Main Menu

ነጸብራቕ/ስንጸት(reflection)

ነጸብራቕ/ስንጸት(reflection)

ቀዳማይ ክፋል

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ኩቡራት የሕዋት ሎሚ ክንዛረበሉ እንደሊ ነጸብራቕ/ስንጸት(reflection)ዝብል ኣርእስቲ ኮይኑ፣ነዚ እንጓዓዞ ዞሎና መስርሕ ቃልሲ-ፍትሒ፣ኣብ ምውዳእ 2019 አብ ምጅማር 2020 ገጽና ንኸይድ ስለ ዞሎና፡ገምጋማትን ስንጸትን/ነጸብራቓት ዝግበረሉ፣ሓዲሽ መስርሕታት እትእምተሉ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓና፣ብወገና ንምስታፍ ዝዓለመ እዩ።

ከም ምርዳእና ኣገዳስነት ናይ ሓደ ዲሞክራሲ፣ሓደ ምትእስሳር ዜጋታት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ስራሕ ንምክያድ ዝህነጽ ህዝባዊ ውዳበ ኮይኑ ኩሉ ዝሳተፎን ንጡፉት ዜጋታቱ ኣላልዩ ዘዋስእ፣ዕላምኡ ዘነጸረ ራኢኡ ብሩህ ኮይኑ ኣብ ሽትኡ ክበጽሕ ዝጽዕር ምትእኽኻብ ምዃኑ እንዝክርኖ ይመስለና፡፡

ንምዝካሩ እታ ቃል ደሞክራሲ ብናይ ግሪኽ ቋንቋ፡ደሞስ ህዝቢ ካቶስ ስልጣን፣ኮይኖም ናዘይዘን ክልተ ቃላት ተደሚረን ስልጣን ናይ ህዝቢ ይገልጻ፤ብሕጽር ዝበለ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኾይኑ ብቐጥታ ይኹን ብውክልና ዝራጋገጽ ኣጋባብ ይኽተል፡፡

መልክዕ መንግስቲ፣ነቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ ዝብሃል ብቐጥታ ንሱ ዝመርጾ ወይም ብነጻ ድልየቱን ንውልቀ ሰብ ይኹን ወይ ብውድብ መልክዕ ክውክልዎ ዝኽእሉ መሪጹ ብዝልኣኾም ይካናወን፡፡

ከመይ ዘመሰሉ ምሕደራ(ተቓራረብቲ ክንብሎም እንኽእል፡ ‘’መዓስ መን ይእዝዝ’)፣መልስታት ስልጣን ብህዝቢ ዝውነን፣ውይም ብኦሊጋርኪ(ውሑዳት ወይ ንኣሽቱ ጉጅለ ስልጣን ዝትሓዝ)፣ከምኡ ብሞኳንንቲ (aristocracy)ኣሪክሮስክራስያ(ስርዓተ-ቡሉጻት)፣ወይም ስልጣን ውልቀ መላኺ፣ተክኖክራሲ(ብተክኒካዊ/ኪኢላታት ዝማሓደሩ)፣ትዮክራሲያዊ መንግስቲ(ብሽም እምነት ዝማሓደር ስርዓት) ዘኣመሰሉ ከም ዘለዉ ንምዝካር ምስቲ እንደልዮ ደሞክራሲ ስርዓት ምንጽጻር ክጠቕመና ይኽእል።

‘’ህላውነት ደሞክራሲ ወናኒ ስልጣን ህዝቢ ምስ ዝኸዉን እጥራይ እዩ’’።ኩሉ እቲ ካልእ ስርዓታት ዘይደሞክራሲያዊ ኮይኑ፣ ብወገና ኣጸቢቕና ክንፈልጦን ክንርድኦን ምስ እንኽእል ሽቶ ፍትሓዊ ቃልስታት ክዕወት ይኽእል።

አዚ ዝተጠቕሰ ኣጋባብ ምሕደራ ኣብ ኩሉ ዓይነታት ኣዋዳድባ’ዉን ክህሉ ስለ ዝኽእል፣ብኑጹርን ጡንቁቑን መስርሕ ደሞክራሲ ክንጓዓዝ እዩ ዝምረጽ፡፡

ነዚ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ግጅለ ህግደፍ ካብ ሱሩ ሚሒና ከነውጽኦ እንተ ደኣ ኮይና፣ ንሕና ብቐዳምነውት ደሞክራስያውያን ፍትሓውያን ክንከዉን ይግባእ።

# ልእላውነት ብናይ ኩሉ ድልየትን ቃልስን ዝራጋገጽ ስለ ዝኾነ፣ብማንም ዓይነት ክጓነ ወይ ክጎድል ክሓቅቕ ኣይክእልን፤ዋና ልእላውነት እቶም ናይ ሓባር ቃልሲ ኣካይዶም ዘጓነጽፍዎ ብምዃኑ መጠን፣ብዘይካኣቶም ካልኦት ክውክልዎ/ምስለንነት/ባእላነት የብሉን ይብል ዓቢ ፍላስፋ ጃን-ጃኰስ ሮሱው(Jean-Jacques Rousseau) ፡፡

እቲ ምርጫ ካብዞም ዝተጠቕሱ ስርዓታት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንጠቕምኻ ምምላእ፣ገለ እዋን ካብ ባህርያት ደቂ ሰባት ዝነቐለ ኮይኑ፣ስልጣን ንምሓዙን በቢ ዓይነቱ ስልትን ስትራተጅን ከም ዝጥቀሙ ንኹላትና ብሩህ ኮይኑ፡እቲ ንመሰል ደቂሰባት እትረኽበሉ፣ብስርዓተ ሕጊ እተምሓደር፣ፍትሒ ዝነግሰሉ፣ብቑዋም ዝማሓደር ደሞክራስያዊ ባይታን ሃገርን ውድብ’ውን ከይተረፈ ዘጣቓልል ምዃኑ መጠን፣ብንቕሓት ክንዋሳእ እዩ ዝምረጽን ዝድለን፡፡ ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ኩሎም ሕግታትን ውጥናትን፣ንመሰረታዊ መተክላት ናይ ህዝባዊ ውዕል ወይ ሃገራዊ ቅዋም ብዘይ-ጻረር መገዲ በቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ወኪል፣መንግስቲ ይጸድቁ፤እቶም ሕግታት ፖሊሲታትን ድማ ንድሌት፣ክብርን ረብሓን ህዝቢ ከንጻባርቕ ይግባእ፡፡

ደጊሙ ክጥቀስ ዘለዎ፣ህዝቢ ከቢሩ ወናኒ ምዕባሌኡ ክኸዉን እንተ ኾይኑ መሰረታውያን ናጽነታት የድልይዎ፤እዞም ናጽነታት እንተዘየለዉ ኣብ ሃገር ይኹን ውድብ፣ ፍትሕን ምዕባለን ክህሉ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ ጥራይ ምዃኑ ታሪኽናን ታሪኽ ህዝብታት ዓለምን ይነግረና፡፡

ብዓይኒ ሓቂ ንምርኣይ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ እንተ ገምጊምናዮ ኣዚዩ ጎሊሑ ክርኣየና ይኽእል። ነቲ ኣብ ደምበ ፍትሒ’ከ ባህርያት ደሞክራሲን ፍትሕን ብምልኡ ይማላእ ኣሎ’ዶ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ዘለዎ ክይኑ ይስምዓና።

እዝን ረቂቕ ስልቲ ውልቀ መላኺ ዘርኢ አብ ዝመጽእ ነጸብራቕ/ስንጸት ክንርእዩ ክንፍትን ኢና፡፡

ኮይኑ ግን ምሕሳብ ምስትውዓል ምምርማር ከድልየና እዩ፡፡

ኣቕረብቲ፡ ፍትዊ ክፍለ

           ብዙ ብቱኞሊ






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *