skip to Main Content
Menu
ውዳባን  ተደላይነቱን

ውዳባን ተደላይነቱን

ውዳባን  ተደላይነቱን

       

      ውደባ  ደቂ-ሰባት  ከም  ኣገባብ  ድሕሪትን  ቅድሚትን  ሰሪዖም ንጥፈታቶም ንምስላጥ ትልምን መደባቶምን ንምትግባር ግደን ተራን ዝግልገሉሉ  ናይ ምሕደራ ሜላ ኮይኑ ብክልተ መለለዪታት  ይፍለጥ።ሓደ እቲ  ብመለኽቲ  ስርዓታት  ዝቀውም ቅርጺ ምውዳብ ክኸውን  ከሎ ፡ እቲ  ካልኣይ  ድማ ብህዝባዊ  መንግስቲ ዝቀውም  ኣብ  ኩሉ  መዳያዊ  ሂወት ህዝቢ  ዝዝርጋሕ ዓይነት  ውደባ  ኢዩ።   

       እቲ  ቀዳማይ ዓይነት ውደባ ዲክታቶርያዊ ምሕደራ ነቲ ህዝቢ ዝጭቑንን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ህዝቢ ቁጽጽር ሓይልታት ስለላን ወታሃደራዊ ጸጥታን ዝተሃንጸ ከም  ዓንዲ ኮይኑ  ንከገልግሎም ዝዋድድዎ  ውደባ  ኮይኑ፡ ሃገራዊ ባጀት ኣብ ስለላን ጸጥታዊ ስርሓት ዝተዋፈረ፡  ዜናውን  መዳያት ንምልካዊ ኣሰራርሓ ዝውድስ ጻዕቒ ዝያዳ  ዘተኰረ  ኢዩ።መለኽቲ  ስርዓታት   ንስለላዊ  መርበባት ጠናኒጎምን ወዲቦምን ብዘዋፍርዎም ተጸናጸንቲ ንዜጋታት ብጥብቂ ይሕልዉ።  ንስርዓቶም  ዘስግእ ተቃውዋሚ  ኣብ  ዝቅልቀለሉ እዋን  ይኣስሩን  ይቅንጽሉን  ንወትሩ  ይስውሩን።  ኣብ  ዜናዊ መዳይ ከኣ  ዘይጭበጥ  ኣብ  ጠቅሚ ህዝቢ ዘይውዕል ንሓንጎልን  ስምዒታትን  ዜጋታት  ዝሰርቅ  ፕሮፓጋንዳዊ  መናፍሕ ይዝርግሑ። ከም  ውጽኢት ናይቲ ብመለኽቲ  ስርዓታት ዝፍኖ  ፕሮፓጋንዳዊ መናፍሕ ዜጋታት  ስሚዒታቶም  ተነኺኡ ኣብ  ዝተወደበሎም  ኣኼባባታት ክጭድሩን ኣብ ባህላዊ  ሳዕስዒታት ክዕንድርሩን ውዒሎም ሓዲሮም  ቤቶም  ምስ  ተመልሱ ብዘይፍረ ከም ዝደኸሙ  ተሰቚርዎም  ኣስተንቲኒምን  ኣስተማሲሎምን  ጥራይ ይተርፉ። ነዚ ሓቂ  ዘረጋግጾ ኣብ ዓለምና ካብ ዝሐለፉን ዘለዉ ምልካውያን ስርዓታት ህዝቢ ረብሓ  ኣብ ዘይብሉ ዕንደራታት ጓይላ ምርኢታት ተዋስኦ፡ ብሓሶት መብጽዓታት ዝተመልአ ሲምፖዚም፡ ዋዕላ፡ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ማእቶት፡ ሓምላይ ወፍሪ ረብሓ ሃገር ዘይውክል፡ ምምዕርራይ ማሕበራዊ ፍትሕን ሂወትን ዘይብሉ’ዩ።

ወግሐ ጸብሐ ብስም ሃገራዊ ጸጥታን ሓድነትን ዝጭርሕዎ፡ ንተራ ኣተሓሳስባ ምትዕርራይ ናብራ ሂወት ዜጋታት ኣብ ትምህርቲ ይኹን ስራሕ ከም መደብ ትሕቲ ሃገር፡ በለጽ ዝቆጽርዎን፡ ንህዝቢ ብኡ መልክዕ ሓንጎል ዝሃንጹ’ዮም። እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ባጀት ከኣ ኣብ ልምዓትን፡ ምፍራይ ብሉጻት ዜጋታት ዘይኮነ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝተጠቅሰ ፕሮፓጋንዳን ራዕድን ዝውዕል’ዩ።  ፋሽሽቲ  ሂትለር  “ፕሮፓጋንዳ  ህዝቢ  ኣብ  ገሃነብ  እሳት  እንከሎ  ኣብ  ገነት  ከም  ዘሎ  ዝገብር  ዕዮ  ኢዩ” ኢሉ  ዝገልጾ  ርኹስ  ጥቅሲ ከም  ኣብነት  ምጥቃስ  እኹል  ኢዩ። መለኽቲ ስርዓታት ኣብ  ኤኮኖምያዊ  መዳይ ነቲ ናይ ስለላውን  ፕሮፓጋንዳውን ውዱብ  ዕዮኦም  ንምስናቅ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘባውን  ነገራውን ጉልበታውን  ትሕዝቶን  ዓቅምን  ሃገርን  ህዝብን የባኽኑ። ጭቁን  ህዝቢ  ግን ነቲ ፍረ  ዘይብሉ መናፍሕ መለኽቲ  ብኣስገዳድ ተቀቢሉ፡ ኮን ዶ  ኾን  ጽባሕ  ወይ  ብድሕሪኡ  ኣብ  ሂወቱ  ኣወንታዊ  ለውጢ  ክርኢ ሃንቀው እናበለ  ብትጽቢት  ይበሊ።

 

     እቲ  ካልኣይ  ብህዝባዊ  መንግስቲ ዝቀውም  ውደባ  ድማ   ብምርጫ  ብህዝባዊ  ውከሳ ኣብ  ዝጸደቀ  ሕገ መንግስቲ ብዝርዝር  ዝሰፈረ  ንጠቅሚ ህዝቢ ዝውክልን  ዘገልግልን ከም  ውጽኢቱ ኣብ  ፖሊቲካዊ  ማሕበራዊ ኤኮኖምያዊ  ሞያዊ  ትምህርታዊ……ወዘት  መዳያት ዜጋታት ንጉዳያቶምን   ንጉልበቶምን ብምስራዕ   ኣብ  ናይ  ሰላምን ቅሳነትን  ሂወት ንጥፈታቶም  ዘሰላስሉሉን ግቡኦም  ዝፍጽሙሉን መስሎም ዝጥቀሙሉን ኮታ ኩለንትናዊ ፍረ  ጻዕሮም  ዝካፈሉሉን ዓይነት  ውደባ  ኢዩ።እዚ  ከምዚ  ትካላዊ ውዱብን  ስሩዕን  ሂወት ህዝቢ  ወዲ  ሰብ   ኣብ  ጠቅሙ ክዝምብል ከም ዝኽእል  ፍጡር  መጠን ንማዕርነታውን  ሰላማውን  ሂወት  ህዝቢ ንምዕንቃፍ  ኮነ ናብ  ካልእ መልክዕ  ንምቅያሩን  ዕድል ዘይህብ ውደባ  ኢዩ።  ምኽንያቱ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ  ሓሳብ ከይተረፈ ዓቅሙን  ምዝነቱን ተበላሕነት  ሓይሉን ብዘየገድስ ግጉይ ኮይኑ  ምስ ዝርከብ በቲ  ናይ  ውደባ  ትካላት ተመርሚሩን  ተገምጊሙን ክግታእ  እንከሎ ቅኑዕ  ኮይኑ  ምስ  ዝርከብ ድማ ከም  ቅቡልን ናይ  ኩሉ ራኢን ኮይኑ  ንሓባራዊ ምቅሚ ህዝቢ ከገልግል ዕድል  ይረክብ።

   ስለዚ  ዘተወደበ ሂወት  ምሉእ  ክሳብ  ዘይኮነ ዘይተወደበ  ህዝቢውን ንመሰሉ ዝከላኸልን ዘዕቁብን ፍትሓዊ  መንግስቲ  ክምስርት ከጸግሞ ከም ዝኽእል  ብዙሕ ትንተና ዘየድልዮ ርዱእ  ዝዀነ  ጉዳይ ኢዩ። እዚ  ሓሳብ  እዚ  ሓቅነት ከም ዘለዎ  ነዚ ዝስዕብ  ኣብነት  ብምውሳድ  ክረአ  ይከኣል። ብሚልዮናት ዝቁጸሩ  ሓፋሽ  ህዝቢ ፈጺሞም ብዘይዓግቡሎም ውሑዳት  መለኽቲ ንዓሰርተታት  ዓመታት  ክግዝኡ  ይረእዩ።  ምኽንያት ናይዚ ተርእዮ እዚ እቶም ቁንጣሮ  መለኽትን  ሰዓብቶምን ተወዲቦምን  ተሰሪዖምን  ስለዝሰርሑ  ክኸውን  እንከሎ እቲ ዝበዘሐ  ህዝቢ ግን  ከይተወደበ ብፋሕ  ዝበለ  መልክዕ  ከማርር  ጥራይ ስለዝነብር ኢዩ።  እዚ ናይ  ዘይምውዳብ ተርእዮ  ሎሚ  ከም ኤርትራውያን  ኣብ  ቅድመና ተገቲሩ  ዝርከብ  ዓቢ  ብዶሆ  ኢዩ።

 ነዚ  ህልው  መላኺ  ስርዓት  ፈጺምና  ቀቢጽናዮ  ከነብቅዕ  መተካእትኡ  ዝኾነ  ብዝሓ-ሰልፋዊ  መንግስቲ ንምምስራት  ኣብ  ከነካይዶ  ቃልሲ ነቲ ንመንነትና ዝፈታትን ሓደገኛ ምዕባሌታት ንምግጣም ተወዲብናን ተሰሪዕናን ካብ  ምስራሕ  ርሒቅና  ኣለና  እንተተባህለ   ምግናን  ኣይኮነን። ሎሚ ከም  ምኽንያት ምስ መን  ኢና  ንውደብን  ንስራዕን ምስዘን  ዘይጠቅማ  ውድባት  እናተባህለ ዝስንዘር ዕባራ  ምኽንያታት ገኒኖም ዝስምዑ ብሂላት ኣለዉ። ከም  ኤርትራውያን  ጉዳይና ጉዳይ  ህዝብን  ሃገርን ደኣ  እምበር ጉዳይ ውድብ  ወይ  ውድባት ስለዘይኮነ ዘይጠቅማን  ዘይረብሓን  ኮይነን ምስዝረኣያና ምስአን  ተወድብና ንተሰሪዕናን ጠቀምትን  ኣፍረይትን ኣድማዕትን  ምግባረን  ሓላፍነት  ንዓና  ዝምልከት  ዕማም  ደኣ  እምበር  ናይ  ካልእ  ኣይኮነን። ስለዚ ከም  ኢውርትራውያን  ብውልቀ  ደረጃ  ናብ  ህሉዋት  ሰልፍታት ተወዲብና ከም   ውድባትን  ሰልፍታትን መጠን   ከኣ  ሓደ  ጽላል ናይ ደንበ  ተቃውም  ብምስራዕን  ብምውዳን ህዝብናን  ሃገርናን  ናይ  ምድሓን  እዋን ኣኺሉ  ኢዩ።

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Back To Top