣሎ፤ ምኽንያቱ ድማ ንሕና ኣብ ውጻኢ ንነብር ኤርትራውያን፣ ዘተና ንምርድዳእ ዝዓለመ ዘይኮነስ፣ መልሲ ናይ ምሓብ ሸውሃትን፣ ናብ ምቊያቚን ወይ ንምትራኽን ዘቅነዐ ስለ-ዝኮነ እዩ። ግቡእ ኣቕልቦን ጽን ኢልካ ምስማዕን፣ናይቲ ዘይምቅዳው/ዘይምትእምማንን ባህርያት ትሕዝቶን ምርዳእን፣ነቲ ግርጭት ብጉቡእን ርትዓዉን መገዲ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ክብ የብሎ፡፡  3. ንኹሉም ወገናት ዘርብሕ ፍታሕ ዕላማ፣ወይ ማእከል ዝገበረ መስርሕ ንምፍታሽ፣ ኩሎም ይኾኑ-እዮም ዝባሃሉ ምርጫታት ቀሪቦም፣ ብሓባር ኰንካ ክትዛተየሎምን ክግምገሙን የዲሊ፤ ብቕጽበት መልሲ ንምርካብ ዝድርኽ ስሚዒት ክህሉ የብሉን። ኣድላይ እንተ ኾይኑ ድማ፣ ጸግዒ ወይ ሻራ ዘይብሎም ርእይቶታት ንምርካብ ሳልሳይ ኣካል ምውሳኽ።

4. እቲዘተ ብናይ ኩሎም ወገናት ዘዐወተ ፍታሕ ይዛዘም። እቲ ፍታሕ ናይ ሽግር ፍጹምን ብዘይ ጉድለትን ክከዉን እኳ እንተዘይካኣለ፣ እቲ ናይ መወዳእት ክብጻሕ ዘለዎ ስምምዕ ንኽልቲኦም ወገናት ብመጠኑ ዘዕግብ ምርጫ ይኸዉን፤ ሓደ ወገን ብምጉዕባዕን ብምህዋኽን እንተ ተዓዊቱ ዘይርትዓዊ ውሳኔ እንተሓሊፉ፣ ወይ ድማ እቲ ካልኣይ ኣካል ኣላሽ ኢሉ ኢዱ እንተደኣ ሂቡ፣ ብርግጽ እተወጽዐ ወይ ዝተሳዕረ ወገን ኣሎ። ከም-ዚ እንተኮይኑ ክኣ፣እቲ ውጺኢት ወይ ፍታሕ፣ነቲ መሰረታዊ ነገር መንቀሊ-ግርጭት ኣይወግዶን እዩ ዘስምዕ።               

ሕምረት ናይ ሓደ ግርጭት ተረዲእና፣ ብመሰረት-ዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ መስርሕ ብርትዓውን ፍትሓዉን መገዲ ክንፈትሖ፣ መጀመርያ ከተሓባቡሩና ዝኽእሉ ብዙሓት ነገራት ወይ ጉዳያት ከምዘለዉ ምፍላጥ፡ ከምኡ-ዉን ክፈላልዩና ዝኽእሉ ቡዙሓት ነገራት ከምዘለዉ ምስትውዓል የድሊ፡፤ ይኩን እምበር፣ ዝበዝሑ ግዜ እቶም ከታሓባቡሩና ዝኽእሉ ነገራት ካብቶም ክፈላሉይና ዝኽእሉ ነገራት ዛይዶም ንረኽቦም።ሓድሕዳዊ ዝምድናን ሓበራዊ ልዝብን ክብ ክብልን ቀሳልነት ክህልዎ፣ ኣብ ኣቃባብላ ከተሓባቡሩና ዝከሉ ነገራት ነተኩር። ሓደ ኣዚዩ ኣገዳሲ መሰረታውን ዝኮነ፣ ንኹላትና ከተሓባብር ዝኽእል ነገር፣ሓልዮት ንይቶም ቀንዲ ግዳያት ፖለቲካዊ ባእስና ዝኾኑ ደቅና እዩ። ኣብ ምትዕራቅ ሓድሕዳዊ፣ዝምድናታትን፣ህዝባዊ-ማሕበራትን፣ሰልፍታትን፣ሲቪካዊ-ትካላትን፣ጉጅላዊ(ባእስታ)ዘይምቅዳው/ጎነጻት ድርቅና ስስዐ፣ ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ ድንቑርና ዝኣመሰሉ ባህርያት ኢዮም። ብትዕቢትና ንሓፈረሉ፣ስስዐን ነውግደሉ፣ ድርቅና ኒዮው ንብለሉ፣ ኣታሓሳስበና ንቕይረሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ።ንነብስና ካብ ተነጽሎን ወይ ኣውራጃዊን ወገንነትን ሓራ ንወጽኣሉ፣ ሕጽረትን ደረትን ዓቕሚ ማሕበረ-ሰብናን ውድባትና-ሰልፍታትትና፣ሲቪካዊ ትካላትን፣ ኣፍልጦና ንኣምነሉ ግዜ በጺሑ እዩ።ብቕንዕናን ካብ ልብን ዝነቐለ፣ንዕርክነትናን ምሕዝነትናን ንኹስኩሰሉ፣ ከም ኩሎም ፍጥረተ-ሰባት ልኡማትን ንሕድሕድና ብትሕትናን ሕያውነትን ንዋሳኣሉ፣ ንኹሎም ኤርትራውያን ድማ፣ ከም ነብስና ንኽብረሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ።ኤርትራዉያን ምሁራት ሰብ ሞያን ሓላፍነት ዝተሰከሙ ማእመናንን ካብ ዝሕብእሉ ቦታታት ናብ ቅርዓት ወጺኦም ኣብ ምፍታሕ እቲ ወሪሩና ዘሎ ግርጭታት፣ ተበግሶ ወሲዶም ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብና/ዚጋታትና መሪሕ ተረኦም ክጻወቱን ፍረ ሰላምን ውህደትን ክዘርኡ ይግብኦም።ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዲስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ምህናጽ ዱልዱላት ህዝባውያን ውድባትን ምንቅስቓስን፣ቁኑዑን-ቡቝዑን መሪሕ ዘሓዘ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክዋሳእ ግዜ ይዕድመና ኣሎ፤ ካቡኡ ሓሊፉ አብ ክንዲ ናብ ተጻብኦታትን ጽልእን ቢትፍርዲ ዝቕየራ ከምቲ ጉቡእ ባይታ ፍትሕን ዲሞክራስን ክኾናን ክጽዕታን እዩ ዝግበአን።ብተወሳኺ ኣብ ህዝባውያን ውድባትና-ሰልፍታትና ግርጭትን/ጎነጻታተን ባዕላተና እንተ-ዘየሳዊርናዮምን ኣንበድ-ቢድናዮምን፣ ቀጻልነትን ዕድመን ህላወን ከም-ዘይብሎም ንግንዘብ። 

ብሓፈሻ ንሕና ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ፈልዩና ዘሎ ሓጹር ኣፍሪስና፣ ነዚ ሒዝንዮ ዘሎና ሓደገኛ ጉዕዞ መኣዙኑ ወይ ኣንፈቱ ቀይርና፣ ንደቅናን ነዚ ሓድሽ ትውልዲ፣ምዑርዩን ዝበልጸን ደረጃ መናባብሮ ክንሃንጸሎን ከነሳትፎምን ዓቢ ብድሆ ይጽበየና ኣሎ። ኣብ ሓድሕዳዊ ዝምድናታትን ህዝባውያን ትካላት-ሲቪካዊ ምንቅስቓሳት-ሰልፍታት ምእንቲ ተቢዕና ሰላም-ፍቕርን-ምውህሃድን፣ ምክብባርን፣ ሕውነትን፣ምትሕልላይን፣ ሓድግን  ከነታኣታውን ከነዘውተርን ከነማዕብልን፣እታ ነጥቢ መቕይሮ ኣወንታዊ ኣታሓሳስባ ክንረኽቦ ኣሎና።ዕላማና ክንወቅዕ ቀጻልነት ጻዕሪ-ዓወትና ከነራጋግጽን፣ነቲ ዘልማዕናዮ ሓድሕዳዊ ዝምድናታት ጻህያይ ከይውሕጦ ሸለል ክንብል የብልናን፤ንጥፍታትን ጉዳያት ህዝባውያን ማሕበራት ሰልፍታትናን ጸቢብ ኣራኣእያ ዘለዎም ብሃማትን ዘጒባዕብዑ ደናቊርን ከካይድዎን ክመርሕዎን ኣይነፍቅድ።ንገለና ዕሽነት ንገለና ድማ ንጽህና መሲሉ ይርአ ይከዉን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር፣ ንኤርትራዊ-ሕብረተሰብ ሓድነትን ሰላምን ስምምዕን ከልብሶ ዝኽእል ዝበለጸ ኲነታት፣ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ካብ ጉዳያትን ንጥፍታትን ሕብረተሰብና ጨሪሱ ክውገድ ከሎ እዩ፤እንተ-ደኣ ተጊህና ሰሪሕና ክዉን  ክኸዉን ይኽእል እዩ። ንሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ኩላትና ንስራሕ።

መደምደምታ ኣብ ጎረበትና ዝኾነት ኢትዮጵይስ ሰላም እትጽውዕ ዲሞክራሲያዊ ባህሪ ዝጥጥዓሉ ዝመስል ጉዕዞ ክንርእን ክንሰምዕን ከሎና፣ ንሕና-ውን እዚ ጸቡቑን ዝብሃግ ንፋስ ንዓና እዉን ክጸልወናን፣ ንኹሉ ጸገማትና ክንፈትሕ ምእንቲ ኣብ ሓቃውን ውድዓዉን ባይታ ፍትሒ -ዲሞክራሲ ብጉቡእ ክንዋሳእ ግዚኡ በጺሑ ይመስል፤ህዝብና ትጽቢቱን ድልየቱ እሱ ምዃኑ እንዝንግዖ ኣይመስልን፣ ስለዚ ሃየ ንሕሰብ ነሰተውዕል ንባራበር ንማራመር።

ኣብ ዝመጽእ የራክበና






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *