Main Menu

ኣብያተ- ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤት- ክርስትያን ዓመታዊ ዕማመን ዛዚመን

ኣብያተ- ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤት- ክርስትያን ከሰላ

 ንስደተኛታት ኤርትራውያን ናይዚ ዓመት ዕማመን ዛዚመን

 15 መጋቢት 2018

ኣብያተ ትምህርቲ ካስቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ዝሓቆፈት ናይ 2017—2018 ዓመተ ትምህርቲ ብዕለት 15/3/2018  ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ዓመት ዝተኻየደ ጽምብል ናይ መንግስታውያንን ሓለፍቲ ግላውያንን ትካላት፡ ኣመሓደርቲ ትምህርቲ ሱዳናውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ሽማግለታት ዓዲ ወለዲ ተማህሮን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢ ድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ናይ ምዕጻው በዓል ካብ ተማህሮ ናይተን ኣብያተ ትምህርቲ ብዝቆመት ጉጅለ ባህሊ ንተደላይነት ትምህርቲ ዝገልጽ ነቶም ኣብያተ ትምህርትታት ዝሕግዙ ገበርቲ ሰናይ ማሕበር ካቡቺኒን( ኣሕዋት ቅዱስ ፍራንቸስኮ) ንግደ ወለድን መማህራንን ዘመጉስ ንተዓዘብቲ ዝስሕብ ብቛንቛታት ትግርኛን ዓረብኛን እግሊዝኛን ዝተዳለዉ መዛሙራት ድራማታት ግጥምታት ምርኢታት ኣቅሪቦም። እዚ ጥራይውን ኣይኮነን እተን ኣብያተ–ትምህርቲ ዓሌት ሃይማኖት ሕብሪ ሃገር ከይፈላለያ ዕላመአን ንመእሰያት ምምሃር ስለዝኾነን ኤርትራውያን ሱዳንስውያን ኢትዮጽያውያን ህንዳውያን ካብ ዝተፈላልያ ሃገራት ዝመጹ ተማህሮ ዝሓቆፈት ስለዝኾነት ብትግርኛን ብለንን ኣምሓርኛን ህንድን ባህላዊ ሳዕስዒታት ኣብቲ በዓል ቀሪቡ ውዒሉ።

ኣማሓዳሪ ግላዊ ትካላት ትምህርቲ ውላየት ከሰላ ኣሰይድ ዓድል ሓምድ ኣዜን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል እዚ ቤት- ትምህርቲ እዚ ወትሩ ብሉጻት ተማህሮ ዘፍሪ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ዓለት ሃይማኖት ሃገር ከይፈለየ ስለዝምሀርን በዚ ሎሚ ዘቅረብኩሞ ናይ ዝተፈላለዩ ኣህዛብ ባህላዊ ምርኢት ንባዕሉ ኣብ መንጎ ኣህዛብ እዚ ዞባና ኮነ ካልእ ተኸኣኢልካን ተፋቂርካን ናይ ምንባር ኣብነት ምዃኑ ጭቡጥ ምስክር ኢዩ ክብል ድሕሪ ምግላጽ ነቶም እዚ ቤት-ትምህርቲ እዚ ብኽምዚ ኣፍራዪ መልክዕ ክቅጽል ደኺምና ከይበሉ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸዓሩ ካህናት ኣመግጒሱ ንሕና ሱዳናውያን ሎሚውን ከም ቀደም ዝከኣለና ክንተሓባበርኩም ኢና ኢሉ።

ብኻልእ  ሰነኽ ንላዕለዋይ ደረጃ  ትምህርቲ  መሕለፊ ነጥቢ ረኺቡ  ካብታ  ቤት  ትምህርቲ  ዝተሰናበተ ተማሃራይ ኣቤል  ተከኤ  ቃል  ተማህሮ  ኣቅሪቡ። ኣቤል ኣብ ዘሰምዖ ቃል ኣብ’ዚ ደረጃ ንምብጻሕ ኩሉ መዳያቱ  ንዘምሃሩናን  ዝሓገዙናን  ድሕሪ  ምምስጋን  መማህራና ናይ ፍልጠት ዓንገልትና ስለዝኺኑ  ከነኽብሮም  ኣለና ክብል  ገሊጹ። ቀጺሉ ቤት ትምህርትና ናይ ፍልጠት ቤትና ስለ ዝኾነት ክንከላኸለላን ኣብ ኣእምሮና ክንቀርጻን ይግበኣና በለ።

ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ከሰላ ንልዕሊ 40 ዓመታት በዚ ኣገባብ ተመሃሮ ዘፍረየትን ንስደተኛታት ዕድል ዝኸፈተት፡ ካብ መባእታዊ ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንላዕለዋይ ደረጃ ዝተዓወቱ ተመሃሮ በዛ ትምህርቲ እዮም ዝሓልፉ። ብዙሓት ኣብ ልዑል ደረጃ በጺሖም ሎሚ ኣብ ኤውሮጳና ኣሜሪካን ዝርከቡ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ መደምደታ ከኣ  ነቶም  ካብ ነፍሲወከፍ ክፍሊ ብዝለዓለ  ነጥቢ ጸብለልትነት ዘርኣዩ ንፍዓት ዕውቱታት ተመሃሮ ብልጭታት  ብምዕዳል እቲ  ናይ  ምዕጻው  በዓል  ተዛዚሙ።

ዜናን ሓበሬታ

ሰዲህኤ



« (Previous News)



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *