Main Menu

ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጽያን ኣብ መድረኻት መግዛእትን ስምምዕን ውግእን።

ዝምድናታት  ኤርትራን  ኢትዮጽያን  ኣብ  መድረኻት  መግዛእትን  ስምምዕን  ውግእን።

            ሶሊብ 

         ኢትዮጽያ  ብዝተፈላለየ  መኣዝናት   ምስ  ሃገርና  ኤርትራ  እትጎራበት  እትዳወብ  ሃገር  ኢያ። 

    1/ መድረኽ  መግዛእቲ  ኢትዮጽያ ንኤርትራ:– 

      እዚ መድረኽ እዚ ኣብ  ግዜ  ግዝኣት  ሃጸይ  ሃይለስላሴን  መንግስቱን ሃይለማርያምን ኮይኑ ብዛዕብኡ  ኣዚዩ ሓጺር ዝኾነ  መግለጺ  ምቅራብ  ኣገዳስነት  ኣለዎ።  ኣብዚ መድረኽ  እዚ ብ1952  ዓ.ም ንኤርትራ  ምስ  ኢትዮጽያ ብፈደረሽን ናይ  ምቁራን  መስሕ  ዝተራእየሉ  ብ1962  ዓ.ም  ድማ  ነቲ ከም መእተዊ  ዝተማህዘ ፈደረሽን ብምፍራስ ንኤርትራ  ብግሁድ  ምሉእ ብምሉእ  ከም  ኣካል  ኢትዮጽያ ምስ  ኢትዮጽያ  ናይ ምጽንባር ጎበጣ  ዝተራእየሉ  እዋን  ኢዩ  ነሩ። እቲ ተርኽቦ  እቲ ንህዝቢ  ኤርትራ ብምዕማጽን ንድሌታቱ  ብምርጋጽን ብስም ኣህጉራዊ  ሕጋውነት  ካብተን  ዓበይቲ  ናይ ዓለምና ሃገራት ኣብ ልዕሊ  ኤርትራን ህዝባን  ዝተፈጸመ  ውዲታዊ በደል  ኢዩ።

       ጎባጢ መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጽያ  ነቲ ናይቲ  ሽዑ  ውዲት  ልዕሊ ሓያላን  ዓለምና  ዝኾና  ሃገራት ንኤርት ኣካል ኢትዮጽያ ንምግባር ከም ዓቢ ሓጋዚ ረቛሒ  ወሲዱ  ኣብ  ኤርትራ  ንዝነበረ  ጥሉልን  ንቁጽን   ናይ  ምንዳድ ፖሊሲታት ብምኽታል ማእለያ ዘይብሉ ናይ ሂወትን  ነገራዊ  ትሕዝቶን  ህልቂትን  ብርሰትን ኣኸቲሉ ኢዩ።   ከም ሳዕበኑ ህዝቢ  ኤርትራ  መሬቱ ገዲፉ  ናብ  ጎረባብቲ ሃገራት  ብሓፈሻ  ንሱዳን  ድማ ብፍላይ  ብብዝሒ  ክስደድ ተገዲዱ።ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ንስደት ከም  መተካእታ ሃገሩ ተረዲኡ ኣሜን ከይበለ ካብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ንመግዛእቲ  ንምቅዋም   ናይ  ኣሸሓት  ተጋደልትን  ሲቪልን ዘጋታት መስዋእቲ ከም  ዋጋ  ነጻነት  መሬቱ ከፊሉ ኢዩ። 

    2/  መድረኽ  ስምምዕ  ኢትዮ-ኤርትራ:–

         እዚ  መድረኽ  እዚ ህዝባዊ  ወያነ  ሓርነት  ትግራይ  ብኣቦ  መንበርነት  ነፍስሄር  መለስ  ዜናዊ ከም ፖሊቲካዊ ሓይሊ ብብረታዊ ኣገባብ ተቃሊሱ  ብ1991  ዓ.ም ንደርጊ  ስዒሩ  ኣብ  ኣዲስ ኣበባ ከም  ገዛኢ መንግስቲ ዝበቀዓሉ  ሁመት ኢዩ።  እቲ  ጉዕዞ  ቃልሲ   እቲ    ህዝቢ ትግራይ  ከም  ህዝቢ ኣብ  ልዕሊኡ   ጭቆናን ምህማሽን  ዘስካኽሕ  ጃምላዊ ህልቂትን  ዝወረደሉ ኣብ ታሪኽ  ኣዚዩ  መሪር  ተዘክሮታት  ዘመዝገበ ተርእዪ  ኢዩ  ነሩ። 

ኣብቲ መድረኽ  እቲ  ንሕና  ከም  ኤርትራውያን  ነፍሲሀር መለስ  ዜናዊ  ኣብ  ህላወ  ሃገረ ኤርትራ /state of  Eritrea/ዝነበሮ  እዉጅ ኣወንታዊ  ደጋፊ  መርገጻቱ  ፈጺምና  ኣብ  ተዘክሮና  ንወትሩ እነስፍረሉውን ኢዩ  ነሩ።  

        ከም ኣብነት:– ኣብ( ኣቡጃ) ዝተኻየደ  ጉባኤ  ውድብ  ሓድነት  ኣፍሪቃ ብድፍኢት  መንግስቲ  ኣመሪካ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ  መንጎ  ኤርትራን  ኢትዮጽያን ዳግም  ውሳኔ  ፈደረሽን ክጥጃእን  ኣብ ተግባር  ክውዕልን  ፈተነ ኣካዪደን ኢየን። ይኹን እምበር ነፍሰሄር መለስ  ዜናዊ ነቲ  ፈተነ  ብትሪ  ብምቅዋም ህዝቢ  ኤርትራ  ዋና  መሰል  ርእሰ-ውሳኔኡ  ባዕሉ  ኢዩ  ክብል ብምግላጽ  ስለዝነጸጎ  ኣይተዓወትን።

     ኣብ  መስርሕ  ሪፈረንዱም  ኤርትራ  ድማ  መለስ  ዝመርሖ  ዝነበረ  መንግስቲ  ብዜናውን ኣወዳድባን መዳያት እቶም ኣብ ኢትዮጽያ ዝቅመጡ ዝነበሩ  ኤርትራውያን ንመሰል  ርእሰውሳኔኦም   ብነጻ  ክጥቀሙን  ኣብ ሪፈረንዱም ከድምጹን  ኣብ  ጎኖም  ደው  ኢሉ  ኢዩ።

     ውጽኢት  ረፈረዱም  ተገሊጹ  ነጻነት  ኤርትራ  ምስ  ተኣወጀ  ኸኣ  ነፍሰሀር  መለስ  ዜናዊ  ኣብ ርእሲ ከተማና ኣስመራተረኺቡ እንቛዕ  ብነጻ  ድሌትኩም  ናብ  ዝመረጽኩሞ  ነጻነትኩም  ኣብቀዓኩምኢሉ  ናይ  ዮሃና  መግለጺ ኣቅሪቡ።

ዝኾነ  መራሕ መንግስቲ  ኣብ  ናይ  ካልእ  ሃገር  መጺኡ  መግለጺ  ኣብ  ዝህበሉ  እዋን  ከም  ፕሮቶኮል ብናይ ሃገሩ ዕላዊ ቋንቋ  ኢዩ  ዝዛረብ። መለስ  ዜናዊ  ግን  ሽዑ  ኩሉ  ኤርትራዊ  ተረዲኡ  ደስ  ክብሎ ምእንቲ  ነቲ ብኣጋጣሚ  ነጻነት ኤርትራ ዘቅረቦ  ናይ  ዮሃና  መልእኽቱ  ብትግርኛ  ኢዩ  ኣቅሪብዎ።ስለዚ  መለስ  ዜናዊ ኣብ  ታሪኽ  መራሕቲ  ኢትዮጽያ   ቀዳማይ ብነጻነት ኤርትራ ዝኣመነ   መራሒ   ኮይኑ  ሰፊሩ  ኢዩ።

       3/ መድረኽ  ውግእ  ኢትዮ-ኤርትራ:–

    ኲናት  ኢትዮ-ኤርትራ  ብ1998  ዝጀመረ ትጽቢት  ዘይተገብረሉ  ንነፍሲሄር መለስ ዜናዊን  ንዝመርሖ ዝነበረ  መንግስቱን ብድሕሪት  ዝወገአ ቅልጡፍ ሃንደበታዊ ኲናት ኾይኑ  ካብ  ክልቲኦም  ሸነኻት  ንሂወት ኣሸሓት  ዜጋታት  ዘህለቀ  ኢዩ  ነሩ። መለስ  ኣብቲ  ናይ  ሽዑ  ኲናት  ተዓዊቱ  ነቲ  ዝደልዮ  ዝነበረ መሊሱ።   ኣብቲ  እዋን  እቲ ሓደ  ላዕለዋይ  በዓል ስልጣን  መ/ኢትዮጽያ  ኣብ  ዝሃቦ  መለጺ    መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቅድመ  ግንባራት  ንውሽጢ  መሬት  ኤርትራ  ኣብ ዝተደፍኣሉ  እዋን  ስርዓት  መለስ  ኣስመራ ክእቱን ንመንግስቲ  ህግደፍ  ከልግስን  ይኽእል  ነሩ  ኢዩ  ኢሉ። ይኹን እምበር መለስ ዜናዊ ነቲ ጉዳይ  ኣይደለየን። ዘይምድላዩ  ድማ ብኣህጉራዊ  ጸቅጢ  ዘይኮነስ  የግዳስ  ኣብቲ  እዋን  እቲ ንመንግስቲ ህግደፍ  ምልጋስ ማለት  ስልጣን  “ንኣቡልቓዕቓዕን  ኣቡል  ደርዳርን”  ምርካብ  ማለት  ስለዝኾነ  ኢዩ  ይብል  እቲ  በዓል  ስልጣን።  ነቲ  መግለጺኡ  እንታይ ማለቱ  ምዃኑ  ዝርዝርን  መብርህን  ክህበሉ  ምስ  ተሓተ  ድማ  እቲ  በዓል ስልጣን  ኢትዮጽያ ኣብቲ  እዋን  እቲ ብህዝባውን  ወተሃደራውን  ኣወዳድባ   ኣብ  ስልጣን  ክመጽእ  ብቅዓት ዝነበሮ  ኤርትራዊ እስላማዊ ጀሃድ  ኢዩ  ኣብ ጎረቤትና ኤርትራ  ጅሃድ  ኣብ  ስልጣን  ክመጹ  ኣይደለናን ክብል  ገሊጹ።

        ድሕሪ  ኲናት  ባድመ  እንተኾነውን መለስ  ዜናዊ  ሰራዊት  ኢትዮጽያ ካብቲ   ከዋጋኣና  ዝገበረ ምኽንያት ንንየው  ንውሽጢ  መሬት  ኤርትራ  ክኣቱ  ዕላምኡ  ስለዘይኮነ  ሰራዊቱ  ውግእ  ደው  ክብልን  ክስሕብን  ከም  ዝእዘዘ  ኩሉ  ዝሰመዖ ኢዩ። በዚ  ጉዳይ  እዚ ብገለ  ነጻነት  ኤርትራ  ዘይወሓጠሎም  ኣብ  ፓርላማ  ምስ ተሓተተ ድማ  ኤርትራ  ልኡላዊት  ሃገር  ኢያ ናይ  ምውራራ  ዕላማ  የብልናን   ክብል  ስለዝመለሰሎም  መለስ ምስ  ብዙሓት  ነጻነት  ኤርትራ  ዘይተዋሕተጠሎም ሸነኻት  ኣብ ውሽጣዊ  ምፍሕፋሕ  ከም  ዝኣተወ  ይንገር  ነሩ ኢዩ።

        ብ2009  መለስ  ዜናዊ ተቃወምቲ ውድባት  ኤርትራ  ኣብ  ናይ  ነንሕድሕደን  ናይ  ምብልላዕ መኻን ፍልልያት ዝተዋሕጣ ኮይነን  ረኺብወን።  ገለ  ካብአን  ብመሰል  ርእሰ-ውሳኔ  ብሄራት  ዝጠልባ  ገሊአን  ድማ ብሸሪዓ ዝጠልባ “እስላማውያን ውድባት” ኮይነን  ጸኒሐኖኦ።  መለስ  ንወከልቲ  እተን  ውድባት  ኣኪቡ  ”  ግዜኹም ጻዕርኹምን ኣብ  ጠቅምኹም  ዘይውዕል ፍልልያት  ኣይተባኽኑ  እዞም  ሎሚ  ኮለል  ትብሉሎም  ዘለኹም ጉዳያት ኣብ መጻኢ  ነቲ ህዝቢ ዝመረጾ  ፓርላማ  ዝምልከቱ  ኢዮም”።   እተን  ውድባት  ነቲ  ራኢ ናይ  መለስ  ከም  ፍታሕ ዋላ  እንተተቀበሎኦ  ኣብ  ሓደ  ጽላል  ተጠርኒፈን  ማዕረቲ    ኤርትራዊ  ጉዳይ ዝጠልቦ  ሓላፍነት  ከድምዓ ግን  ኣይከኣላን።  እዚውን  መለስ  ኣብ  ኤርትራዊ  ጉዳይ  ዝነበሮ  ዘይክሓድ ሓላፍነታዊ  ራኢ  ዘመልክት  ኢዩ  ነሩ።  በቲ  ካልእ  ናይ  ሃገሩ  መዳይ  ከኣ  መለስ  ዜናዊ  ኣብ  ኢትዮጽያ  ናይ  ዳግመ  ህንጻን  ደሞክራስያዊ  ለውጥን  ናይ  ብሄር  ብሄረ ሰባት  ብሓድነት  ናይ  ምምራሕ  ብቅዓት  ዝነበሮ ኢትዮጽያ  ዝኸሰረቶ ምዑት መራሒ  ኢዩ  ነሩ።ክንዮ  ዚ ምእንቲ ሰላምን  ቅሳነትን  ዞባናን ኣፍሪቃን ሃናጺ  ራኢ ወኒኑ ብኡ መሰረት ከኣ  ዝሰርሕ  ዝነበረን  መራሒ  ምዃኑ ኣብቲ  ስነ-ስርዓት  ቀብሩ  ዝተረኽቡ መራሕቲ  ኣፍሪቃን  ዓለምን  ዝመስከሩሉ  ኢዩ።

    ኣብ  መንጎ  ኤርትራን  ኢትዮጽያን  ካብ  2000  ዓ.ም  ክሳብ  2018 ዓ.ም ኣይናይ ሰላም ኣይናይ ውግእ ዝሑል ኲናት  ኢዩ  ጸኒሑ።  እዚ  ን18  ዓመታት  ዝቀጸለ  ዝሑል  ኲናት  ንክልቲኤን  ሃገራት  ብሰንኪቲ  ኣብ  ነንሕድሕደን  ዘካይዶኦ  ዝነበራ  ናይ  ዜናዊ  ምልዕዓላትን ከቢድ  ወተሃደራዊ  ምትእኽኻባትን   ንናይ  ነፍሲ  ወከፈን ተቃወምቲ  ንምድጋፍ  እዚ  ዘይበሃል  ስነ-ኣእምራዊ  ድኻምን ናይ   ነገራዊ  ባጀትን  ሃሰያታት  ኣኸቲልለን  ኢዩ። መንግስቲ ህግደፍ ንኩሎም ተቃወምቲ ኢትዮጽያ ብምትእንጋድ ከም መተካእታ መንግስቲ ኢትዮጽያ ክምልምሎም ከሎ መንግስቲ ኢትዮጽያውን ብሸነኹ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንመራሕ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ዘተእናገደሉ”ኣዋሳ”ንተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ  መተካእታ ስርዓት ህግደፍ  ክኾኑ ጉባኤ  ብምክያድ ሓቢሮም ክሰርሑ ንምድጋፎም እናሰረሐ ክመጽእ ጸኒሑ ኢዩ። ይኹን እምበር ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ነቲ ዕድል እቲ ተጠቂመን ብሓባር  ክሰርሓ  ኣይከኣላን።

   ኣብ መደምደምታ

 ንሕና  ኤርትራውያንን  ኢትዮጽያውያንን  ከም  ጎረባብቲ  መጠን  ካብዚ  ኣብ  ላዕሊ  ዝተገልጻምጸ  ሕሉፍ  ተመኩሮ  ተማሂርና  ንጠቅምታት   ክልቲኡ  ህዝብታትና  ክንሰርሕ  ንሕተት  ኣሎና።  

    ህዝቢ ኢትዮጽያ  ብሓፈሻ ህዝቢ  ትግራይ  ድማ  ብፍላይ ድሕሪ  ምውዳቅ  ስርዓት  ደርግ ዘመዝገብዎ ናይ ዳግመ-ህንጸኣን ደሞክራስን  ጸጋታት ክም ውጺኢት ኣመራረሓ  መለስ  ዜናውን ንሱ  ዝመርሖ ዝነበረ ፈደራላዊ  መ/ ኢትዮጽያን  ምዃኑ  ፈሊጦም ነቲ  ኣወንታዊ  ኣስተዋጽኦታት  ኣእዕቚቦም ንዝያዳ  ሰላምን ህንጸትን  ክሰርሑ እምበር ንሉኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምክሓድ ዳግም ታሪኻዊ ስሕተት  ብምፍጻም  ንባዕሎም ንድሕሪት ክጉተቱ ከም  ዘይብሎም ክፈልጡ  ኣለዎም።  ምኽንያቱ ኣብ ባዕልኻ እትምበዮን እትሰርሓሉን ድሌትን ፖሊስን ኣብ ናይ ካልኦት  ጉዳይ ንክበኩር  ምስራሕ ንዋኒንካ  ተመሊስካ  ብዕልኻ ናይ ምፍራስ  መርሆ ምኽታል  ስለዝኾነ ኢዩ።

 

    ንሕና  ኩልና ኤርትራውያን  ድማ ኣብ  ብዙሕ  ጉዳያት  ፍልልያት እኳ  እንተሃለወና ኣብ ህላወ ነጻ ልኡላዊት ሃገርና ግን ፍልልይ  ክህልወና  ከምዘይክእል  ውሁብ  ስለዝኾነ ምእንቲ  ድሕነት  ልኡላዊት  ሃገርና እንብገሰሉ እዋን  ኣኺሉ  ኢዩ።

 

 






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *