Main Menu

ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ውድብ ህዝብታት ኦሮሞ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኑ ተመሪጹ ተባሂሉ

ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ውድብ ህዝብታት ኦሮሞ

ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ኮይኑ ተመሪጹ ተባሂሉ

 

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ብ 2012 ስልጣን ተረኪቡ ምንባሩ ዝዝከር  ክሳብ 15 ለካቲት 2018 ስርሓት መንግስትን ባይቶን ክመርሕ ጸኒሑ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃለማርያም ደሳለኝ ኣብ 2015 ከምኡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ህዝባዊ ምልዕዓላት ንምህዳእን ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ሙሉእ ብሙሉእ ውጽኢት ክርከብ ስለ ዘይተኻእለ ሓደ ለውጢ ንምምጻእ፡ ሓድሽ ሓይሊ ኣተሓሳስባ ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳይ ብምእማን ኣብ’ቲ ንፈደራላዊ ባይቶ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዘቅረቦ ሕቶ፡ ኣብ’ቲ ግዜ ምስ ጋዜጠኛታት ዝተገብረ ዋዕላ ንህዝቢ ዝተሓበረ እዩ። ኣብ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ቁጠባዊ ዕብየትን ጥርጥር ከም ዘይብሉን ኣብ’ቲ ዝካየደ ቃልሲ ንፍትሓዊት ኢትዮጵያ ስርሓቱ ከም ዘይቋርጽን ንዝዋሃቦ ምቅሊት ስርሓት ተሳታፊ ንምኳን ዘለዎ ቅርቡነት ድሕሪ ምግላጽ ብሰላም ምቅብባል ስልጣን ንባይቶ ዘቅረቦ ሓሳብ፡ ባይቶ ከጽድቀሉ ከም ዝተማሕጸነ እንሆ እቲ ግዜ ዝኣኸለን መተካእታ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሽየም ምዃኑ ይንገር ኣሎ። ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣን ንኽሳነበት ንፈደራላዊ ባይቶ ኣብ ዘቅረቦ ሕቶ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዓለምን ዘይተጸበዮ ሃንደበታዊ ከም ዝነበረን ይዝረብ።

ድሕሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ከም መተካእታ ንምምጻእ፡ ኣብ ዝርርብን ምምኽካርን ዝጸንሐ ኢህወዴግ፡ ንዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቦታ ንምምጻእ ከም ዝነበረ ይዝረብ። ይኹን’ምበር ካብ ድሕሪ 15 ለካቲት 2018 ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ክዝረበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ መተካእታ መራሒ ከኣ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ንበይኑ ሕጹይ ንቦታ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *