skip to Main Content
Menu
ባድመ     ኣሸበሮ መሓሪ

ባድመ ኣሸበሮ መሓሪ

  ባድመ

                     ኣሸበሮ መሓሪ

          1998 ኣብ መንጎ መንግስቲ ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጽያን ዝተላዕለ ኲናት እቲ ቀንዲ ጠንቂ ጉዳይ ባድመ ኣይነበረን። ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ንምፍላጥን ንምግምጋምን ንድሪሕት ግልጽ ብምባል ስርዓት ደርግ ወዲቁ ክልቲኦም   መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጽያን ካብ 1991——ክሳብ 1997 ዘሓለፍዎ ኩነታት ምድሕሳስ ኣድላዪ ኢዩ።  ኣብቲ እዋንቲ ክልቲኦም መንግስታት ብደረጃ ኮንፈደረሽን ናብ ዝፍለጥ ስምምዕ በጺሖም ነሮም።  ምስቲ ዝኣወጅዎ   ኮንፈደረሽን   ኣከታቲሎም ኤኮኖምያዊ ዲፕሎማስያዊ ማሕበራዊ ንግዳዊ ትምህርታዊ ኮታ ኩሉ መዳያት ዘጠቃለለ ስምምዕ እውን ገሮም ነሮምዮም። ክንዮዚ እውን ንኣቃልቦ ብዙሓት ዘገረመ መራሕ መንግስቲ ህግድፍ ኤርትራን ኢትዮጽያን ሓንቲ ሃገር ክኾና ኢየን ብዘመሳስል ቛንቛ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጽያን ናብ ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ክቅየር ኢዩ ዝበለሉ ዘይርሳዕ ተዘክሮውን ኢዩ ነሩ። ከም ውጽኢት ናይቲ ስምምዕ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ንባጠራ ኢትዮጽያ “ብር” ክጥቀም    ሃገራዊ ባንክ   ኢትዮጽያ ዝተወሰነ ዓቀን ባጠራ ሂቡ ነሩ። ኢትዮጽያውን ንወደብ ዓሰብ ትጥቀም ነራ።  ኣብ መንጎ ክልቲአን   ሃገራት ዝነበረ ናይ ንግዲ ስምምዕ ብናይ ኢትዮጽያ ባጠራዩ ነሩ።ድሕሪ ገለ እዋን ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ሰብ ሞያ ነጋዶን ህዝብን ኢትዮጽያ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ንግዳዊ መዳይ ካብ ዝተበጽሐ ቀጥዒ ስምምዕ ወጻኢ ብኮንትራባንዳውን ካልእ ርኡይ ዝምታን ብዝዓይነቱ ኣገባብ ንጸጋታት ሃገርና ይጉሕጉሕ ኣሎ ብማለት ናብ መንግስቶም መጠንቀቅታታትን ጥርዓናትን ከስምዑ ጀሚሮም። እቲ ቀጥዒዘይብሉ ናይ ንግድ ምክሳስ ናብ ዝለዓለ ጀረጅኡ በጺሑ። ክልቲኦም መንግስታት ብዛዕባቲጸገም ዋላኳ ክረዳድኡ እንተፈተኑ   ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ክውዕል ብዝኽእል መዐቀኒታት ናብ ፍታሕ ክበጽሑ ኣይከኣሉን።ጉዳይ ተሪሩ ነፍሲ ወከፍ መንግስቲ ዝውንኖ ናይ ጽቅጢ ወረቀት (ካርድ) ከውጽእ ጀሚሩ። ከም ውጽኢቱ መንግስቲ ኢትዮጽያ ኣብ መንጉኡን ኤርትራንዝካየድ ንግዲ ብዶላር ክኸውን ኣለዎ ኢሉ። መንግስቲ ህግደፍ ብሸነኹ ክራይ ወደብ ዓሰብ ክውስኽን ካልእ ነቲ ኢትዮጽያ እትጥቀመሉ ሪፋይነሪ ዓሰብ መዐረዪ ዝኸውን ገንዘብ ጠሊቡ።መንግስቲ ኢትዮጽያ ንጠለባት ህግደፍ ዝሃቦ መልሲ ንወደብ ዓሰብ ገዲፍናዮ ኣለና ዝብል ኢዩ ነሩ።  ህግደፍ ሓድሽ ባጠራ ምስ ኣውጸአ ነቲ    ካብ ባንክ ኢትዮጽያ ብስምምዕ ክሰርሓሉ ዝጸነሐ ባጠራ ንመንግስቲ ኢትዮጽያ ተቀበሉኒ ኢሉ።  እቲ መንግስቲ ህግደፍ ተቀበሉኒ ዝበሎ ዓቀን ገንዘብ ካብቲ ብስምምዕ ክሰርሓሉ ካበ ባንክ ኢትዮጽያ ዝወሰዶ ንላዕሊ ኣዚ ብዙሕ  ኢዩ ነሩ።  መንግስቲ ኢትዮጽያ ክትሰርሑሉ ካብ ዝሃብናኩም ንላዕሊ ኢዩ ካበይ ኣምጺእኩሞ ነቲ ዝሃብናኩም  ጥራይ  ኢና  ንቅበል ክብል  መሊሱሎም።ህግደፍ አኮኖሚኹም ከይህሰ እምበር ኣብ  ዕዳጋ  ክንሰዶ  ንኽእል  ኢና  ኢሉ  ክህድዶም  ተራኢዩ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጽያ ብምስጢር ድሮ ሓዲሽ ባጠራ ኣዳሊዩ ስለዝነበረ ኣብ ውሽጢ  45  መዓልታት  እቲ  ናይ  ቀደም  ባጠራ ብሓዲሽ  ባጠራ  ክቅየር  ኣዊጁ።  መንግስቲ ህግደፍ እቲ ብስምምዕ ካብ መንግስቲ ኢትዮጽያ ክሰርሓሉ ዝጸነሐን ብኮንትራባንዳዊ ዝምታ ብዝዓይነቱ ኣገባብ ዝኣከቦ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሓዊይዎ ተሪፉ።  ክልተ ጎራሓት ሓሙኹሽቲ ስንቆም ንዝብል ተራ ባህላዊ ምስላ ኣቦታትት ዘዘኻኽር ኢዩ።

     ክልቲኦም መንግስታት ኣብዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ መዳያት ዝተሃላለኹሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን    ብጉዳይ ባድመ ከም ኣጀንዳ ኣልዒሎሞ ተዛቲዮም ወይ ተሰሓሒቦም ኣይፈልጡን ኢዮም።  ነቲ ኩሉ ዝውንንዎ ሓደ ነቲ ካልእ ናይ ምንብርካኽ ወረቃቅቲ (ካርድ) ምስ ጸንቀቁ ግን ንጉዳይ ባድመ ከም ምኽንያት ተጠቂሞም ንዓለም ብምሉኣ ብዘገረመ ኣገባብ ኣብ ባድመ ኣብ ናይ ህልቂት ውግእ ኣቲዮም።

       ሽዑ መንግስቲ ህግደፍን ኢትዮጽያን ኣብ ውግእ ኣቲዮም ብዝብል ዜና ዘይገረመ ተዓዛቢ ኣይነበረን። ተዓዛቢ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንዝርእዮ ዝነበረ ኲናት ምእማን ስኢኑ ፍጹም ዘይከውን ኢዩ እዚ ባእሲ ወያነን ሸዓብያን ከም ባእሲ ክልተ ሰብ ሓዳር ኢዩ ሕጂ ክዕረቁ ኢዮም ኣብ መንጎኦም ውግእ ኣይክቅጽልን ኢዩ ይብሉ ከም ዝነብውሩ ዘይርሳዕ    ተዘክሮ ዩ ነሩ።

   ስለዚ ምኽንያትን ጠንቅን ኲናት መንግስቲ ህግደፍን ኢትዮጽያን ኣብ ዞናና መን ዝሓየለን ጎብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይኸውንን ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ኩሉ መዳያት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤኮኖምያውን ዲፕሎማስያውን መዳያት መን ቀጻሊ መኽሰብን ተሰማዕነትን ዝለዓለ ናይ ሓያልነት ኢድን ይህልዎ ዝብል ናይ ዕብዳንን ስሰዐን መንፈስ ዘኸተሎ ኲናት ደኣ እምበር ጉዳይ ባድመ ኣይነበረን።

        ከም ተመኩሮ ሃገራት ዓለምና ጉዳይ ዶብ ብውግእ ተፈቲሑ ኣይፈልጥን ኢዩ። የግዳስ   ሰብ ጉዳይ እንተኺኢሎም   ባዕሎም ወይ ሳልሳይ ኣካል ገሮም ተመያዪጦምዮም ዝፈትሕዎ። እዚ ምስ ዘይከኣሎም ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ቀሪቦም ይፈትሕዎ።   ብጉዳይ ዶብ ኣብ ኲናት ዝኣትዋ ሃገራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ባይታ ብዝሓዞኦ መሬት ኣይነብራን ኢየን።  የግዳስ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበን ብይን ኢየን ዝቅበላ።  ስለዚ ክልተ ሃገራት ብጉዳይ ዶብ ኣብ ኲናት ኣቲየን ሓንቲ ካብአን ኣብ ልዕሊ እታ መዋግእታ እተረጋግጾ መሬት  ናይ ምሓዝ  ግዝያዊ  ዓወት ኣብ  ብይን  ኣህጉራዊ  ቤት  ፍርዲ  ዝኾነ  ጽልዋ  ግደን  የብሉን። ብውግእ ኣብ ባይታ ሓያል መሲላ መሬት ሒዛ ዝጸነሐት መንግስቲ ድሕሪ ብይን ኣህጉራዊ  ቤት ፍርዲ  ሓፊራ መሰስ ኢላ  ኢያ  ትወጽእ።  ስለዝኾነ ኸኣዩ ጉዳይ  ዶብ  ብዘተ  እምበር ብውግእ  ኣይፍታሕን  ኢዩ  ዝበሃል።

         ንጉዳይ  ባድመ  ከም ጉልባብ  ገሩ  ንክልቲአን መንግስታት ናብ ናይ  ሰራዊተን ሂወት ህልቂትን ሰፍ  ዘይብል  ኤኮኖምያዊ ክሳራን  ምዝንባል ህዝበንን ዘስዓበ ኲናት  ኢትዮጽያን  ኤርትራውን ብኣህፉራዊ ቤትፍርዲ ብይን  ተዋሂብዎ። ክልቲአን  ሃገራት  ተቀቢልናዮ ኢለን  ከብቅዓ ከምቲ  “ሰይጣን  ኣብ  ዝርዝር  ኢዩ ዘሎ  ዝበሃል  ምስላ  ኣዕራብ”  ኢትዮጽያ ኣብ ትግባሪኡ  ንዛተ መንግስቲ  ህግደፍ  ድማ ኣይፋሉን  መሰስ ኢልኩም  ደኣ ውጹልና  ተበሃሂሎም  ከምቲ  ልማዶም መባኣሲኦም ካልእ  ጉዳይ  ክንሱ  ንባድመ ጉልባብ  ዝገብውርዎ ኣብ  ዝርዝር  ኣተጋባብራ  ውሳኔ  ቤትፍርዲውን ካልእ ምኽኒት  ፈጢሮም  ንክልቲኦም ኣህዛብ ንዓመታት ኣብ ናይ  ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋሁ  ሸሚሞም  ይርከቡ።

     ኣብዚ ቀረባ  ቅንያት ኢትዪጽያ ንትግባረ ብይን  ሄግ ምሉእ  ብምሉእ  ክፍጽም  ድልውቲየ ከም  ውጽኢቱ  ድማ  ኣብ መንጎ  ኤርትራን  ኢትዮጽያን   ስላም  ክሰፍን  ክሰርሕ  ኢየ ኢላ።  ብመንጽርዚ  መንግስቲ  ኤርትራ ናይ  ሰላም  ኢድ  ክዝርግሕውን  ኣማሕጺና።  ትሕዝቶ  ኣዋጅ  ኢትዪጽያ ንሉኡላውነት  ኤርትራ ዘኽብር  ስለዝኾነ  ኣወንታዊ  ምዕባለ ኢዩ። ይኹን  እምበር እቲ  ኢትዮጽያ  ንኤርትራ  ብተመሳሳሊ  ናይ  ሰላም  ኢድ  ክትዝርግሕ  ዘማሕጸነቶ  ካብቲ  ናይ  ቀደም  ንዛተ  ዝብል  ከም  ዝፍለ  ክንጸር  ነርዎ።

መንግስቲ  ኢትዮጽያ ምስቲ  ዝኣወጆ ካብ  መሬት  ኤርትራ በይናዊ ናይ  ምስሓብ  ትግባረ  እንተዝፍጽም  እቲ  ምግለጺኡ ዝያዳ  ሓዲሽን  ቅቡልን  ምኾነ  ነሩ። ካብ  መንግስቲ  ህግደፍ ተመሳሳሊ ድልውነት  ንጽበ  ዝብል ሓሳብ ኢትዮጽያ ብዝምልከት  እንተተዛቲዮ  ካብ  ክልቲኦም  መንግስታት ኣብ  ዝርዝር ትግባረ ናይቲ  ብይን ሎሚውን  ከም  ቀደም ካክእ  ሰይጣን  ከይርከብ ዘየጠራጥር ኣይኮነንን።

       ብኻልእ  ሸነኽ  መንግስቲ  ህግደፍ  ከምቲ  ቅድም  ኢትዮጽያ  ካብ  መሬትና  ከይወጸ ዘተ  ዝበሃል  የለን ዝበሎ  ኢትዪጽያ  ክሳብ  ትስሕብ  ድዩ  ክጽበ? እዝን  ካልእን  ሕቶታት   ክልቲኦም  መንግስታት  ክምልስዎ ዘለዎም ጉዳይ ኢዩ። ይኹን  እምበር  ክልቲኦም  መንግስታት ድሮ  ብምስጢር ተራኺቦም  ክዛተዩ  ጀሚሮም  ኣለዉ  ዝብል ሓበሬታ ይነፍስ  ኣሎ። እዚ  ሓቂ  እንተኾይኑ ምስቲ  ናይ ቅድም መርገጽ  ህግደፍ ተገራጫዊ  ኣብ  ርእሲ  ምዃኑ ህግደፍ ጉዳይ  ሃገር  ዘየገድሶ   ብዕለታዊ  ንመኽሰብ  ስልጣነይዶ  ወይስ  ንክሳራ ስልጣነይ ዝብል  ጋኒናዊ መርሆ ዝኸይድ  ምዃኑ  ዘብርህ  ኢዩ። ከምዚ  ዓይነት  ስርዓት ሎምውን  ከም  ቀደም  ካልእ  ናይ ውግእ   ምኽንያታትን  ጸላእትን  ምፍጣር  ኣይከጸግሞን  ኢዩ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top