Main Menu

ኣብ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽ ኣህዛብ ዓለምና ሕገ- መንግስቲ ዘይብሉ ስርዓት ኣይተራእየን

 ኣብ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽ ኣህዛብ ዓለምና          

ሕገ- መንግስቲ ዘይብሉ ስርዓት ኣይተራእየን

 

ሽፋ መ/ኑር

 

   ሕገ-መንግስቲ ንከመይነት ምሕደራ ህዝብን ሃገርን ዝውስን ዘነጽር ሰነድ ኢዩ። ብክልተ መለለዪታት ድማ ይፍለጥ።  እቲ ሓደ መለኽቲ ስርዓታት ዘቁሙዎ ኢዩ።  እቲ ካልኣይ ድማ ደቂ-ሰባት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ሂወቶም ክመሓደሩሉ ብናይ ሓባር ስምምዕ ዘጽድቅዎ ኢዩ።  

            እቲ ብዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዝቁምዎ ሕጊ ንስልጣን እቶም መለኽቲ ስርዓታት ዘውሕስን ንገባቲ መደባቶም ዘገልግልን ዘረሳርስን ኢዩ።   ብኣብንጻር እዚ ናይ መለኽቲ ሕግታት ንድሌታትን ባህግታትን ሓፋሽ ህዝቢ ዘዕቁብን ዝገልጽን ኣይኮነን። ይኹን እምበር መለኽቲ ምሕደራታታት ሓፈሻዊ ኣቃልቦ ዜጋታት ንምድንጋርን ንምሽቃልን ነቲ ብኢደወነኖም ዘቁምዎ ሕጊ  ንህዝብን ሃገርን ዝጠቅምን ዘገልግልን ኣምሲሎም   ብህዝቢ ቅቡል ክኽውን ዘለዎ   ኣድማሳዊ ባህርያዊ   ተውህቦ ኢዩ ኢሎም  ይገልጽዎ። ከም ውጽኢት ናይዚ መርዛም ጸረ ህዝብን ሃገርን ወፈራታት ገለ ዜጋታት እቲ ሕጊ- መንግስቲ  እንታይ  ምዃኑን ብመን ከም ዝቀውምን ንመን  ከም ዘገልግልን ናይ  ምርዳእ  ሕጽረታት ስለዝህልዎም ሕጊ ዝበሃል  በቶም ናይ ክፍእት ተበላሓትነት ዘለዎም  ውልቀ  መለኽቲ  ዝትኰብ  ገጸ-በረኸት  ገሮም  ይኣምኑ።  ብሰንኪዚ የዋህ ኣተሓሳስባ ኸኣ ግዳይ መፈንጠርያ ናይቶም ምሕረት ዘይብሎም ናይ መለኽቲ ስርዓታት ሕግታትን  ፒሊሲታትን  ኮይኖም ይግዝኡ። ኣብ ናይ ዓለምና ሃገራት ፖሊቲካ ብዙሓት መለኽቲ ስርዓታት ተራኢዮም ኢዮም።  ኩሎም ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዝብል ናይ ሓባር ፖሊቲካዊ ስያመን  መለለይን  ይሃልዎም  ደኣ  እምበር  በቲ   ኣብ  ልዕሊ ህዝቦምን  ሃገሮምን ብዘውርድዎ ናይ ምእሳር ቅትለት ምስዋር ምግሃስ  ሰብኣዊ  መሰላትን  ዘባኽንዎ  ጸጋታት  ሃገርን ሓደ ካብቲ  ካልእ ይፈላለዩ  ኢዮም።  ዝፍጽምዎም ማእሰርትን ቅትለታትን ምስዋርን ብዝተፈላለዩ ናይ ቁጽሪ ዓቀን ጭቡጥ መርቶዖ ተዋሂብዎም ይትረኹ። ዘባኸንዎ ጸጋታት ሃገር  እውን ብውሱን  ዝኾነ ዓቀን መረጋገጺ ክቀርበሎም እኳ እንተዘይኸኣለ  በቲ  ህዝቦምን  ሃገሮምን ዝነብሩሉ ኩሉ  መዳያዊ ድሑር  ደረጃ  ምዕባለን ሓፈሻዊ ናይ  መነባብሮ ሃለዋትን ተገምጊሙ ሚዛን  ተዋሂብዎ  ከም  ታሪኽ ይንገር ኢዩ። ብደረጃ ናይ መነባብሮን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ህዝብን ዘኸትልዎ ሃሰያታት ክረአ  እንከሎ  ድማ  ሓደ  ካብቲ  ካልእ  ይፈላለዩ።  ገለ መለኽቲ ስርዓታት ብመጠኑ ንህዝቦም ደሓን ዝኾነ ናይ መነባብሮ ሂወት ከሕልፉን ከም  ንኣብነት ናይ መንበሪ  ገዛ፥ መሬት ናይ ምውናን እኹል  ዝኾነ  ዓቀን  ገንዘብ  ሒዞም ክነግዱን  ክሰርሑን ኣብ  ርእሲዚ ናይ  ምዝራብ  ናይ  ፕረስ ናይ  ምንቅስቃስ…….ወዘተ ነጻነታት  ብከፊሉ የፍቅዱ  ኢዮም። ነዚ ከፊላዊ ገለ ነጻነታት ኣብቲ ባዕሎም ዘቆምዎ ሕገ-መንግስቲ ከም ዝሰፈረ ኣምሲሎም ብምግላጽ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ከም ዘገድሶም ንክረኣዩ ገለ ምትዕጽጻፋት የርእዩ። 

ከምዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዋላ ገለ  ከፊላዊ  ነጻነታት ናይ ምፍቃድ ኩነትስ  ይትረፍ ብዓቢኡ ሕገ-መንግስቲ ዝብሃል  ዘይብሉ  ስርዓት  ግን  ኣብ  ታሪኽ  ኣህዛብ ዓለምና  ተራኢዩን ተሰሚዑን  ኣይፈልጥን  ኢዩ።  

      እቲ ካልኣይ   ደቂ-ሰባት ኣብ ኩሉ መዳያዊ ሂወቶም ክመሓደሩሉ ዘቁምዎ ብናይ ሓባር  ስምምዕ  ዘቁምዎ  ሕገ-መንግስቲ ብክኢላታት   ከም ሰነድ ተነዲፉ   ብህዝባዊ  ውከሳ ክጸድቅ ናብ  ህዝቢ  ይቀርብ። ብህዝቢ ተደሚጽሉ ቅቡል ኮይኑ ኣብ  ግብሪ  ይውዕል።   ኩሉ መዳያዊ  ሂወት  ህዝብን  ሃገርን በዚ ዜጋታት ዘቆምዎ ሕገ-መንግስቲ  ይግዛእ።ከም  ውጺኢቱ  ድማ  ሕገ-መንግስቲ ካብ ኩሎም  ከም ናይ ፓርላማ  ፈጻሚ ኣካል  ፈራዲ  ኣካል ትካላት ልኡላውነት  ይህልዎ። ምኽንያቱ ኩሎም   ከም  ዕማም  ሓጋጊ ኣካል  ተፈሊጦም ንመሰል  ዜጋታት ዘዕቁቡን ኣብ ፍሉይ ተሃዋሲ ኩነታት  ዝእወጁ  ድንጋገታትን ካብ ከምዚ  ዓይነት   ሕገ-መግስቲ ስለዝብገሱ  ኢዮም። ናይ ፈጻሚ ኣካል  ዕማማት  እውን ብንኡሳን  ካብ  ሕገ-መንግስቲ ብዝተጨናፈሩ  ዓንቀጻት ብምንቃል ይሰላሰሉ።    ከም ገበናት ዝፍለጡ ፍጻመታትን ንዕኦም ዝወሃቡ ናይ ፍርዳዊ ኣካል ብይናትን  እውን ካብ  ሕገ-ምርንግስቲ  ኢዮም  ዝምንጭዉ።  ኣብ ከምዚ ዜጋታት ብናይ  ሓባር  ስምምዕ  ብዘቆምዎ  ሕገ- መግስቲ  ኣብ ዝመሓደረሉ ኩነታትን  ሃዋሁን ህዝቢ ነብሱ  ብነብሱ ይገዝእ  ኣሎ  ማለት  ኢዩ።  ልኡላውነት ሕጊ ድማ  ይነግስ።  ኣብ  ኩሉ  ሂወት ዘጋታት ሰላምን  ብልጽግናን  ይሰፍን።

     ሎሚ ኣብ ሃገርና ኩሉ መዳያዊ ማለት ናይ  ምዝራብ: ፕረስ: ምውዳብ: ካብ  ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንቅስቃስ   አረ ናይ ትም  ምባል  ነጻነታት  እውን የለን። ትም ትብል እንተዀንካ ህልው ምሕደራ ህግደፍ ስለዘየዕገቦ ብዛዕባ ካልእ ይሓስብ ኣሎ  ተባሂልካ ኣብ ትሕቲ  ጸጥታዊ  ምክትታል  ኢኻ  ትነብር። እቲ እንኮ ዝፍቀደልካ ነገር ነቲ ህልው ስርዓት ምድጋፍን  ምውዳስን  ጥራሕ  ኢዩ።  ክንዮ  እዚ እቲ ልዕሊ  ኩሉ ኣብ ህላወ ሂወት  ዜጋታት  ወሳኒ  ተደላይነት ዘለዎ ናይ  ዝሰራሕካዮ  ከም መሰል ዝፍለጥ ደሞዝ  እውን የለን። እቲ  ዝወሃብ ንሲቪል  ከም  ደሞዝ  ንሰራዊት  ድማ  ከም  መሳሪፍ ዝፍለጥ  ወርሓዊ ዓስቢ ንሓደ  ሰሙን  እኳ ኣይኣክልን  ኢዩ። ኣብ  ክንደይ  ንሱ  ድማ  እቲ  ውሑድ ናይ  ሲቪል ደሞዝ  ወይ  ናይ  ሰራዊት መሳሪፍ ንደቂ-ስዉኣት ንህንጸት  ሃገር  ንመመቀርን መመጭቘርን…..ወዘተ ተባሂሉ ተጨራሪሙ  ዳግም ኣብ ጁባ  መላኽን ተሓባበርቱን  ይምለስ።ከም  ውጽኢት  ናይዚ ኣዕናዊ  መርሆ ህዝብን  ሰራዊትን  ኤርትራ ንሕንጸት  ሃገር  ኣብ ትሕቲ  ዝብል ሽፋን  ጉልበቶምን  ኣተሓሳስቦኦምን  ካብ ዝምዝመዙ ዛጊት 27  ዓመታት  ኣኺሉ  ኣሎ። ኣብዚ ብፍሉይ ኣብ ሃገርና ከም ዘገርም ዘሎ ተረኽቦ ብዘይ  ደሞዝ  ዝሰርሕ  ሰራዊት ዋላ  ኣብቶም ቅድሚ  ሕጂ  ዝተራእዩ ናይ  ዓለምና መለኽቲ ስርዓታት ተሰሚዑ  ኣይፈልጥን  ኢዩ።

      ኣብ መደምደታ

     ምእንቲ ኩሉ መዳያዊ መሰሉን ክብሩን ን30 ዓመታት ተቃሊሱ ነቲ ብልዕሊ ሓያላን ሃገራት ዓለምና ዝሕገዝ ዝነበረ ዓንተር መግዛእቲ ኢትዮጽያ ዝሰዓረ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ በዚ ዘቤታዊ ሕሱም ጨካን ስርዓት ክግዛእ ምስቲ ሕሉፍ ጅግንነታዊ ታሪኹ ብተገራጫውነት ዝግለጽ ዝዓበየ ጋግ ኢዩ። ነጻነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ተረፍመረፍ ገዛእትን ወዶ-ገባ: ጨንቆ-ገባ ሸሽቶ:ገባ እናተባህሉ ዝመጹ መጋበርያታቶምን ነዚ  ተፈጢሩ  ዝርከብ  ጋግ መዝሚዞም ሎሚ  ሕብሮም ብምቕያር ቀንዲ  ሓለይትን  ወከልቲ  ድሌታትን ባህግን  ህዝቢ  ኤርትራ  ኾይኖም ክረኣዩ ዝፍትኑሉ  ዘለዉ ኩነትውን ከምቲ  “ሕማቅ ዘመን በዓል  ጋዕሳኣ(ጎተነኣ) ኣለዋ  ዝበሃል  ምስላ  ኣበው ኮይኑ  ብሰንኪ ምልካዊ  ስርዓት ህግደፍ ዝመጸ ካልእ ተወሳኺ  ሳዕቤን ኢዩ።  ይኽይን እንበር ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቅድም ተቃሊሱ ነጻነቱ ዘረጋገጾ ሎምውን ብቃልሱ ንህግደፍን ካልእ ሕብሪ ቀይሮም ክቀላቀሉ ንዝርከቡ ሳዕቤናቱን ብምስዓር ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፈናን ዝበለጸ ሕገ-መንግስትን እትውንን ብልጽግቲ ኤርትራ ክውንቲ ኣብ ምግባር ዓወቱ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 



(Next News) »



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *