Main Menu

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስደት ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ !

                ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስደት ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ !

ኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶና ኣብ ስደት ዘሕልፎ ዘሎ መወድእታ ዘይብሉ ስቓይ ወግሐ ጸብሐ ዝስማዕ ሎሚ ሎሚስ ከም መቝነን ዜና ኮይኑናን ዝደጋገም ዘሎ ዘይልመድ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ዝሕለፍ ዘሎ ሂወት እዩ። እወ በቲ ዝኸፍአ መልክዕ ኣብ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ወለዶ ዘጋጠመ ሓደጋታት ንጸላኢኻ’ኳ ዘይትምነየሉ ካብ ኣእምሮ ማንም ዜጋ ዘይሕክኽ ዝኽሪ ስቓይ ሲናይ ብዓይኑ ዝረኣየ፡ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ሊብያ፡ ጃምላዊ ህልቐት ማእከላይ ባሕሪ ዝኽሪ ትማሊ’ዩ። እዚ ሓቂ ክውንነት ኤርትራዊ መንእሰያት ብዝተፈላልየ መልክዑ ዝቅጽል ዘሎ ከቢድ ስቕያት ኣብ በረኻታት ምድረ በዳታት ሲናይ፡ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ግብጺ ብኮንት ዝሓልፍ ዘሎ ሂወት መቁጸሪ የብሉን።

ኣብ’ዚ ቅንያት ኣብ ሊብያ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መሳጋገርትን ዓመጽን ተጨውዮም ምረት ስቓይ ዘለዎ ናብራ ክሕልፉ ዝጸንሑን ክጻወርዎ ዘይከኣሉ፡ ካብ’ዚ ንላዕሊ ሞት ክህሉ ኣይክእልን ብማለት ነቲ ተጨውዮም ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ኬላ ብሓይሎም ጥሒሶም ዝወጹ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዝተፈላልዩ ዜጋ ኣፍሪቃውያን ብኣድራጋ ጥይት ሂወቶም ዝስኣኑን ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ዘይሰምዐ ክህሉ ኣይክእልን። እንሆ እታ ሂወት ሚእትታ ኣሽሓት ተኸፊልዋ ነጻ ዝወጸት ሃገር ኤርትራ ኣብ መበል 27 ዓመት ጽምብል ነጻነት ከኣ እዚ ዘሕዝን ተርኽቦ መቀጸልታት’ቲ ዝሓለፈ ቅዝፈት መንእሰይ ኤርትራ እዩ።

 

ዜናን ሓበሬታ

 ሰዲህኤ

 






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *