Main Menu

ባዕሉ ከይዱ ሳንቡእ ዝኸልእዎስ፡ ሰብ ሊኢኹ እግሪ ስደዱለይ በለ

                                                                            ባዕሉ ከይዱ ሳንቡእ ዝኸልእዎስ፡ ሰብ ሊኢኹ እግሪ ስደዱለይ በለ
                                                                                              ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)


“ንሰብ እንተሃብካዮ ነናቱ፡ ሰብ ይሕጎስ እዝጊ ይፈቱ” ከምዝባሃል፡ ኤርትራዊ መንነትን ሃገረ ኤርትራን ብደምን የዕጽምትን ኤርትራዊ ተቓላሳይ እዮም ክውናት ኮይኖም’ሞ፡ ክብርን ሞጎስን ንተቓላስይ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን። ስለዝኾነ፡ ነቶም ነዚ ክቡር ዓላማ ንምርግጋጽ ሂወቶም ዝኸፈሉ፣ ኣካሎም ዝጎደሉ፣ ንእስነቶም ዘብለዩ፣ ባሩድ ዝሰተዩ፣ ብጥሙይ ከብዶምን ብባዶ እግሮም ዓቐብ ዝደየቡን ቑልቑል ዝወረዱን ኣጻምእ ጎላጉል ዝሰንጠቑን፣ ዕሩቕ ዝባኖም በኣስሓትያን ብምቖትን ዝተለብለቡን፣ ንኹሉ ውሽጣውን ግዳማውን ተጻቦኦታት ተጻዊሮም ክሳብ ዘሮ ሳዓት ናጻነት ኤርትራ ዝተቓለሱን ዘቃለሱን ብሉጻት ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ዝግበኦም ኣፍልጦን ክብርን ኣብ ሕብረት-ሰብ ኤርትራ ምሃብ ናይ ነብስ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ሞራላዊ ሓላፍነትን ግዴታን ኢዩ። ነብሲ-ወከፍ ስድሪ መሬት ኤርትራ ደምን የዕጽምትን ተኸፊልዋ ኢዩ ኤርትራ ናጻ ኮይና እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ናይ ኤርትራ ብእግርካ ትጓዓዝ እንተዳኣሃልኻ፡ እታ ትረግጻ (እግርኻ ተንብረላ) ዘለኻ ባይታ (መሬት)፡ ደም ዝፈሰሳ ወይ የዕጽምቲ ዝተቐብረላ ናይ ምዃን ተኽእለኣ ሰፊሕ ኢዩ። ናይ መን ወይ’ውን ናይ ወዲ/ጓል መን ደም ወይ የዕጽምቲ ኮን ይኸውን ኢልካ ብሓሳብካ ኣስተንትን’ሞ፡ መልሲ ክትረኽብ ፈትን። ናይ መን ፍሉይ ሰብ ብዘየገድስ፡ ኤርትራዊ ደምን የዕጽምትን ምዃኑ ሕልናኻ ክነግረካ ኢዩ። እታ ትረግጻ ዘለካ መሬት ክብርቲ ምዃና ጥራሕ ተገንዘብ። እቲ ዝፈሰሰላ ደምን ዝተቕብረላ የዕጽምትን፡ መታን ንስኻ “ኣነ ኤርትራዊ ኢየ ኢልካ፡ ኣደልዲልካ ንመሬትካ ክትረግጽ” ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእቲ ኢዩ። ካባካ ዝድለ፡ እቲ ሓቅነት ኣመጻጻኣ ኤርትራዊ መንነትን ኤርትራዊ ሃገርነትን እዚ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕን ብኤርትራውነትካ ምሕባንን ጥራሕ ኢዩ።
ንኤርትራዊ መንነትን ንኤርትራዊ ሃገርነትን ክውን ንምግባር፡ ኤርትራዊ ደምን የዕጽምትን ኣብ መሬት ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ኣብ ጎራባብቲ ሃገራት መሬት’ውን ፈሲሱን ተኽስኪሱን ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈሰሰ ኤርትራዊ ደምን ዝተኸስከሰ ኤርትራዊ የዕጽምትን ብዙሕ ኢዩ። ነቶም ብሽም ኤርትራን ምእንቲ ኤርትራን ብተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ እንዳተጨውዩን እንዳተሞቑሑን ዝተቐንጸሉ ኤርትራውያን ገድፍና፡ ነቶም ንስርዓት ኢትዮጵያ ንምስዓር ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ጥራሕ እኳ እንተራኣና፡ ምእንቲ ኤርትራ ክንዮው ዶብ’ውን ብዙሕ ናይ ደምን የዕጽምትን
ዋጋ ከምዝተኸፍለ ኢና ንግንዘብ። ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣንጻር ሰራዊት ተኻታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ከምዝተዋግኡን መስዋእትታት ከምዝከፈሉን ታሪኽ ዝዝኽሮ ሓቂ ኢዩ። ብፍላይ፡ ንሰራዊት ደርጊ (ስርዓት መንግስቱ ሃ/ማሪያም) ኣብ ኢትዮጵያ ንምስዓር ኣብዝተገብሩ ውግኣት፡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር (ኤርትራውያን ተጋደልቲ) ኣብ ብዙሓት ኣካባቢታት ኢትዮጵያ ዝተገብሩ ውግኣት ተሳቲፈን ጥራሕ ዘይኮነስ ወሳኒ ተራታት ኢየን’ውን ተጻዊተን። ኣብ መወዳእታ ዕምሪ ደርጊ (መጀመሪያታት 1991)፡ ንሰራዊት ደርጊ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ እንዳኾብኮባ፡ ካብተን መጀመሪያ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዋ ሓይልታት፡ ናይ ከቢድ ብረት ኣሃዱ ህዝባዊ ግንባር ኢያ ነይራ (ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ ተመልከት)። ንቤተ-መንግስቲ ብምቑጻጻር፡ ኣዲስ ኣበባ ናጻ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ተራ ካብዝተጻወታ ኣሃዱታት ህግ ሓንቲ ኢያ’ውን ነይራ (ሽዑ ኣብኡ ንዝነበርኩም፡ እዚኣ እታ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምሕራራ ኣብ ከባቢ “ዓሰብ ሆቴል” ዓስኪራ ዝነበረት ኣሃዱ ኢያ)።
ስለዚ፡ ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ንኤርትራ ምሕራር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ንኢትዮጵያ ካብ ወታሃደራዊ ጭቖና ደርጊን ሃጸያዊ ምሕደራ ሃይለስላሴን ናጻ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወቱ ምዃኖም ታሪኽ ዘይርሰዖ ሓቂ ኢዩ። እዙይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ንኽህሉ፡ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም ኢዮም። ኣብዚ ናይ ምርግጋእ መስርሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን (ናይ ህግ ስሩዓት ዝነበሩን ተራ ህዝብን) ኣዝዩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ነይሩዎም ኢዩ። እቲ ዝርዝራት ዘፊሕ ኢዩ፡ ኣብዚ ምዝርዛሩውን ኣገዳሲ ኣይመስለንን። እቲ ሓቂ ግን፡ እዚ እንተኾነ’ውን “ኤርትራዊ መንነትን ኤርትራዊ ሃገርነትን” ክውን ንምግባሮም ዝተገብረ ቃልስን መስዋእትን ኢዩ። እዚ ካኣ ብልሕን ኣርሒቕካ ናይ ምጥማት ዓቕምን መሪሕነት ህግን ተጋደልትን/ተቃለስትን ኤርትራውያን ዝፈጠሮ ውድዕነት ኢዩ ነይሩ። ህግ ንደርጊ ኣብ ኤርትራ ምስዓሩ (ንሰራዊ ደርጊ ካብ ኤርትራ ሓግሒጉ ምውጽኡ) ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስርዓት ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽሳዓርን፡ ድሕሪ ስዕረት ደርጊ’ውን ኢትዮጵያ ንኽትረጋጋእን፡ ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ሰፊሕን ዓሚቑን ስለዝነበረ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ባይታ ዝተፈጥረ ውድዕነት ፍሉይ ኢዩ ነይሩ። ምዕዋት ጽቡቕ እንድዩ፡ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል እዃ እንተራኣና፡ “ኤርትራውያን ተግዳደልቲ፡ እንዃዕ ኣሐጎሰኩም/ኣሞጎሰኩም፡ ኣስመራ ናጻ ወጺኣ፤ 30 ዓመታት ዝገበርኩምዎ ቃልሲ ተዓዊቱ” ዝብል ዘረባ ካብቶም ቅድሚ ቁሩብ ማዓልታት ወይ’ውን ሳዓታት “ውንበዴ” እንዳበሉ ከምጸላኢ ዝሪኢዩና ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኢና ሰሚዕና።
ስለዚ፡ እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ኩነታት፡ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ኣእምሮ ኢትዮጵያዊ ዜጋ፡ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝነበሮ ኣታሕሳስባ/ኣራኣእያ እንደገና ደጊሙ ከምዝምርምርን ከምዝልውጥን ኢዩ ገይሩዎ። እዚ’ውን እንተኾነ፡ ውጺኢት ናይቲ ዝተኸፍለ ኤርትራዊ ደምን የዕጽምትን ኢዩ። ኣብ 1991፡ ኤርትራዊ ተቃልሳይ ንሰራዊት ደርጊ ሓግሒጉ ብውጻእ ናይ ኤርትራ ኣካላዊ ናጽነት(De Facto Independence) ኣረጋጊጹ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንጎበጣዊ ኣታሓሳስባታት ኢትዮጵያውን’ውን ስዒሩ ኢዩ። መግዛእትን ዓመጽን ኢትዮጵያውያን ብኣካልን ብኣታሓሳስባን፡ ብሳላ ዘይሕለል ጽንዓትን ቃልስን ተጋዳላይን ህዝብን ኤርትራ፡ ኣብ 1991 ሓመደ-ድበ ለቢሱ ኢዩ። ነዚ ቀደም ዝተቐብረ፡ ፊሒሮም ከውጽኡ ዝደልዩ ሕማም ደግሲ ዝደገሶም ነናሻብ ቅልቅል ቅልቅል ዝብሉ ባእታት ኣይጠፍኡን ይኾኑ። እዚኣቶም ካኣ ካብ ታሪኽ ዘይተማህሩ “ጥዕሳት” ይባሃሉ። እቲ ናይ ኣካላውን ናይ ኣታሓሳስባ ሽንፈት፡ ክዉኑን እቲ ሽዑ ኣብ ባይታ ዝነበረ ውዱዕ ኩነታት ዝፈተሮ ስለዝኾነስ፡ ሕጂ፡ እንተዘይሽነፍ ነይረ፣ ኣታሓሳስባይ እንተዘይልውጥ ነይረ፣ ወ.ዘ.ተ. እልካ ዝምለስ ነገር የልቦን። ኣቦው፡ “ጣዕሳ ጥሩጥ” ዝብልዎ’ውን ከምዚ ምስተረኽበ ኢዩ። ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ፡ “ኣብ ህዝቢ ወጺኦም ድላዮም ይዘረቡ’ሞ፡ ከምኡ ማለተይ እኮ ኣይኮነኩን” ብዘስምዕ ገለ ክሓናጥጡ ዝፍትኑ’ውን ኣይጠፍኡን። እዚ’ውን ናይ “ጥዕሳት” ባህሪ ኢዩ’ሞ ዘገርም ኣይኮነን። ስለዝኮነ፡ ሕጂ እንታይ ተባህለ ወይ’ውን እንታይ ተገብረ ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብ 1991-1993 ዝተፈጥረ ኩነታት፡ ውጺኢት ናይቲ ክሳብ ሽዑ ዝተከፍለ ኤርትራዊ መስዋእትን ዝተረኽበ ኤርትራዊ ዓወትን ኢዩ። ኣነ፡ ከም ኤርትራዊ ዜጋ መጠን፡ ካኣ ኣዝየ ዝኾርዓሉ ታሪኽ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዝግብኦ ቦታ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ረኺቡ ተዓቂቡ ንኽነብር ዘዲሊ ቃልሲ ንኽገብር ድሉው’ውን ኢየ።
ኣብ ግንበት 1991 ኤርትራ ብወታሃደራዊ ዓወት ናጻ ምስኮነት (De Facto Independence)፡ እቲ ዝቐጸለ ቃልሲ ነቲ ዝተረክበ ዓወት ብመስርሕ ረፈረዱም ኣብልካ ዓለም-ለካዊ ኣፍልጦ ንምልባሱ ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ “እወ ንናጽነት” ኢሉ ኣብ ረፈረንዱም ኣብ ማዝያ 1993 ድሕሪ ምድማጹ፡ ኤርትራ ብሕጊ ናጻ (De Jure Independence) ኮይና። እቲ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ መንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ረፈረንዱም ድሕሪ ኽልተ ዓመታት (ማለት ኣብ ማዝያ 1993) ንኽገበር ኣብ 1991 ተሰማሚዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ውጺኢት ረፈረንዱም’ውን ተቐቢልዎ ኢዩ። ሕጂ፡ ከምቲ ገለገለ ባእታታን ሓይልታትን ወስ ከብልዎ ዝደልዩ፡ “ስለምንታይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ረፈረንዱም ንኽግበር ተሰማሚዑ? ስለምንታይ ነቲ ውጺኢት ረፈረንዱም ከ ተቐቢልዎ? እንተዘይቅበሎ ከ እንታይ ምኾነ? ወ.ዘ.ተ.” ንዝብሉ ናይ እንተታት ሕቶታት ምልዓል እንታይ ኢዩ መበገሲኡ? እቶም ባሃልቶም፡ እንታይ ክብሉ ስለዝደለዩ ኢዮም ዘልዕልዎም? ነዚ’ቶምን ንኻልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ምፍታሽ ኣገዳሲ ኢዩ። እቱይ ምንታይሲ፡ ንኤርትራዊ መንእሰይ ከዳናግሩ ስለዝኽእሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ ምቕባሉ ጽቡቕ ነይሩ ዶ ንዝብል ሕቶ፡ ኣይፋል ዝበል ዝኾነ ባእታ ዘሎ
ኣይመስለንን። እቲ ኣገዳስን ክምለስ ዘለዎን ሕቶ ግን “መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ረፈረንዱም ኣብ ኤርትራ ንክካየደ ተሰማሚዑን ንውጽኢት ረፈረንዱም ተቐቢሉን?” ዝብል ኢዩ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ “ኣብ 1991፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ረፈረንዱም ክግበር ኣይሰማማዓሉን ክብል ይኽእል ነይሩ ዲዩ?” ወይ’ውን፡ “ሓንሳብ ንክግበር ናይ ዝተሰማማዓሉ ረፈረንዱም ውጺኢት ከ ኣይቅበሎን ክብል ይክእል ነይሩ ዲዩ?” ብዙሓት ናይ እንተታት መልስታትን ትንተናታትን ክዋሃቡ ይኸሉ ይኾኑ። እታ ሓቂ ግን ሓንቲ ኢያ – “ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋጽን ንምሕላውን ኢዩ”።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመስርሕ ረፈረንዱምን ንውጺኢቱን ዝተሰማማዓሉን ዝተቐበሎን፡ ንሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ንምርግጋጽን ኢሉ ኢዩ። እዚ ካኣ ዓብዪ ጥበብን ክእለትን ናይቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ዘመልኽት። ኣብ 1991 ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝነበረት ናይ ቀረባ ታሪኽ ዝምስኽሮ ሓቂ ኢዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ጸገማትን ሽግራትን ኢትዮጵያ ንኽፈትሑ፡ ውሳኔታት ከወስዱ ነይሩዎም። ሓደ ካብቲ ዝወሰድዎ ውሳኔ ካኣ፡ “ኣብ ኤርትራ ረፈረንዱም ንኽካይድን ነቲ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ክቕበልዎ ምዃኖምን” ኢዩ ነይሩ። እዚ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘረጋግጽ ውሳኔ ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ዝነበረ ውዱዕ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ ኢዩ’ውን ነይሩ። ኢትዮጵያውያን ንተራ ኤርትራ ኣብ ምፍራስ ደርጊን ኣብ ምርግጋእ ኢትዮጵያን ተገንዚቦም፡ ካብቲ ሽዑ ዝገበርዎ ውሳኔ ሓሊፎም ካልእ ውሳኔ ውምሳድ ንረብሐኦም ከምዘይነበረ ተረዲኦሞ ነይሮም ኢዮም። ስለዚ፡ ንኢትዮጵያ “ረፈረንዱም ኣብ ኤርትራ ንኽካየድ ንኽትሰማማዕን፡ ነቲ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ንኽትቕቦሎን” ምግባር፡ ኣካል ናይቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተገብረ ቃልሲ ኮይኑ፡ “ሕራይ ናይ ኢትዮጵያ” ፍረ ውጺኢት ዘይሕለለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር፡ ብፍቓድን ብጽቡቕ ድሌትን ኢትዮጵያ ኣብ ሻሓኒ ተቐሚጡ ዝተዋህበና ውህብቶ ኣይኮነን/ኣይነበረን። ስለዝኮነ ኢዩ ካኣ፡ “እታ ኢትዮጵያ ሕራይ እንተዘይትብል ነይራስ፡ ኤርትራ ናጽነታ ኣይንረኸበትን ነይራ” ትብል ኣባሃህላ፡ ካብ ውድዕነት ዝረሕቐት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበር ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብግቡእ ካብዘይምርዳእን ካብዘይመንባብን ትብገስ ኣባሃህላ’ውን ኢያ። ነቲ ንኤርትራ ከምኡ’ውን ንኢትዮጵያ ዝጠቅም ውድዕነት ኣብ ባይታ ካብ ዝፈጠረ ሓይሊ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኤርትራዊ ተጋዳይ ኢዩ። ኢትዮጵያ “ሕራይ ንረፈረንዱም፡ ንሉዕላዊት ኤርትራ ካኣ እወ ኣፍልጦ ይህብ” ኢላ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ንኽትቕበል ዘገደድ ሓይሊ ኤርትራዊ ተጋዳላይን ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራን ኢዮም’ሞ፡ ክብርን ሞጎስን ንዓዓቶም ይኹን። ተጋዳላይ ኤርትራ፡ ብጽቡቕ ድሌት ናይ ኢትዮጵያ ዝተመለአ ጎዶሎ ናጽነት ኣይኮነን ኣምጺኡ። ብኣንጻሩ፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ሓኒቑ ሒዙ ዝነበረ ዓማጺ ስርዓት ብምፍራስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ኩነታት ከምዝፍጠርን፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ መሰሎም ንኽቃለሱ መንገዲ ዝኸፈተን ኤርትራዊ ተጋዳላይ ምዃኑ ታሪኽ ዝዝኽሮ ሓቂ ኢዩ። ብመንጽር እዚ ክዕቀን ከሎ፡ ገድሊ ኤርትራ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ዕውት ቃልሲ ኢዩ እንተተባህለ’ውን ምግናን ኣይኮውንን።
ነዚ “ኢትዮጵያ ሕራይ እንተዘይትብልሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣይንተረጋገጸን ነይሩ” ዝዓይነቱ ኣባሃህላ ሓቂ ዘለዎ ንምምሳል፡ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ጉዳይ ሶማሊ ላንድ፣ ኮስቮን ካልኦትን ንምዝማዱ ዝግበሩ ፈተነታት ኣለዉ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ጉዕዞ ገድሊ ኤርትራ ፍሉይነት ነይሩዎ፤ ድሕሪ ምዕዋቱ ካኣ ፍሉይ ኩነታት ፈጢሩ። መበገሲ ገድሊ ኤርትራ’ውን ፍሉይ ኢዩ። ድሕሪ መግዛእትታት ጣልያንን ኢንግሊዝን ኣብ ኤርትራ ምኽታሞም፡ ኣብ ክንዲ ከም ኩለን ኣብ መግዛእቲ ዝነበር ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነታ ትረኽብ፡ ብዘይፍትሓዊ ውሳኔ ሕብራት ሃገራት፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሉዕላውነት ንግስነት ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከምትቑረን ኢያ ተገይራ። ነቲ ፈደረሽን ብእደዋኒኑ ብምፍራስ፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ንኤርትራ ብሓይሊ ኣብ 1962 ኣካል ኢትዮጵያ ገሩዋ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዘይፍትሕዊ ውሳኔ ሕብራት ሃገራትን ጎበጥ ኢትዮጵያን ብምቅዋም ን30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ 1991/1993 ሃገራዊ ናጽነትን ሉዕላውነትን ኣርጋጊጹ። ብኣንጻሩ፡ ሶማሊ ላንድ ካብ መግዛእቲ ኢንግሊዝ፡ እቲ ዝተረፈ ሶማልያ ካኣ ካብ ናይ ጣልያን ናይ 10 ዓመት ሞግዚትነት ኣብ 1960 በብመንገደን ናጻ ምስኮና፡ ድሕሪ ቁሩም ማዓልታት ብልዝብ ኢዩ ሰሚረን ሶማልያ ዝባሃል ሓደ ሃገር ኮይነን። ሶማሊ ላንድ ነቲ ውዕል ሓድነት ኣፍሪሳ ኢያ ኣብ 1991 ናጽነታ ዝኣወጀት። ስለዝኮነ፡ እቲ ሓደ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ስለዘይተስማመዐ፡ እቲ ዝተኣወጀ ናጽነት ብዓለም ተቐባልነት ኣይረኸበን። ናይ ሶማሊ ላንድ መንግስቲ፡ ምስቲ ናይ ሶማልያ መንግስቲ ብምዝርራብ ጥራሕ ኢዩ ነቲ ጉዳይ መዕለቢ ክገብረሉ ዝክእል። እዚ ካኣ ምስ ጉዳይ ኤርትራን ምስ ኣብ 1991 ዝነበረ ኩነታት ኤርትራን ምንም ዘራኽብ የብሉን። ሶማሊ ላንድ ኣካል ሶማልያ ስለዝነበረትን፡ በይናዊ ናጽነት ስለዝኣወጀት’ሞ መንግስቲ ሶማልያ ካኣ ስለዘይተቐበሎ፡ ዓለምለከ ተቐባልነት ኣይርኸበትን። ከምቲ ናይ ሶማሊ ላንድ፡ ኤርትራ’ውን ኣካል ኢትዮጵያ ዝለዝነበረት፡ ኢትዮጵያ ሕራይ እንተዘይትብል ነይራስ፡ ናጽነት ናይ ኤርትራ ዓለምለካዊ ኣፍልጦ ኣይንረኸበን ነይሩ፡ ዝዓይነት ምዝማድ ኢዮም ከቕርቡ ዝደልዩ ዘለዉ እዞም “ጥዕሳት”። ብትምህርትና፡ ከምዚ ዓይነት ምዝማድ ናይ ሖሶት ምዝማድ (Spurious Correlation) ይባሃል። ብተማሳሳሊ፡ ጉዳይ ኮሶቮን ጉዳይ ኤርትራ’ውን ብታሪኹ ይኹን ብትሕዝትኡ ብዙሕ ዝዛመድ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ናብቲ ታሪኽ ብዙሕ ከይከድና፡ ጉዳይ ሶማሊ ላንድ ይኹን ጉዳይ ኮሶቮ፡ ኢትዮጵያ “ሕራይ” እንተዘይትብል ነይራስ፡ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ንኾነ
ነይሩ ተባሂሉ ከም ኣብነት ከገልግል ዝኽእል ኣይኮነነ። ብተወሳኪ፡ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ኢትዮጵያ “ኣይኮውንን” ክትብል ኣይትኸእልን ስለዝነበረትን፡ ከምኡ ምባል’ውን ንሃገራዊ ረብሓኣ ስለዘይነበረን፡ እኮ ኢያ “እምቢ/ኣይፋለይን” ዘይበለት። ብካልእ ኣባሃህላ፡ “ኢትዮጵያ ስለዝተቐሰበት ኢያ እኮ ተቐቢላቶ”።
እሞ፡ እንታይ ዳኣ ኢዩ፡ ሕጂ “ኢትዮጵያ እንተዘይትቕበሎ ነይራስ —–” ዝብል ሞጎተ ከልዕሉ ዝድልዩ ዘለው? ነቲ ኢትዮጵያ ንኽትቅበሎ ዝቐሰበ ሓይሊ፡ ነቲ ዝገበሮ ቃልስን ነቲ ዘረጋገጾ ዓወትን፡ ኣፍልጦ ንዘይማሃብ ዶ ኾን ይኸውን? ከምቲ ኣደ ኢላቶ ዝባሃል፡ “ፈቲካ ጸሊእካ ኣነ ኢየ ኣዴኻ” ከይትኸውን ንፈርሓሎም። እቱይ ምንታይሲ፡ እዚ ሓይሊ እዙይ ኢዩ ናጽነት ኤርትራ ንኽጭበጥን፡ ኤርትራዊ መንነትን ኤርትራዊ ሃገርነትን ንኽረጋገጽን ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ። ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ነዚ ሓይሊ እዚ፡ ክብርን ሞጎስን ይሃብካ ካብ ምባል ካልእ ምርጫ ዘለዎም ኣይመስለንን። ኣማን ብኣማን ካኣ ነቲ ንኤርትራዊ መንነት ክውን ዝገበረ ኤርትራዊ ተጋዳላይን ተቃልሳይ ህዝቢ ኤርትራን፡ ክብርን ሞጎስን ይሃቦ።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ነቲ ብዓይንና ዝራኣናዮን ዝነበርናዮን ውዱዕ ኩነታት ብምዝባዕ መደረ ከስምዑ ዝሰማዕናዮም፡ “ባዕሉ ከይዱ ሳንቡእ ዝኸልእዎስ፡ ሰብ ሊኢኹ እግሪ ስደዱለይ በለ” ምስ ትብል ቢሂል ኣቦው ክንሓድጎም ንደሊ። ነቶም “ዝተጎንአ መሸላ ክህልዉ ዝደልዩ” ካኣ፡ እተን የዕዋፍ ለባማት ዳኣ ከይኮና ንብሎም።



(Next News) »



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *