Main Menu

ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል

ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል

መንግስቲ እስራኤ ምስ ው/ሕ/መ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝበጽሕዎ ስምምዕ ንዕለቱ ጠጠው ኢሉ ይርከብ።መንግስታዊ ትካል መራኸቢ ብዙሓን ሽወደን SVT (swedish television) ብዛዕባ ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታት፡ ብብዝሒ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በኒያሚን ናታንያሁ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት Unicef ኣብ ዝገበሮ ስምምዕ፡ ልዕሊ 16 ሽሕ ስደተኛታት ንሳልሳይ ሃገር ( ንምዕራብ ሃገራት) ክሰጋገሩ እቶም ዝተረፉ ን5 ዓመት ክጽንሑ ዝብል ከም ዝነበረን፡ እንተኾነ እታ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሓ ሰልፊ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንስግቲ እስራኤልን ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምንጻጎም፡ እቲ ጉዳይ ስደተኛታት ንዘይተፈልጠ ግዜ ብዘይውሳኔ ከም ዝጸንሕ ተሓቢሩ።

ቅድም ክብል ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማዕከናት ሬድዮን መርበባትን ክመሓላለፍ ዝጸንሐ ሓበሬታ ከም ዝተገልጸ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ብጉዳይ ምምላስ ስደተኛታት ንኣፍሪቃን ብወከልቲ መንግስቲ ዝቀረበሉ ጸብጻባት ብዙሕ ዘይተነጸረ፡ ዘይተጸንዐ ጉዳይ ስለ ዝነበሮ ስደተኛታት ንኣፍሪቃ ንምምላስ ጠጠው ከም ዘበለ ይዝከር።

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ  






Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *