Main Menu

ናብ ዲሞክራሲ ምብጻሕ: ትምህርቲታት ካብ ዑዉት ምስግጋራት:: ብ ኣብረሃም ኤፍ. ሎዌንዛልን ሰርጅዮ ቢታርን

ናብ ዲሞክራሲ ምብጻሕ: ትምህርቲታት ካብ ዑዉት ምስግጋራት::

ብ ኣብረሃም ኤፍ. ሎዌንዛልን ሰርጅዮ ቢታርን

ትርጕም ሰመረ ተስፋሚካኤል ሃብተማርያም

ካልኣይ ክፋል

ከምዚ ዓይነት ስጉምትታት ክትብሎም ይቐልል ካብ ከተተግብሮም፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሎም ከኣ በሊሕ ፖለቲካዊ ፍርድን ትብዓትን ይሓትት። ኣብ ገለ ኩነታት እዚኦም ስጉምትታት ኣቐድምካ፡ ኣብ እግረ ተኽሊ፡ ክትዛረበሎም ትኽእል፡ ኣብ ገሊኡ ግን ፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስዱ ኢዮም። ካብ መጀመርታ ግን ቀዳምነትን ከምኡ ‘ውን ቀጻልነቱን ዘረጋግጽ ሓለዋ ክወሃቦም ይግባእ። ከምቲ ሓቢቢ ዝገለጾ ብዛዕባ ዝምድና ገባርን ወተሃደራትን ኣብ ኢንዶኒስያ ክትንትን ከሎ፡ “እቶም ምስግጋር ዝመርሑ…ከርእዩ ኣለዎም፡ ብዘረባ ወይ ጽሑፍ ዘኮነስ፡ የግዳስ ብተግባር፡ ኣገዳስነት ገባራዊ ቁጽጽር።”

እቶም ዓበይቲ ገባራውያን ሰብመዚ፡ ሓላፍነት ምቁጽጻር ሓይልታት ጸታ ዝሓዙ፡ ፈላጣት ክኾኑን ብዛዕባ ጉዳያት ጸታን፡ ከምኡ ‘ውን ኣኽብሮ ክህልዎም ይግባእ ኣብቶም ማዕሪኦም ዝኾኑ፡ ኣብ ወተሃደርነትን ፖሊስን ስለላዊ ኣገልግሎትን ዘለው መራሕቲ። እዚ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኣብተን ዲሞክራሳውያን ምንቅስቓሳት ብጎንጺ ምስ ኣገልግሎት ጸታ ዝተራጸማ፡ ኣብ ህላወ ሕድሕደ ዘይምትእምማን ዝቕጽል፡ ኣብ ልዕሊ ገባራዊ ክእለት ብወተሃደራዊ ጉዳያት ቁንጣሮ ኣኽብሮ ምስ ዝህሉ።

መራሕቲ ምስግጋር፡ ነቲ ዝሓለፈ ስርዓት ተሓተቲ ንምግባርን፡ ነቲ ናይ ሓይሊ ጸታ ፍናኑን ስነስርዓቱን ንምዕቃብ ዘሎ ድልየትን፡ ሚዛኑ ክሕልው ኣለዎም። ኣብ መንጎ ናይ ቀደም ርጉማት ተጻላእቲ ዝነበሩ ሰላማዊ ሕድሕደ ምቅብባል ክሕብሕቡ ኣለዎም–ቀሊል ጉዳይ ኣይኮነን። ሽዑ ጥራይ እዮም ዜጋታት ነቲ ተጻባኢን ኢወግዓውን ኢሎም ብዙሓት ብጠገለ ነጺገሞ ዝነበሩ መንግስቲ ክቕበልዎ ዝጅምሩን፡ ሽዑ ጥራይ ‘ዮም ‘ውን እቶም ሓይልታት ጸታ ምስ ዜጋታት፡ ምስቶም መነዓዓብቲ ኢሎም ዝሓስብዎም ዝነበሩ፡ ምሉእ-ብምሉእ ዝተሓጋገዙ።

እቲ ሓደ ካብቲ ንሓደሽቲ ዴሞክራስታት ዘጋጥመን ኣዝዩ ግዜ ዝወስድ ብድሆታት ነቲ ጸታዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ገባራዊ ቁጽጽር ምእታው እዩ። እቲ ናይ ግብጺ ዲሞክራሳዊ ምስግጋር ዘፍሸለ፡ ከርሰ ነገሩ እቲ ዝቐጸለ ልዕልነት፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዝተመርጸ ትካላት ሓለፋ ዘለዎ፡ ናይ ግብጽዊ ወተሃደራዊነት እዩ። ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ከም በዓል ጋምብያን ማይነማርን ታይላንድን፡ እቲ ዝያዳ ኩሉ፡ ኣብ ዕዉት ዲሞክራሳዊ ምስግጋር ኣገዳሲ ዝኾነ ዕንቅፋት፡ እቲ ገባራዊ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸታ ዘይምህላው እዩ።

እቲ ቅዋማዊ ብድሆ

ነቲ ወተሃደራዊ ኣብ ትሕቲ ገባራዊ ቁጽጽር ምእታው፡ ነቶም መራሕቲ ምስግጋር ንሃገራዊ እምነትን ኣህግራዊ ወግዓውነት ንኽረኽቡ ከተባብዕ ይሕግዝ። ከምኡውን፡ እቲ ምዕባለ ምርጫዊ መሳሪሕታት ድሌት ናይ ቡዙሓን ዘንጸባርቕን፡ ነቶም ኣብ ምርጫ ዝተሰነፉ፡ እቲ ቀንዲ ሻቕለቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከም ዝኽበር ክረጋገጽ ከሎ ‘ዩ። ኣብ መብዛሕቲአን ሃገራት ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም ግድነታዊ ‘ዩ፡ ኢንዶኒስያ ግዳ፡ ነቲ ናይ 1945 ቅዋም ገለ ዓንቀጽት ጥራሕ ለዊጣ ዓቀበቶ፡ ፖላንዳ ‘ውን፡ ንምሉእ ሓድሽ ቅዋም ክሳብ ሓያሎ ዓመታት፡ ድሕሪ ምውዳቕ ዴስነት ዝሓልፍ ኣየጽደቐቶን።

ሰፊሕ ቡዙሕነት ዘለዎም ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ክሳተፉ ይግባእ፡ እቲ ቅዋም ነቲ ዋና ዝኾነ ሻቕሎት፡ ናይ ቀንዲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተስብ፡ ምእታን ክፈትሕ፡ ዋላ‘ኳ ‘ዚ ንግዜያዊ፡ ንዲሞክራሲ ዝገትእ መሳሪሕታት ምቕባል እንተኾነ። ኣብ ግምት ክእቱ፡ እቲ ን25 ዓመት፡ ድሕሪ ምዕናው ስርዓት ፒኖሸ፡ ዘቐጸልዎ ኣድልዎ ዝነበሮ ምርጫዊ ኣገባብ፡ ነቶም ወተሃደራዊን ዓቃባውያን ጉጅለታትን ኣፎም ንምዕባስን ኢዶም ንምጥማርን ኢዩ ኔሩ፡ ከምኡ’ውን ምሃብ ቦታ ምኽትል ፕረሲደንት ንመራሒ ተቓውሞ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ። ሓድሽ ቅዋም ሰፊሕ ደገፍ ክረክብ እንተኾይኑ፡ ምናልባት ምስኡ ልኡላት ባህግታት ምሕባርን፡ ኣድሒሩ ከኣ ምስሓብን፡ ወይ ‘ውን ዘገም እናለ ክትግበር ምግባሩ የድሊ ይኸውን፡ ከም’ቲ ኣብ ናይ 1988 ቅዋም ብራዚል ሁንጡይ ማሕበራውን ቁጠባውን ስንዳአታት፡ ሰፊሕ ናይ ዕዮ መሰላትን ሕርሻዊ ጽገናን ኣድማሳዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ዝጸወዐ።

ዋላ ‘ኳ ኣብ ሓደ ቅዋም እቲ ትኽክልኛ ኣጣቕማ ቃላት ኣገዳሲ ይኹን ፡ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲስ፡ ብከመይን መዓስን ብመንን ክጽድቕ ከሎ ‘ዩ። እቶም ተለምቲ እቲ ቅዋም ሰፊሕ ተቐባልነት ክረክብን፡ ከምኡ ‘ውን፡ ኣብ ኩነታት ብዘፍቅዶ፡ ንምጽጋኑ ኣጸቢቑ ቀሊልን ወይ ‘ውን ተግባራዊ ዘይኮነን ንኸይኸውን ክዕወቱ ኣለዎም። ቡዙሓት ‘ዮም ንናይ ኣይልዊን ቅዋም ዝነቐፉ፦ እታ ናይ ሓቂ ሽማግለ ኣብ ቺለ “ክሳብ ዝከኣል” ጥራሕ ‘ያ ፍትሒ ከተውህብ ዝሃቀነት፦ የግዳስ እቲ ሽዑ ዝተኻአለ፡ ዓመታት ምስ ሓለፈ ከኣ ዝያዳ ገፈሐ። እቲ ቀንዲ ሽቶ ክኸውን ዘለዎ ከመይ ጌርካ ሰፊሕ ተቐባልነት ብዛዕባ መሰረታውያን ሕግታት ዲሞክራሳዊ ምውሳእ ትምስርት ‘ዩ። ከምቲ ድሕሪ ዓሌታዊ ግዝኣት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ ፕረሲደንት ዝኾነ ታቦ እምበከ ዝተገንዘቦ፡ “ኣገዳሲ ‘ዩ ኔሩ እቲ ቅዋም ብመላእ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ክውነን፡ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ናብ ምትላም ቅዋም ዘብጸሐ መሳርሕ ንኩሉ ዘሳትፍ ክኸውን።”

እቲ መሳርሕ ንደገፍቲ ናይቲ ሑልፍ ስርዓት ዘሳትፍ ከኸውን ኣልዎ፡ ውሕስነት ከኣ የድልዮም፡ መሰላቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከም ዝኽበር። ንኹሎም ሰበስልጣናት ነበር ብኣልማማ ምኽሳስ ለባም ኣይይኮነን። እቶም ሓደሽቲ መራሕቲ ክምስርትዎ ዘለዎም እምበኣር ግሁድ ሕጋዊ ኣገባባት ንምድህሳስ ሓቂ ብዛዕባ ሑሉፍ ዓመጻትን፡ ንግዳይ ኣደዳ ዝኾኑ ምፍላጥን፡ ምናልባት ‘ውን ካሕሳ ምሃብን፡ ኣብ ዝከኣለሉ ‘ውን ነቶም ዓቢ ገበን ዝፈጸሙ ኣብ ሕጊ ምቕራብ። ዋላ‘ኳ ሙሉእ ዕርቂ ዘይኸውን እንተኾነ፡ ሕድሕደ ምጽውዋር ግን ግድነታዊ ሽቶ ‘ዩ። እንካን-ሃባን ዘለዎ ማእከላይ ኣፈታትሓ፡ ደጊም-ደጋጊም ኣድላዪ ‘ዩ።

ሚዛን ዘሕልዉ ግብረታት

ዴሞክራሳዊ ምስግጋር እግሪ እናተኸለ ከሎ፡ እቲ ህዝቢ ነቶም ዴሞክራሳውያን መራሕቲ ‘ዩ–ሓንሳብ-ሓንሳብ ‘ውን ንዴሞክራሲ ባዕላ—ንቁጠባውን ፖለቲካውን ትጽቢታት ከማልኡ ብዘይምኽኣሎም መብዛሕቲኡ እዋን ዝወቕሶም። ንውልቀመላኺ ስርዓት ክቃወማ ዝሓበራ ምንቅስቓሳት ክበታተና ይኽእላ። እቶም ሓደሽቲ ሰበስልጣናት ነቲ ዘይተርፍ ዓሚቕ-ዝስሩ ኣመላት ብልሽውናን ዘይምስላጥነትን ይወርሱ። እተን በርጌስ ሕብረተሰብ ውድባት፡ ንኣንጻር ምልኪ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምንቅስቓስ፡ ዘበርከታ ሓንሳብ-ሓንሳብ ይቁንቁና ወይ ‘ውን ኣዕናዊ ዝኾነ መርገጻት ይኽተላ፡ ብፍላይ ድሕሪ ‘ቶም መብዛሕቲኦም ወሓላሉ መራሕተን ኣብ መንግስቲ ወይ ኣብ ሰልፊ ፖለቲካ ክኣትው ከለው።

ምህናጽ ኣወንታዊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ‘ቲ ሓድሽ መንግስትን ‘ቲ ሓድሽ ተቓውሞን ቀጻሊ ብድሆ ‘ዩ። ውድድር ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓውሞን ንዴሞክራሲ ጥዕና ይህቦ፡ ሙሉእ ዕግተት ብተቓውሞን ወይ ምድቋስ ነቐፌታ ብመንግስቲን ከኣ ብቕጽበት ንዴሞክራሲ የዕንዎ። ሓደ ነጻ ፈራዲ ኣካል፡ ብዘይ ምዕጋት ቡዙሓት ሓደሽቲ ተበግሶታት፡ ንፈጻሚ ተሓታቲ ክገብሮን፡ ከምኡ’ውን ሓደ ነጻን ሓላፍነታውን መራኸቢ ሚድያ ንሓዳሪ ዴሞክራሲ ክስረት ይሕግዝ።

ፖለቲካውያን ሰልፍታት ውን ኣገዳሲ ተራ ይጻወታ፡ እንድሕር መጎዓዝያ ናይ ፍሉያት ውልቀሰባትን ኣዕሩኽቶምን ካብ ምዃን ተቖጢበን። ብኣገባብ ዝተወደባን በዓል መደባትን ዝኾና ዴሞክራስያውያን ሰልፍታት እቲ ዝሓሸ ካብ ኩሉ ደርቢ ዝመንጩ ህዝቢ ዝዋሰኣሉ ባይታ ዝህብ፡ ኣድማዒ ጸቕጢ ዝሕብሕብን፡ ንሕንጻጻት ዕንጋላዊ ሓግዝ ከውህብ ዝወዳድብን፡ ህዝባዊ ጠለባት ዝኣሊን፡ ክኢላታት መራሕቲ ዘለልን ዘማዕርግንን። ኣመዓባብላ ሓያላት ሰልፍታት ጡንቁቕ ጠመተ ኣብ መሳርሕታትን ተዋሕስነት ኣመራርጻ ተወዳደርቲን፡ ምምዋል መኸተ ምርጫን፡ ኣክሰስ ናብ መራኸቢ ብዙሕን። እቲ ንዲሞክራሳዊ ምሕደራ ኣብ ጋናን ኢንዶኒስያን ፊሊፒንስን ቀጻሊ ብድሆታት ኮይኑ ዘሎ ብሓደ ሸነኽ ህላውነት ድኹማት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ‘ዩ።

ዋላ‘ኳ ‘ቲ ንምስግጋር ዝውልዕ፡ ኣብ ክንዲ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ጠንጥታት ይኹን እምበር፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ፡ ከይ ወዓሉ ከይ ሓደሩ፡ ቀዳምነት ዝኾንዎስ ቁጠባዊ ብድሆታት እዮም። ድኽነትን ስራሕ-ኣልቦነትን ምቕናስ ምስ ዘድልዩ ቁጠባዊ ጽገናታትን፡ ንናይ ርሑቕ-ጠማቲ ዕቤትታን ማላእ-ቁጠባዊ ርግኣትን ዘጠንክሩ ክጋራጮ ይኽእል። ቅድሚ ‘ቲ ሓያል ህዝባዊ ደግፍ ምጽንፋፉ፡ እቲ መንግስቲ ከተግብሮም ዘለዎም ማሓበራዊ ስጉምትታት፡ እቲ በቶም ብቐረባ ዝጥቅዑ ክፋል ሕብረተሰብ ተጸሩ ዘሎ መከራታት ከቃልልን፡ ከምኡ’ውን ፈናንሳዊ ሓላፍነት ከተግብርን ‘ዩ። እቶም ብምልኦም ዘጽናዕናዮም መራሕቲ ምስግጋር ዕዳጋ ዝኣንፈቱ ኣቀራርባን ጥንቑቕ ማላእ-ቁጠባውን ገንዘባውን ፈናንሳዊ መምሪሒታትን እዮም ተኸቲሎም፡ ነዚ ብጥንቃቐ ዝገበሩ ከኣ ካብ ምንብድባድ ህዝባዊ ፍርሒታት ንምድሓን፡ እቲ ህዝባዊ ረብሓታት ከኣ፡ ነቶም ፉሉይ መሰል ዘለዎም ዝተሸጠ ከይኸውንን። ዋላ’ውን እቶም ኣብ መጀመርያ ንነጻ ዕዳግ ተጻባእቲ ዝነበሩ፡ ኣብዛ ብቐጻሊ ዓለምለኸ እንዳኾነት ትኸይድ ዘላ ቁጠባ፡ ዕዳጋታትን ከምኡ’ውን ምስኡ ጎኒጎኑ ኮይኑ ፍትሓዊ ቁጠባዊ ምዕባሌ ከምጽኣ ዝኽእላ ሓየልቲ ማሕበራዊ መምሪሒታት፡ ኣድለይቲ ምኻነን ተቐበሉ።

ዴሞክራሲ ከም‘ዚ ብምልኡ ናይ ቀረባ ታሪኽ ምዕራባዊ ምትእትታው ኣብ ምእከላይ ምብራቕ ዘርእዮ፡ ዝስደድ ኣቕሓ ኣይኮነን። ናይ ደገ ተዋሳእቲ ግን ፡ መንግስታዎን ዘይመንግስታውን፡ ንዴሞክራሳዊ ምስግጋር ብኣድማዕነት ክሕግዝዎ ይኽእሉ እንድሕር ነቶም ናይ ውሽጢ ሓይልታ ኣኽቢሮምን፡ ኣብቲ ንሶም ዝዓደምዎም እንተተዋሲኦምን። እቶም ነቲ ስቕታዊያን ዲብሎማሲታት፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ተቓውሞንን ኣብ መንጎ ተቓውሞን ወከልቲ ‘ቲ ስርዓትን፡ ሓንሳብ-ሓንሳብ ኣድላዪ ዝኾነ ኩነታት ክቕርቡ ይኽእሉ። ማዕዳ ክህቡ ይኽእሉ ኣብ ቡዙሓት ተግባራውያን ዛዕባታት፡ ካብ ከመይ ጌርካ መኸተ ተካይድን፡ ክሳብ ከመይ ጌርካ ንመራኸቢ (ሚድያ) ኣድማዒ ጥቕሚ ትገብረሉን፡ ኣብ መውዳእታ ‘ውን ከመይ ጌርካ ንምርጫታት ትጓስዮን። ከም ኣብ ፖላንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ቁጠባዊ እንገዳታት ንመጽቀጥቲ ክግታእ ክሕግዙ ይኽእሉ ይኾኑ። ንዴሞክራሳዊ ምስግጋር ንምሕጋዝ፡ ሓገዛትን ወፍሪታትን ክህባ ይኽእላ ወጻኢ ሃገራት፡ ከም’ቲ ኣብ ጋናን ፊሊፒንን ፖላንዳን ዝገበረኦ። ኣብ ምስግጋር ግዜ፡ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ሓገዝ ርሑብ ባይታ ንፖለቲካዊ ጽገና ክፈጥር ይኽእል፡ እንድሕር ንምምላስ ቀዳምነታት ውሽጢን፡ ብምምትሕግጋዝ ምስ ናይ ውሽጢ ተዋሳእቲን ዝቐርብ ኮይኑ።

ዝኾነ እንተኾነ ግን ፡ ኣህጉራዊ ምትእትታው ቦታ ናይ ውሽጣዊ ተበግሶታት ክወስድ ኣይክእልን። ንተዋሳእቲ ደገ ዝያዳ ውጽኢታውያን ዝገብሮም ምስ ዝሰምዑን፡ ሕቶታት ካብ ተመሳሳሊ ብድሆታት ተሞክሮታቶም ዝመንጨወ ምስ ዘልዕሉን፡ ከምኡ’ውን ንውሽጣውያን ተሳተፍቲ ንዛዕባታት ብዝተፈላለየ ማእዝናት ክግምትዎ ከም ዘለዎም ምስ ዘተባብዑ ‘ዩ።

እትልወጥ ዘላ ዓለም

እቲ ናይ ሎሚዘመን ንዴሞክራሳዊ ምስግጋር ብሓደሽቲ ተዋሳእቲን፡ ስነኪነትን፡ ቁጠባዊ ጸቕጥታትን፡ ጅዮፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ዘኽእል ኩነት ተለዊጡ እዩ። ሕጂ፡ ዝኾነ ሰብ፡ ዓመጽ ናይ ፖሊስ ብኢድ ቴሌፎን ብምምዝጋብ፡ ህዝባዊ ተቓውሞታት ከለዓዕል ይኽእል። ማሕበራዊ መራኸብታት ንህዝባዊ ርኢቶታት ብቕጽበት ክጠዊኦን፡ ንወደብቲ ‘ውን ቡዙሓት ሰዓብቲ ንኽእክቡን የኽእላ። እዚ ሓድሽ ስነኪነት ግን ነቲ ከቢድ ስራሕ ንምህናጽ ትካላት ዝግበር ዝትክእ ኣይኮነን። ከም እቲ ጸጋኒ ዳሕራይ ፕረሲደንት ናይ ብራዚል ዝኾነ፡ ካርዶሶ ዘስተብሃለሉ፡ “እቲ ሽግር ‘ኳ ሓብሒብካ ከተፍርስ ቀሊል፡ ንኽትሃንጽ ግን ብጣዕመ ከቢድ ስለ ዝኾነ ‘ዩ። እቲ ሓድሽ ስነ-ኪነታት ባዕሉ እኹል ኣይኮነን ነታ ትመጽእ ስጉሚት ንቕድሚት ክወስዳ።” ከም ኩፉኦር ዘቐመጦ፡ “እቶም ሓፋሻት ትካላት ክሃንጹ ኣይኽእሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ‘ዩ መሪሕነት ዘድሊ።”

ኣብ ዝመጽእ ዓመታት፡ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን በርጌሳዊ ሕብረተስብኣዊ ውድባትን፡ ብኣህዛዊ ምምርባብትን (ድጂታል ኔትወርኪን) ዝተመሓየሸ፡ ምናልባት ኣብ ልዕሊ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ጸቕጢ ጌሩ ብዝያዳ ዝዝውተርን ዝያዳ ኣድማዒን ክኸውን ‘ዩ ካብ ዝሓለፈ እዋን። እንተኾነ ግን እዘን ምንቅስቓሳት እዚኣተን ንፖለቲካውያን ሰልፍታትን መራሕትን ክትከአአን ኣይኽእላን። እዚኦም ተዋሳእቲ እዮም ኣብ መውዳእታ ትካላት ዝሃንጹን፡ ምርጫውን ምምሕዳራውን ልፍንቲታት ዝነድቁን፡ ህዝባዊ ደገፍ ዝኸስቡን፡ መምርሒ ሕንጻጻት ዘዳልዉን ዘተግብሩን፡ ምእንቲ ሓበራዊ ሰናይ መስዋእትታት ዝሓቱ፡ ዲሞክራሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢሎም ንህዝቢ ኣተባቢዖም ዘእምኑን ብኣድማዒ ከኣ የማሓሓድሩ። ትካላት የድልዩ ‘ዮም፡ ምስኡ’ውን ዓቕሚ ናይ ምርዳእን፡ መሳሪሒታትን፡ ከምኡ’ውን ዝፈታትን መሪሕነትን ንነዊሕ ክኸይድ ዝኽእልን።

ኣብ ናይ ቀረባ፡ ተሞክሮ ግዛኣተ-ነብሲ ዘይብለን ሃገራት፡ ዝሰርሕን ዕንጋሊታውን ዴሞክራሲታት ምህናጽ ከቢድ ‘ዩ፡ ለይለይ ዝብላ ማሕበራውያንን በርጌሳውያንን ውድባትን፡ ከምኡ’ውን ቡቑዕ ኣገልግሎትን ጸታን ክረጋግጻ ዝኽይላ ዱኹማት መንግስታዊ ትካላት እንዳኾና። ኣብ ተሪር በሄራውን ጉጅላውን ኣውራጃውን ፍልልያት ዘለውን ሃገራት፡ ከቢድ ‘ዩ ንክትምስርት ዴሞክራሲ። ዝኾነ ኮይኑ፡ እተን ብዴሞክራሲ ዝተመርጻ መንግስትታት ብውልቀመለኻዊ ክገዝኣ ይኽእላ፡ ነቲ ዴሞክራሳዊ ግዝኣት ዝጠልቦ ሓጋጋውን ፈራዳውን ልጓማት እንዳኸተታን እንዳኣዳኸማን ብቀለዓለም ኣገባብ እንዳሓዛ። ንምዃኑ እዝኤን ሃገራት እየን ብልክዕ ሁጹጽ ዝኾነ ዴሞክራሳዊ ለውጢ ዘድልየን። ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት፡ ዋላ ‘ውን ኣብቲ ኣዝዩ ዝተመቓቐለ ሃገራት፡ እዘን ብድሆታት ክትጋጠመን ከም ዝከኣል ኣብነታት ናይ ጋናን ኢንዶኒስያን ፊሊፒንስን ደቡብ ኣፍሪቃን ኤስፓኛን ኣርኢዩ ‘ዩ።

ሎሚ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ንዝያዳ ዝተመሃሩ መንእሰያት ሓብሒብካ ኣብ ህዝባዊ ሜዳታት ሰልፍታት ክገብሩ ይከኣል፡ ብፍላይ ዋሕዲ ስራሓት ምስ ዝህሉ። እቲ ብድሆ ግን ከመይ ጌርካ ብቐጻሊ መሰረት ንነበርቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ትካላትን ክሃንጹ እተዋስኦም ‘ዩ። ዴሞክራሲ ካብቲ ኣብ መገድታትይ ዝወጸ እኩብ ህዝቢ ኣይኮነን፡ ብቐታ ወይ ግድነታዊ ኮይኑ ዝወጽእ። ንዴሞክራሲታት ምህናጽ ራኢን ምድርዳር ምስ እንካን ሃባን ከቢድ ስራሓትን ስኒ ዝነኸሰ ቀጻልነትን ክእለትን መሪሕነትን ከምኡ ‘ውን ገለ ዕድልትን የድሊ። ምስ ዝኹሉ ዕንቅፋታት ግን ዴሞክራሳዊ ምስግጋራት ተዓዊቱ ‘ዩ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ። እዚ ካብ ዕዉት ተሞክሮታት ዝተረኽበ ትምህርትታ ክቕሰምን ክትግበርን ከሎ ነቲ ውልቀመላኺታት ኣውዲቑ ኣብ ቦትአን ዕንጋሊታውን ዴሞክራሲታት የምጽእ።

ኣብረሃም ኤፍ. ሎዌንዛልን: ዘይተቐማጢ ዝለዓለ ኣባል ማሕበር ምሁራን ትካል ብሩኪንግስን፡ መስራቲ ኣመሓዳሪ ናይ ዝርርብ ኣብ ነንሕድሕድ ኣሜርካውያንን ‘ዩ።

ሰርጅዮ ቢታርን: ኣቦ-መንበር ናይ ቺለ መስረተ ዴሞክራሲን፡ ዘይተቐማጢ ዝለዓለ ኣባል ማሕበር ምሁራን ዝርርብ ኣብ ነንሕድሕድ ኣሜርካውያንን ‘ዩ። ካብ 1994 ክሳብ 2002 ድማ ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ናይ ቺለ ነበረ።

ክልቲኦም ከኣ ኣሳናዳእቲ ናይታ ዴሞክራሳዊ ምስግጋራት: ዝርርብ ምስ መራሕቲ ዓለም (ማሕተም መክበብ ጃን ሃብኪንስን፥ ኣህጉራዊት ሓሳብ 2015ን፡) እዚኣ ጽሕፍቲ ‘ውን ካብኣ ዝተወሰደት ‘ያ።

ሰመረ ተስፋሚካኤላ ሃብተማርያም: ቶርኋሚ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣን: ዋና ፈጻሚ መድረኽ ሃገራዊ ዘተን: ደራሲ ናይ ክልተ ብእንግሊዝ ዝተሓተማ መጽሓፍቲ: “ልብታት ከም ረጋቢት” (ታሪኻዊት ልቢ-ወልድን): “መንጸብረቕታት ኣብ ታሪኽ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ሓበሻ (ኢትዮጲያን ኤረትራን)” (መጽሓፍ ታሪኽ) ‘ዩ።



« (Previous News)



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *